መራሕቲ ሱዳን ንፕረስደንት ነበር ዑመር ኣልበሺር ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበንኛት ከርክብዎ ተሰማሚዖም መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ተቃውምቲ ዳርፎርን ኣብ ጁባ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ንፕረስደንት ነበር ዑመር ኣልበሺር ናብ ዓለምለኻውዊ ቤትፍርዲ ገንአኛታት ከረክብዎ ተሰማሚዖም። ዑመር ኣልበሺር ኣብ 2003 ብሰንኪ ዝልዖ ኪናት ኣብ ልዕሊ ዳርፉር 300,000 ሂወት ብምህላቁ ኣብ ዓለማዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክድለ ጸኒሑ። ስለዚ’ዩ ድማ ናብ ዓለማለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክርክብዎ ዝወሰኑ። ወሃብ ቃል መንግስት ሱዳን ኣቶ ስዒድ ምሓመድ ሓሰን ኣብዝሃቦ መግለጺ” ቋስልኻ ከይሕወኻ ፍትሒ ኣይረጋገጽን እዩ ይብል።” ብተወሳኺ ድማ ዕመር በሺርን ካልኦት ሰለስተን ናብ ዓለምለኻዊ ትፍርድ ገበነኛታት ክርከቡ ምኻኖም ንማዕከናት…
Read MoreBlog
ጸረ ኣድልዎ ሪፈረንደም ኣብ ስዊዘርላንድ
ጸር ኣድልዎ ሕጊ ንምጽዳቅ ረፈረንደም ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ስዊርላንድ ብዕለት 09.02.2020 ዓብን ኣገዳስን ረፈረንዶም ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ረፈረንደም ሓደ ውድሰብ ብሰንኪ ጾታዊ ኣመላኻኽትኡ ንኸይጋነ ዝልኣኸል ሕጊ ንምጽዳቅ እዩ ነሩ። እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል። 63.1% እዊ ውሕስነት ይሃልዎም፡ 36.9% ኣይፋል ኣድሚጾም። ስለዚ በቲ ዝተረኽበ ውጽኢት መሰረት ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ማለት በቲ ልሙድ ኣጸውዓ ናይ ዓድና(ደቅንስትዮ ነንሕድሕደን ከምእ’ውን ደቂተብዓትዮ ነንሕድሕዶም ዝዋሰቡ) ውሕስነት ዝህቦም ሕጊ ጸዲቁ። እዚ ውጽኢት ድማ ንዓቃባውያን ኣዝዩ ዓቢ ጽፍዒት ኮይንዎም። ነዚ ውሳንየ ዘይደገፉ መብዛሕትኦም ነበርቲ ገጠራት ካብ ማእከላይን ምብራቅን ስዊዘርላንድ ክኾኑ እንከለዉ፡ እዚ ሕጊ ንክጸድቅ…
Read Moreቅልውላው ኣብ ክለብ ባርሰሎና
ናይ ቃላት ቁርቁስ ኣብ መንጎ ሊዮነል መስን አሪክ ኣቢዳልን ክለብ ባርሰሎና ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ነበር አርነስቶ ቫልቨርደ ወላእኮ ናይ ላሊጋ ዓወታት የግዝማ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክብራ ክመልስ ስለዝይክኣለ ካብ ምስልጣን ኩዕሶ እግሪ ክለብ ባርሰሎና ከምዝተባረር ይዝከር። እንተኾነ ግን ዳይረክተር ክለብ ባርሰሎና አሪክ ኣቢዳል ጠንቂ ምስጋግ ናይ አርነስቶ ቫልቨርደ ተጻወቲ ባርሰሎና ብዘርኣይዎ ሸለትነትን ትህኪትን ክብል ወስ ድሕሪ ምባሉ ካብቲ ብሉጽ ተጻዋታይን ሓላቃ ጋንታ ባርሰሎናን ዝኾነ ሊዮነል መሲ ተሪር ነቀፈታ ኣጋጢምዎ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ክለብ ባርሰሎና ዘይምርግጋእ ከይፍጠር ዓቢ ስግኣት ኣሎ። ልዮነል መሲ ወላእኮ ውዕሉ ክሳብ 2021 ይኹን፡ ኣብ ደስ ዝበሎ…
Read Moreዝተኸልከለ ጸረ ባልዕ ኣብ ዝስተ ማይ ተረኺቡ
ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝስተ ማይ ክልኩል ጸረ ባልዕ ተረኺቡ ስዊዘርላንድ እታ ብጽረታን ማሕበራዊ ምርግጋእን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ዓለምና ሓንቲ እያ። እንኮላይ ሰጋእ ከይበልካ ካብ ቡንባ ማይ ቀዲሕካ ትሰትየላ ሃገር ብምኻና’ውን እቲ ካልእ ብልጫ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ መርበብ ሓበረታ ስዊስ ኢንፎ ተዘርጊሑ ብዘሎ መሰረት፣ ሓረስቶት ስዊዘርላንድ ካብ 1970 ኣትሒዞም ኣሕምልቲ፡ ድንሽ፡ ኣእካል ንምፍራይ ምእንታን ክሕግዞም ጸረ ባልዕን ጻህያይን ይጥቀሙ ነሮም። እንተኾነ ግን እዚ ጸረ ባልዕ ኣብ ትሕቲ ባይታ ዘሪቁ ብምእታው ኣብ ዝስተ ማይ ክጽንበር ብምኽእሉ ሻቅሎት ይፈጥር። ህዝባዊት ራድዮ ስዊዘርላንድ ሮቡዕ ኣብ ዝሃበቶ ፈነወ ኣብ ውሽጢ ካብ ትሕቲ…
Read Moreብዛዕባ ክሮና-ቫይረስ(Cronavirus)ክትፈልጥዋ ትደልዩ?
ክሮና-ቫይረስን ዘስዕቦ ጉድኣትን ክሮና-ቫይረስ እንታይ እዩ? ክሮና-ቫይረስ ካብቲ ዓቢ ስድራቤት ናይ ሳርስን(SARS) መርስን(MERS) ዝተባህሉ ዓይነት ቫይረስ ኮይኑ። እዞም ቫይረስ እዚኣቶም ንስርዓተ ምስትንፋስ ዘጥቅዑ እዮም። እዞም ቫይረስ ኣዚእቶ ምኣብ እንስሳታ ዑደት የካይዱ፣ ገለ ካብኣቶም ድማ ኣብ መንጎ እንስሳታትን ደቅሰባትን ይምሓላለፉ። ብርክት ዝበሉ ክሮኖ-ቫይረሳት ኣብ እንስሳታት ዝነብሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ደቅሰባት ዝኾነ ጠንቂ ዘይኣምጹ ኣለዉ። እዝዚሓድሽ ክሮኖ-ቫይረስ ኖቨል ክሮና-ቫይረስ ዝብል ሽም ተዋሂብዎ ኣሎ። መበል ሻብዓይ ክሮና-ቫይረስ ንደቂሰባት ዘጥቅዕ ኮይኑ ኣሎ። ምልክታት ሕማም ክሮና-ቫይረስ፣ በዚ ቫይረስ ዝተጥቅዐ ሰብ ሓፈሻዊ ምልክታት ናይ ስዓል የርኢ። ጸረታ ኣፍንጫ፡ኣንጥሾ፡ ምስዓል፡ ምልሕታት ጎረሮ፡ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ ዝኣመሰሉ ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ…
Read Moreዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ መገሻ እገዳ ይብይን
ዶናልድ ትራምፕ ናይ መገሻ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይትግብር ብዕለት 31,01.2020 ኣብ ዝወጸ መግለጺ ፕረስደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሽድሽተ ሃገራት ናይ ስደተኛታት እገዳ ወሲኑ። ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ፣ ክርግስታን፣ ናጀርያ፣ ማይናማርን ናይ ቀዋሚ መንበሪ ቪዛ እገዳ በይኑ። ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሱዳንን ታንዛንያን ድማ ናይ ዲቪ ቪዛ የጠቃልል። ትሓለቅቲ መሰላት ገያሹ ነዚ ውሳኔ ብትሪ ነቂፎምን ፈላላይ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ኣስላምን ካልኦትን ክብሉ ገሊጾም። ምኽትል ዋና ጽሓፊ ድሕንነት ውሽጢ ሃገር ቻድ ዎልፍ ብዝሓበሮ መሰረት እዘን ሃገራት ነቲ ዝትሓተ ረቃሒታት ኣብ መዳይ ሓበሬታን ምትሕልላፍን ከማልእ ብዘይ ምኽኣለን ይብል ነዚ…
Read Moreምርጫ ባይቶ ስዊዘርላንድ
ምርጫ ባይቶ ስዊዘርንድ 10..21.2019 ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ 20.10.2019 ካብ ነፍስወከፍ ኣውራጃታትን ከተማታትን ፖሎቲካዊ ውድቦም ወኪሎም ኣባል ባይቶ ንምኻን ብዙሓት ሕጹያት ኣብ ውድድር ተጸሚዶም ውዒሎም። ኣብ ፈደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝርከባ ዓበይትን ንኣሽቱን ፖሎክኣውያን ውድባት ነዘን ዝስዕባ ይመስላ፣ ዓቃባዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ (BDP – Conservative Democratic Party); ክርስትያን ማሕበራዊ ሰልፊ ስዊርላንድ (CSP – Christian Social Party of Switzerland); ክርስትያን ደሞክራስያዊ ሰልፊ(CVP – Christian Democratic Party); ወንገላዊ ሰልፊ (EVP – Protestant Party); ኣኽራሪ ገስጋስ ሰልፊ (FDP – Radical Liberal Party);ገስጋሲ ሓምላይ ሰልፊ (GLP – Liberal Green Party); ሓምላይ ሰልፍ (Grüne – Green Party); ማሕበር ተሲኖ (Lega – Lega dei Ticinesi); ምንቅስቃስ ዜጋታት ጀነቫ (MCG – Geneva Citizens‘ Movement); ደሳዊስ…
Read Moreመድሕን ጥዕና ኣብ ስዊዘርላንድ
መድሕን ጥዕና ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ኣብ 2020? ጥዕና ንኩሉ ሂወት ዘለዎም ብፍላይ ንወድሰብ ካብቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ጉዳይ እዩ። ኣብ ምዕቡል ክፋል ዓለምና ዝነብር ህዝቢ ንሂወቱ ዝተፈላለዩ ናይ ውሕስነት ኪዳን ማለት ኢንሹራንስ ስምምዕ ብምግባር ከይተሰከፈ ይነብር። ብዙሕ ዓይነት ኢንሹራንስ እኮ እንተሃለዎ ኣብዛ ዓምድ ግን ብዛዕባ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላን ኣብ 2020 ከመይ ከምዝመስል ክንርኢ ኢና። ብመሰረት ምኒስትሪ ጥዕና ኣቶ ኣልያን በርሰት ምስ መራኸቢ ብዙሓን ብዝገበሮ መልክዕ ሓድሽ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ኣብ 2020 ብማእከላይ ገምጋም 0.2% ክብ ክብል ምኻኑ ሓቢሩ። እዚ ድማ ብመንጽር ኣሃዝ ክርአ እንከሎ 315.40 ስዊስ ፍራንክ እዩ። እዚ…
Read Moreኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ
ስዊዘርላንድ ንምምዕባል ዓቅሚ ሰብ ኣብ ኤርትራ ዝውዕል ባጀት ሰሊዓ ስዊዘርላንድ ንተኸታታሊ ሰለስተ ዓመታት ዝካየድ ኣብ ኣብ ስብኣዊ ምምዕባል ዓቅሚ ሰብ ዝውዕል ኣስታት ሽድሽተ ሚልዮን ዶላር ሰሊዓ ትርከብ። ሰብ መዚ ወጻኢ ጉዳያት ስዊዘርንድ ከምዝሓበርዎ መጠን፣ እቲ መደብ ምትሕብባር ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ወን ከስፋሕፍሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣተንቢሁ። እዚ መደብ ድማ ንኤርትራውያን ምአንእሰያት ኣብ ዓዶም ብሞያ ዝዕብዩሉ መዳይ ምፍጥርን ብኡ ኣቢልካ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስትታ ዘሎ ምትኣምማን ምዕባይ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተኻየዱ መደባት ኣብቶም ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ኣተኪሮም ከምዝሰርሑን ይጽብጽቡ። እቲ መደብ ንክልተ ዓመት ካብ 2017 ጀሚሩ ከምዝተሰላሰለን ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ዶላር…
Read Moreሽልማት ባሎን ዲኦር
ሽልማት ባሎን ዲኦር 2019 ልዮነል መሲ ተጻዋታይ ኩዕሾ እግሪ ክለብ ባርሰሎናን ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲናን ሶኑይ ምሸት 23.09.2019 ኣብ ከተማ ሚላኖ ሃገረ ጥልያን ኣብዝተገብረ ምዕድላ ሽልማት ብሉጻት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብዝተገብረሉ ንሻድሻይ ግዝየ ነታ ሽልማት ብምዕታሩ ታሪኽ ንኢዱ። ኣብቲ ውድድር ክርስትያኖ ሮናልዶን ተጻዋታይ ኩዕሶ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋልን ክለብ ጅቨንቱስን ቪርግል ቫንዳይክ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድን ክለብ ሊቨርፑልን ነሮም። ካብ ገለ ስታትስቲካዊ ጸብጻባት ልዮነል መሲ ኣብ ዓመተ 2018-2019 ካብዝተኻየዱ ስፖርታዊ ንጥፈታት፣ 58 ግዜ ኣብ መዳ ወሪዱ፣ 54 ሸቶታት ኣቅጺሩ፣ 20 ንሸቶታት ዝኾና ሓጊዙ፣ 4646ደቃይቅ ተጻዊቱ፣ 86 ደቂ ንነፍስወከፍ ሸቶ። ኣብ ናይ…
Read More