ጆግራፍ

ጆግራፍ ሃገረ ኤርትራ

ኤርትራ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትርክብ። ኤርትራ ካብተን ዝንኣሳ ሃገራት ኣህጉር ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ። ጠቅላላ ስፍሓት መሬት ኤርትራ ኣስታት 125,320 ትርብዒት ኪሎመተር ይኸውን።ንውሓት ገምገም ቅይሕ ባሕሪ ኤርትራ 1,200ኪሎመተር ይኸወን ልዕሊ 350 ንኣሽቱን ዓበይትን ደስየታት የጠቃልል። 

ኤርትራ 22ኪሎመተር ናይ ባሕሪ ዶብ ትውንን። ብሓፈሻ ኤርትራ ኣብቲ ኣዝዩ ጽዑቅ ጅኦፖሎቲካዊ ናይ ንግድን ሓይሊ ባሕርን መስመር ቀይሕ ባሕሪ ተደኪና ትርከብ። መስመር መራኸቢ ባብአልመንድብን (ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ መጻብቦ ካብ ህንዳዊ ውቅያኖስ) ስወስከናልን (ምእተዊ ንማእከላይ ባሕሪ) ስትራተጅካዊ ኣቀማምጣ ናይዛ ሃገር ካብዝህብዋ ጅኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ እዩ። ቀይሕ ባሕሪ ዓበይቲ ናይ ንግዲ መራኽብ ናይ ኣውሮጳ፣ አስያ፣ ወሽመጥ ፋርስን ዝሓልፋ ዝእንግድ መስመር እዩ። ክልተ ዓበይት ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ናይ ንግዲ ኣፍደገ ባሕሪ እየን።

ብምብራቅን ሰመናዊ ምብራቅን ምስ ቀይሕ ባሕሪ፣ብደቡብ ምስ ኢትዮጵያ፣ብምዕራብን ስመናዊ ምዕራብን ሱዳን፣ ብደቡባዊ ምብራቅ ምስ ጅቡቲ ትዳወብ። ኤርትራ ትብሃል ሃገር ብትሽዓተ ምሕደራዊ ኣውራጃታት ዝቆመት እያ። ዝርዝር ናተን ኣውራጃታት ምስ ርእስኢ ከተምአን ነዚ ይምአስል። ሳሕል(ናቕፋ)፣ ሰንሒት(ከረን)፣ ሰምሃር(ምጽዋዕ)፣ ደንከል(ዓሰብ)፣ ሓማሴን(ኣስመራ)፣ ኣከለጉዛይ(ዓድቀይሕ)፣ ሰራየ(መንደፍአራ)፣ ባርካ(ኣቅኡርደት)፣ጋሽሰቲት(ባርንቱ)። እዘን ኣውራጃታት ድማ ኣብ ውሽጠን ብርክት ዝበላ ወረዳታትን ዓድታትን ዝሓቀፋ እየን።

ኣብ ባህርያዊ ክሊማ ምርኩስ ብምግባር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሰለስተ ሰፋሕቲ ዞባታት ትኽፈል።

1.ቆላን ሓውሲ ቆላን ምብራቃውን ምዕራባውን መታሕት ዘጠቃልል(ምብራቃዊ ገማግብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ጎላጉል ሰምሃር፣ ደንከል፣ ከምኡውን ባርካን ጋሽን ኣብ ምዕራባዊ መታሕት )።

 2.ዝሑልን ልስሉስን ከበሳ (ኣከለጉዛይ፣ሰራየ፣ ሓማሴን)። 

3. ሰመናዊ ከበሳን የጠቃልል።

ካርታ ኤርትራ

ኤርትራ ብዙሕነት ናይ ሕብረ ብሄራትን ቃንቃታትን ዘለዋ ሃገርር እያ። ትሽዓተ ብሄርት ኣብ ዝተፈላለየ ኣውራጃታት ናይታ ሃገር ተዝርጊሐን ይነብራ። ዓፋር፣ ብሌን፣ ሕዳረብ፣ሳሆ፣ ኩናማ፣ ናራ፣ ትግረ፣ ትግርኛ፣ ራሻይዳ።ትኣሪኻዊ ዝምድናታት ናይዘን ብሄራት ከምኡውን እቲ ኣብሞንጎአን ዝካይድ ናይ ንግድን ባህልን ልውውጥን ርክባትን ነዚ ሕጂ ዘሎ ሕብረ ብሄራዊ ኣቃውማ ኣማዕቢሉ።

ግራፍያዊ ከባቢ ኤርትራ

ኣብ ኣቀማምጣ መሬት፣ ኣታኽልት፣ ሓመድ፣ ክሊማን ምርኩስ ብምግባር ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ጅኦግራፍያዊ ከባቢ ተጠቃልል። ምብራቃዊ ኣጻድፍ፣ ምብራቃዊ ጎላጉል፣ ማእከላይን ሰመናውን ከበሳታት፣ምዕራባዊ መታሕት።

ምብራቃዊ ኣጻድፍ ኤርትራ

ምብራቃዊ ኣጽኣድፍ(ቀጠልያ መቀነት ተባሂሉውን ይስመ እዩ) ጫፋት ናይ ማእከላይ ከበሳን ምስ ምብራቃዊ ጎላጉል ዝራኸቡልኡ ከባቢ እዩ። ብራኸ ናይዚ ከባቢ ካብ 700 ክሳብ 2000መትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ኣቢልኡ ይኸውን። እንተኾነ ግን ክሊማን ኩነታት ዝናብን ናይዚ ከባብኢ ምስ ፍልልይ ብራኸ ይፈላለ እዩ። እዚ ጅኦግራፍያዊ ከባቢ ብዓበይቲ ሰንሰለታውያን ኣኽራናትን ኣጻድፍን ዝቆመ ኮይኑ ብዙሑታ ሩባታትን ሽንጥሮታትን ይመንጩ። ከምዘይቶ ካልኦት ጅኦግራፍያዊ ከባቢታት ምብራቃዊ ኣጻድፍ ኣብ ዓመት ክልተ ወቅቲ ናይ ዝናብ ስለዝረክብ፣ ኣዝዩ ሓምላይን ጽዑቅ ጫካን እዩ። 

ምብራቃዊ መታሕትን ጎላጉል ገምገም ቀይሕባሕሪ ኤርትራ

ጅኦግራፍያዊ ሰንሰለት ይዚ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ካብ ራስቀሳር ክሳብ ራስ ዱመራ ዝተርገሐ እዩ። መብዛሕትኦም ከባቢታት ናይዚ ጅኦግራፍያዊ ዞባ ኣስታት 500መትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ብራኸ ኣለዎም። ጎላጉል ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ምምሕር ኣውራጃታት ሰምሃርን ደንካልያን የጠቃልል። ጥልቀት ናይ ደንካልያ ኣዝዩ ፍሉይ ቅርጽ መሬት ናይዚ ከባቢ እዩ። ምኽንያቱ ድማ እዚ ቦታ ኣስታት 70መትሮ ትሕቲ ባሕሪ ምኻኑ እዩ። ናይዚ ከባቢ ክሊማ ብምድረበዳ እዩ ዝፍለጥ ብፍላይ ምስቲ ና ይምብራቃዊ ኣጻድፍ ክነጻጸር እንከሎ።

ምብራቃዊ መታሕት ንመብዛሕትኡ ጎላጉል ሰምሃር፣ ሽዕብ፣ ኣኽራናት ሳሕል፣ ምብራቃዊ ገምገም ባሕርን ጎላጉል ደንካልያን የጠቃልል። ቀንድ ባህርያት ጎላጉል ገምገም ባሕሪ ንደቡብ ካብ ምጽዋዕ ብልዑል ሙቀት፣ ጨዋም ጎልጎልን እሳተጎመራዊ ጎቦታትን ዝቆመ እዩ።

ደስየታት ዳህላክ ክፋል ናይዚ ጅኦግራፍያዊ ዞባ እያ። ኣስታት 350 ደስየታት ተጠቃልል። ውሑዳት ካብዘን ደስየታት መንበሪ ናይ ገለ ሰብኽሳግምን ገፈፍቲ ዓሳን እየን።  ዕምባብን ኣታኽልት ባሕር ድማ ዕቁር ሃብትን መስሕብን በጻሕቲ  ናይዘን ደሴታት እዮም።

ከበሳ ኤርትራ

ማእከላይ ከበሳ ኤርትራ ንምምሕዳር ኣውራጃታት ሓማሴን፣ ኣከለጉዛይ፣ ሰራየን የጠቃልል። ከበሳ ኤርትራ ምንጭን መበገስን ንምብራቅን ምዕራብን ዝውሕዙ ሩባታት ኤርትራ እዩ። እቶም ሰለስተ ዝዓበዩ (መረብ፣ ባርካ፣ ዓንሰባ) ሩባታት ሃገረ ኤርትራ ካብ ማእከላይ ከበሳ ነቂሎም ንሰሜንን ምዕራብን ይውሕዙ። ማእከላይ ከበሳ ንሕርሻን መንበርን ኣዝዩ ምቹእ ስለዝኾነ እቲ ዝበዝሐ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ከባቢ እዩ። 16% ካብ ጠቅላላ መሬትኤርትራ ዝሽፍን ጥራይ ይኹን እምበር ኣስታት 65% ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተሰኪሙ ዘሎ እዩ። ሰፋሕትን ፈረይትን ጎላጉል ናይዚ ከባቢ፣ ጎላጉል ሓማሴን፣ ጽልማ ኣብ ሰራየ፣ ሃዘሞን ሽመዘናን ኣብ ኣከለጉዛይ እዮም። ገምጋም ብራኸ ናይዚ ከባቢ ኣስታት 2250 መትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ይኸወን። እቲ ዝበረኸ እምባ ና ይሃገረ ኤርትራ እምባሰራ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ናይማእከላይ ከበሳ ይርከብ። ብርክት ዝበላ ኣገደስቲ ከተማት ናይ ማእከላይ ከበሳ፣ ሰንዓፈ፣ ደቅምሓረ፣ ዓድቀይሕ፣ሰገነይት ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ። መንደፈራ፣ ዓዲኻላ፣ድባርዋ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ።

ከበሳ ሓማሴን ብግምጣል ናይ ምብራቃዊ ኣጻድፍ ዝርከብ ኮይኑ፣ ወላእኮ ገለ ኣኻውሕ ብርኽ ኢሎም ዝርእዩ እንተኾኑ ኣዝዩ ሰጣሕ ጎልጎል እዩ።ገለ ክፋል ናይዚ ጅኦግራፍያዊ ከባቢ ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን እዩ ዝርከብ። ብምብራቅ ክሳብ ቤትገርጊሽን ዓዲራእስን፣ ብደቡብ ክሳብ ተራእምኒ፣ ብሰሜን ክሳብ ዛግር፣ ብምዕራብ እምባ ጠቀራ ተዘርሑ ይርክብ። እዚ ከባቢ ኣብ ኣዝዩ ልዑል ብራኸ ብምህላዉ ዓመ ት ምሉእ ምቹእ ዝኾነ ኩነታት ኣየር ኣለዎ። እቲ ዝበረኸ ቦታ ድማ እምባ ጠቀራ ኮይኑ ኣስታት 2579 መትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ብራኸ ኣለዎ። ኣዝዩ ፍርያም መሬት ዝውንን ብምኻኑ ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ኣእካልን ይፍሪ።ኣብዚ ከባቢ ካብዝርከባ ወረዳታት ጽዓዘጋ፣ ሃዘጋ፣ጻዕዳክስትያን፣ ሕምብርቲ፣ ዓድንፋስ፣ እምባደርሆ፣ ዓድተከለዛን፣ ሰረጀቃ።

ከበሳ ዓንሰባን ሰመናዊ ምዕራብ ኣጻድፍን ምሉእ ብምሉኡ ካብዚ ናይ ሓማሴን ከበሳ ዝፍለ ገጽመረት ዘለዎ ኮይኑ ንሰሜንን ሰሜናዊ ምዕራብን ካብ ሰጣሕ ገጽመሬት ሓማሴን ይርከብ። እዚ ገጽመሬት ክሳብ ከረንን ከባቢኣን ተዘርጊሑ ይርከብ። ገለ ቦታት ድማ ባዝዮም ተረርቲ ቁልቁሎት ይልለዩ። እዚ ጅኦግራፍያዊ ከባቢ ንኣውራጃ ሰንሒት ዘጠቃልል እዩ። ብፍላይ እቲ ሰመናዊ ክፋል ናይዚ ከባቢ ብርክት ብዝበሉ ሩባታት ዝተጠናነገ እዩ። እትቲዝዓበየ ሩባ ናይዝዚከባቢ ሩባ ዓንሰባ ይብሃል ካብ ከበሳ ሓማሴን ድማ ይምንጩ።ድሓን ዝኾነ ማእከላይ ኰታት ኣየር ድማ የስተማቅር።ዓበይት እምባታት ኣብዚ ከባቢ ዝርከቡ እምባ ድብረሲና፣ ሰበር፣ ሳርዱም እዮም። ሓልሓል፣ በጁክ፣ ከረን፣ ሓጋዝ፣ ማርያ፣ ዒላበርዕድ፣ መጋርሕ ካብተን ዓበይቲ ወረዳታት ናይቲ ከባቢ እየን።

ምዕራባዊ ኣጻድፍ ኤርትራ

ምዕራባዊ መታሕት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ምብራቃዊ ክፋሎም ልስልስ ብዝበሉ ቁልቁሎት፣ ኣብ ምዕራባዊ ክፋሎም ብሰፋሕቲ ጎላጉል ባርካ ከምኡውን ልሙዕ ገማግም ሩባ ጋሽ-ሰቲት ዝቆመ እዩ። ጎላጉል ምዕራባዊ ትኣሕት ክሳብ ሱዳን ይዝርግሑ። ክፋል ናይዚ ከባቢ ኣብ መንጎ 250- 460 መትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ብራኸ ይርከብ። እዚ ከብቢ ሳዕርን ቆጥቃጥን ዝበዝሖ እዩ።