ቁጠባ

ቁጠባ ብደረጃ ውልቀን ሃገርን

ቁጠባ ክፋል ናይ ማሕበራዊ ስነፍልጠት ኮይኖ ብሕጽር ዝበለ ምፍራይ፣ምዝርጋሕን ምህላኽን ንብረትን ኣገልግሎታትን ዘጽንዕ ዓውዲ  እዩ። ቁጠባ ስለምንታይ ኣድለየ ንዝብል ሕቶ፣

 ድለታት ደቅሰባት ደረት ስለዘይብሎም ብህርያዊ ሃብቲ ድማ ብኣንጻሩ ድሩታት ስለዝኾኑ ውልቀሰባት ይኹኑ ማሕበረሰብ ምእንቲ ቅኑዕ ውሳንየ ንኽወስዱ ስለዝሕግዞም እዩ። ንኣብነት፣ ምዓልታዊ እንዳ ሰራሕካ መነባብሮኻ ትመርሕ እንተኸንካ፣ ኣታዊኻ ምእንት ክብርኽ ዝያዳ ስዓታት ክትሰሪሕ ትግደድ ብእንጻሩ ድማ ውሑድ ስዓታት ናይ ድቓስ ወይ ዕረፍት ይህልወካ። እተን ዘለዋና ግዜ 24 ስዓታት ጥራይ ስለዝኾና።

መነባብሮን ሕብረተስብን፣ ዓለማዊ  ጉዳያት፣ ዕዳጋታት፣ ንምርዳእ፣ ከምኡውን ዘጋታት እኹል ሓበሬታ ንክህልዋም ይሕግዝ። ንኣብነት፣ ዕዳጋታ ከመይ ኢሎም ይሰርሑ፣ ስለምንታይ ዝቅባበ የጋጥም፣ ኣብ መንጎ ሃገት ዝካየዱ ናይ ንግድ ውዕላት ከመይ ከምዝካየዱ፣ መስርሕ ወለድ ባንክ ወዘተረፈ።

እቶም ውሱናት ባህርያዊ ሃብቲ ንብሎም ድማ ነም ዝስዕቡ ንምጥቃስ ይክኣል፣

1. መሬት ከም ባህርያዊ ሃብት መጠን ነዞም ዝስዕቡ የጠቃልል፣ ማይ፣ ማዕድናት፣ ኣየር፣ ዕሳ።

2. ዕዮ(labour) ናይ ሓንጎልን ጉልበትን ሃብት የጠቃልል።

3.ዓቅም ሰብን ንብረትን(Capital)።

4. ፈጠርቲ ስራሕ (Enterpreneurship)፣ ነዝኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ዘምሓድሩ እዮም።

ድሌትን ዕድበትን ደቂ ሰባት

ወላእኮ ወድሰብ ድለታታቱ ንኽዕግብ ፋሕተርተር እንተበለ መጽናዕትታት ክምዝሕብርዎ ዕዉት ከምዝይኮነ እዩ ዝግለጽ። እቲ ቀንድ ምኽንያት ድማ ድሌታት ወድስብን ደረት ኣልቦ ብምኻኑ በቲ ካልእ ወገን ድማ ባህርያዊ ጸጋታት ድሩታት ምኻኖም እዩ። ንኣብነት ጥሜት፣ ሕማም፣ጽምኢ፣ዕርቃን፣ምዝንጋዕ ዝኣመሰሉ ንምጥቃስ ይክኣል። ስለዚ ነዞም ኩሎም ድትኣት ኣብ ሓደ እዋን ክተማልእሞ ኣዝዩ ከቢድ ብምኻኑ ገለ ካብኣቶም ብምንካይ ንገለ ካብኣቶም ክትረኽቦም ይክኣል እዩ።ደቅሰባት ድሌታቶም ንምዕጋብ እምብኣር ክሰርሑ እዮም ዘለዎም፣ እዚ ማለት ድማ ቁጠባዊ ንጥፈታት የካይዱ ምእንቲ ኣታዊታ ክረኽቡ። በዚ ናይ ገንዘብ ኣታዊታት ትሓጊዞም ድማ ነቲ መሰረታዊ ድሌትታ ማለት ንህላወ ዘገድሱ ንዕግብ። ካብዚ ገለ ቁብ ገንዘብ እንተተረፈ ድማ ነቲ ንምንባር ኣገደስቲ ዘይኮኑ ድሌታት ይሽፍን። ወድሰብ ኩሉ ድሌታቱ ብንምትኣምር ምኣልእ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ድማ ካብቶም ዘለዉ ኣብ ምርጫ ይወርድ። እቲ ምርጫ ድማ ኣብዞም ዝስዕቡ ባእታት ይምርኮስ፣ቀንዲ ኣገዳሲ፣ዓቅሚ ኣታትኣት፣ቁጠባን ቀረብን ናይታ ትብረላ ሃገር። ድሌታት ወድሰብ ናይውልቂ ወይ ና ይሓባር ክንኡ ይኽእሉ እዮም። ይ ውልቂ ድሌታት ናይ ነፍስወክፍ እዮም። ብውልቂ ድማ ይውሰኑ ምዓስን ኣበይን ንየናይ ኣቀዲምካ ክትመርጽን። መጥን ብዙሓት ሰባት ሓደ ዓይነት ውልቃዊ ድሌት ከማልኡ ኣብዝደልዩሉ ብመጠኑ ድማ እቲ ሽግር ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ እንዳዓበየ ይኸይድ። ስለዚዩ ድማ ናይ ሓባር ድሌታት ዝፍጠሩ። ብውልቂ ክብጽሑ ዝይክኣሉ ድሌታት ድማ ብናይ ሓባር ድሌታት ክፍትሑ ይኽእሉ። ንኣብነት፣ ውልቃዊ ድሌት ናይ መጉዓዝያ ኣብ ናይ ሓባር ድሌት ጽርግያ፣ መንገድ ባቡር፣ መዕርፎ ነፈርት ዝኣመሰሉ ንምህናጽ ይምርሕ። እዚ ኩሉ ንጥፈታትን ድሌታትን ድማ  ኣብ ሓደ ስሩዕ ቁጠባዊ ህንጸት የምርሕ።

ውልቃዊ ድሌት

1.መሰረታዊ ድሌት

መሰረታውያን ድሌታት ንምንባር ኣዝዮም ኣገደስቲ ኮይኖም ንነፍስወከፍ ወድሰብ ድማ የድልይዎ። ዝገደፍካ ገዲፍካ ብቀዳምነት ክማልኡ ይግባእ። ኣብ ኣገዳስነቶም ምርኩስ ብምግባር ብቀደም ተኸተል ተሰሪዖ ንረኽቦም፣

  • ዕንጋለ (መግብን ማይን)
  • መንበሪ
  • ክዳውንት
  • ሕክምናዊ ክንክን

2.ኣማራጺ ድት

እዚኣቶም ንምንባር ኣዝዮም ኣገደስቲ ኣይኮኑን ግን ወድስብ ዝያዳ ምስ ዝህልዎ ዝጥቆመሎም ድሌታት እዮም።

  • ኣብ ዝተፈላለይየቦታት ዑደት ምግባር
  • ተሽከርከርቲ ከም ናይ ገዛ መዛርኢት ማኪና
  • ሽልማት ከም ወርቂ ዝኣመሰሉ
  • ከምኡውን መጻሕፍቲ 

ንድሌታት ደቅሰባት ዝዕግቡ ነገራት

ደቂሰባት ንድሌታቶም ንምርዋይ ካብ ኣብገዛእ ነፍሶም ዝርብ ዓቅምን ኣብ ከባቢኦም ካብዝተዓድለዎም ባህርያውዊፈጥሮ ሃሰው ብምባል ንብረት ከፍርዩ ጀሚሮም። ነዞም ንብረት ድማ ናይ ነጻን ቁጠባውን ኢሎም ይፈላልይዎም።

ናይ ነጻ ንብረት ዝብሃሉ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዘይ ዝኾነ ክፍት ክንጥቀመሎም ንኽእል። ንኣብነት፣ ኣየር፣ንፋስ፣ ብርሃን ጽሓይ። እንተኾነ ግን ጽሬትምዝትሓለዉ ክኾኑ ኣለዎም።

ቁጠባዉ ንብረት ዝብሃሉ ድሩት ቀረብ ዘለዎም ኮይኖም ንኹሉ ድሌትና ድማ ክዕግቡ ኣይክእሉን እም። ውሱናትን ድሩታትን  ስለዝኾኑ  ድማ ዋጋ ይኽፈሎም። ኣፍረይቲ ንብረት ተጥቂምና ሃለኽቲ ንብረት ነፍሪ። ንኣብነት ፎርኖ ናይ ባኒ ተኺልና ባኒ ነፍሪ። ብኸምዚ መልክዕ ናይ ዕንጋለ ድሌትና ንዕግብ።

ቁጥባዊ መምርሒ ባህርያት ኣፍረይትን ተጠቀምትን ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዝሰርዑ ሕግታት እዮም። ዝትሓተ፣ ዝልዓለ፣ ማእከላይን እዮም።

ዝተሓተ መምርሒ ማለት ብዝተኻእለ መጠን ንድሌታትካ ብዝውሓደ ወጻኢታት ትዕግም ምድላይ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣርባዕተ እስታንሳ ክካረ እንተደልዩ፣ ብዝትኻእለ መጠን ትሑት ክራይ ከናዲ ይግብኦ።

ዝልዓለ መምርሒ ማለት ብዘለካ ዓቅሚ ብዙሕ ድሌታት ክተማልእ ምፍታን እዩ።ንኣብነት ሓደ ተጠቃሚ 1500 ዶላር ዑደት ንክግብር እንተኣኪቡ ብዝተኻእለ መጠን ኩሉ ድሌታቱ ከምዝዕግብ ይገብር።

ማእከላይ መምርሒ ማለትዓቅምታትካን ድሌታትካን ሚዛናዊ ምስዝኸውን እዩ።ኣቲ ትኸፍሎ ዋጋ ነቲ ትድልዮ ኣገልግሎት ዘንጸባርቅ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት ሓደ ሙዚቀኛ ንሓንቲ ፕያኖ ንምዕዳግ ዝገብሮ ወጻኢታት ነቲ ኣገልግሎታ ዘንጸባርቅ ክኸውን ኣለዎ።

ፍኹስ ዝበለ ዑደት ቁጠባ

ቁጠባዊ ዑደት ብፍኹስ ዝበለ መልክዕ ንግዳዊ ምልውዋጥ ንብረትን ኣገልግሎታትን ብባጠራ ኣብ መንጎ ኣፍረይትን ኣህለኽትን ዝግበር መስርሕ እዩ። እቲ ፍኹስ ዝበለ ቁጠባዊ ዕደት ዘብሎ ምኽንያት ድማ እቶም ተዋሳእቲ ናይቲ መስርሕ ክልተ ወገናት ማለት ኣብ መንጎ ናይ ግሊ ተጠቀምትን ኣፍረይትን ምኻኑ እዩ። ኣብዚ ዑደት ድማ ዋሕዚ ናይ ገንዘብን ንብረትን ይፍጠሩ።ኩላትና ምዓልታዊ ኣብዚ ቁጠባዊ ዑደት ዝፍአላለየ ተራ ንጻወት።ንኣብነት ከም ዓደግቲ፣ ኣፍረይቲ፣ ሰራሕተኛታት፣ ወሃብቲ ስራሕ፣ተኻረይቲ፣ ከፈልት ግብሪ።

1.ዋሕዚ ንብረት

ኣቁሕት ክትፍርን ኣገልግሎት ንክትቅርብን ኣርባዕተ ረቃሒታት የድልዩኻ። ንሳቶም ድማ መሬት፣ጉልበት፣ ርእሰማል፣ ፍልጠት እዮም። ነዚ ለቃሒታት እቶም ኣህለኽቲ ንኣፍረይቲ ይቅርቡሎም።ኣፍረይት ድማ ነዚ ቀረብ ተጠቂሞም ንብረትን ኣገልግሎታትን ኣብ ዕዳግጋ ይቅርቡ። እዞም ኣብ ሓድደ ዓመት ዝፈረዩ ንብረትን ኣገልግሎትንን ናይ ሓንቲ ግአር ብሃገራዊ ውሽጣዊ እቶት ይዕቀን(Gross Domestic Product).

2.ዋሕዚ ገንዘብ

ነቶም ብኣፍረይት ንዝተዳለዉ ንብረት ንምዕዳእ ድማ እቶም ዓደግቲ ገንዘብ የድልዮም። እም ኣፍረይቲ ነቶም ዓደግቲ ንጉልበምን ፍልጠቶምን ደሞዝ ይኽፈልዎም፣ ነቲ ዝልቅሕዎ ርእሰማል ወለድ ንመሬት ክራይ ይከፍሉዎም። እዚ መስርሕ ውሕስነት ንክረክብ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ሕግን ክፍን ኣለዎ። ንኣብነት ኤርትራ ምስንወስድ መሬት ካብ ዋትኣትቱተገቢቱ ደቅሰባት ጉልበቶም ብባርነት ጅሆ ተታሒዙ ብዘይ ዝኾነ ዓስቢ ውልቀ መላኽን ስዓብቶን ይጥምኡሉ ኣለዉ።

3.ኣፍረይቲ

ኣፍረይቲ ወነንቲ ትካላት ተባሂሎም ይጽውዑ። ንሳቶም ድማ ቁጠባዊ ንብረት የፍርዩን ኣገልግሎትን ይቅርቡ። ኣፍረይቲ ዓደግቲውን እዮም። ዓግቲ ግን ኣፍረይቲ ኢልካ ክትምዮም ኣይክልን እዩ።ንኣብነት ሓደ ኣፍራይ ፋብሪካ ናይ ዘይቲ ተኺሉ ዘይቲ ይፍሪ፣ እንተነ  ግን ስምስም ክብ ሓረስቶት ይዕድግ።

4.ናይ ግሊ ኣህለኽቲ

ናይ ግሊ ኣህለኽቲ ዝተባህሉሉ ምኽንያት እቶም ኣፍረይቲ ወይ ሰብ ትካላት ውን ስለዝዕድጉ ካብኣቶም ንምፍላይ እዩ።

ሕጋውነት

ኣብዚ መዳይ እቲ መጠነ ዋሕዚ ንብረት ምስ መጠነ ዋሕዚ ገንዘብ ሚዛናዊ ክኸወን ኣለዎ። እዚ ሚዛን ግን ኣብግብሪ ኣይብጽሕን እዩ። ንኣብነት ከም ዝቅባበ ናይ ባጠራ ወትሩ ነቲ ናይ ቁጠባዊ ዑደት ሚዛን ከይሕሉ ይዘርጎ።

ተዋሳእቲ ቁጠባ

  • ተዋሳእቲ ናይ ቁጠባዊ ዑደት ኩሎም ናይ ግሊ ዓደግትን ኣህለኽትን።
  • ኩሎም ኣፍረይትን ወነንትን ትካላት።
  • ኩለን ህዝባዊ ትካላት።

ሰፍሕ ዑደት ቁጠባ

ኣብዚ ሰፊሕ ቁጠባዊ ዑደት ኣብ ልዕሊ ናይ ግሊ ኣህለኽትን ኣፍረይትን ድማ መንግስት፣ ባንክን፣ናይ ወጻኢ ንግድን ይሓቁፍ። ምኽንያቱ ፍኹስ ዝለ ቁጠባዊ ዕደት ንበይኑ ኣኻሊ ስለዘይኮነ ዝተጠናነገ ስርሕ ናይ ቁጠባ ክፈትሕ እንተኮይኑ ነዝምዝጠቀስናዮም ከጠቃልል ኣለዎ።

መንግስቲ ካብ ኣፍረይቲ፣ ዓደግቲ፣ ባንክታትን ግብሪ ይእክብ ምእንቲ ህዝባዉ ንጥፈታቱ ከካይድ። ገለ ካብቲ መንግስቲ ዝረኽቦ ኣታዊታት ዶሞዝ ሰራሕተኛታት ፣ ጥሮታ፣ ንጽጓት ወናት ብምኽፋል ገንዘብ ናብ ኣህለኽቲ ይውሕዝ። ከምኡውን ገንዘብ ክብመንግስቲ ናብ ኣፍረይቲ ብመልክዕ ኣብ ህዝባዊ ንጥታት ዝገብርዎ። ንኣብት ምህናጽ ሕክምናታት፣ ትምህርት፣ ጽርግያታትን። መንግስት ብመልክዕ ዱጎማ ዝገብሮም ወጻኢታት ፍሉይ ዕላማ ዘለዎም ኮይኖም ተመላስድማ ኣይኮነን። ንእብነት መንግስቲ ንንአብሮ ኣዝይሞ ክጽልዉ ዝኽእሉ ጽላት ከም ሕርሽ ዝኣመሰሉ ድጎማ ብምግባር ነቲ ዕዳጋታት የረጋግኦ።

ባንክን ኢንሹራንስን፣ ባንክን ትካላት ኢንሹራንስን ዓበይቲ ናይ ፋናንስ ትካላት ብምኻነን ኣብ ናይ ውህለላን ለቃሕን ንጥፈታት ይዋፈራ። ካብ ኣዋህለልቲ ገንዘብ ይቅበሉ ኣምሳይኡ ድማ ወለድ ይኸፍሉ። ኒት ውህሉል ገንዘብ ድማ ብመንጽር ለቃሕ ንኣፍረይቲ፣ ኣህለኽቲ ከምኡውን ንመንግስቲ ይህቡ። ካብዚኣቶም ድማ ወለድ ይረኽቡ። ባንክ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ ካፒታል ድለላ ተራ ይጻወት። ኣብ ሓንት ሃገር ክልተ ዓይነት ባንክ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ሃገራዊ ወይ ማእከላ ባንክን ንግዳዊ ባንክን እዮም።

ውጻኢ፣ ሓንቲ ሃገር ንምንባር ዘድልያ ኩሉ ክትውንን ስለዝይትኽእል ነቲ ዘለዋ ሃጋፋት ናይ መነባብሮ ንምትካእ ካብ ወጻኢ ሃገራት ትሽምት። እዚ ድማ ናብ ምምጻእን ሰደድን የድህብ። ንእብነት ዘይተመጻረየ ንጥረ ነገራት፣ ዘይተዛዘሙን ዝተዛዘሙን  ኣቁሑት ካብ ወጻኢ ሃገራት ይጠልቡ ኣምሳይኡ ድማ ገንዘብ ይልእኩ። ስለዚ ገንዝብን ንብረትን ካብን ናብን ይውሕዝ። ሓንቲ ሃገር ነዚ ክዉን ንኽትገብር ንጹር ዝኾነ ናይ ወጻኢን ውፍርን  መምርሕን ክህልዋ ኣለዎ።

ገንዘብ

ገንዘብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ንቁጠባ ዘማእዝን መርሒ እዩ። ንመስርሕ ምዕዳግ ንበትን ኣገልግሎትን የፋኽስ።ገንዘብ እንተዘይህሉ ንግዲ ንብረት ብምቅይያ ምተኻየድ ነሩ። ገንዘብ ንብረት ንምዕዳግን ኣገልግሎት ንምርካብን ዝሕግዝ መሳርሕ እዩ። ዝኾነ ንብረት ኣብ ንግዳዊ መስርሕ ንብረት ንምዕዳግን ኣገልግሎት ንምርካብን ከምክፍሊት ቅአባልነት ዝረክብ ገንዘብ ንብሎ። ንኣብነት ምልኣኽ ንብረትን ኣገልግሎትን ካብ ሓደሰብ ናይ ካልእሰብ፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር። 

ታሪኽ ገንዘብ፣ ደቅሰባት ቀዋሚ ምንባር ምስጀመሩ ስራሕ ክማቀልዎ ጀሚሮም። ንኣብነት ሓደ ዓሳ ክጅልብ፣እቲ ካልኣ ክኽሽን፣እቲ ሳልሳይ እኽሊ የፍሪ። ነቲ ንብረት ድማ ከከም ጠለባቶም ይለዋወጡ ነሮም። ገንዘብ ኣበይን ምዓስን ከምዝጀመረ ንጹር እኮ እንተዘይኮነ፣ 700 ዓመት ቅድሚ ልደተክርስቶስ ኣብ ከባቢ ማእከይ ባሕሪ እታ ናይ መጀመርታ ብወርቂ ዝተሰርሐት ሳንቲም ኣብ ንግዲ ክትውዕል ጀሚራ። እዚ ናይ ክፍሊት መሳርሒ ብኩሎም ወገናት ተቀባልነት ረኺቡ። እቲ ቀንድ ምኽንያት ድማ እቲ ሳንቲም ናይ ወርቂ ትሕዝቶ ስለዝነበሮን ንክትጎዓዕዞ ቀሊል ብምንባሩን እዩ። ኣብ 16 ክፍለዘመን ካብ ወረቀት ዝተሰርሐ ገንዘብ ንመጀመርታ ግዜ ተማሂዙ። ኣብ ባንኪ ካብ ወርቂ ዝተርሐ ሰናቲም ምስተቀምጥ ድማ ብመንጽሩ ናይ ወረቀት ገንዘብ ክትጥቀም ይፍቀድ ነሩ። እንተኾነ ግን ካብ 19 ክፍለዘመን ኣትሒዙ ሃገራዊ ባንክ ጥራይ ኮይኑ ገንዘብ ናይ ምሕታም ፍቃድ ዘለዎ።

ጥቅሚ ገንብ፣ ገንዘብ ሰለስተ ጥቅምታት ኣለዎ። ንምኽፋል፣ ክብሪ ንምዕቃብ፣ መለክዒ። ገንዘብ ዕማሙ ብግቡእ ክትግብር ተቀባልነት ክረክብ ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ነውሕ ዕድመ ዘለዎ፣ ዋጋ ወይ ክብሪ ዝሕሉ፣ ሕጋዊ ካብ ፎርጅት ውሑስ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚዩ ሃገራው ባንክ ጥራይ ናይ ገንዘብ ምሕታም መዝነት ዝውሃቦ። ሃገራዊ ባንክ ኣቅራሽን ሰናቲምን ንቁጠባ ሃገር የዳሉ። ክብሪ ናይ ገንዝብ ብናይ ምዕዳግ ዓቅሙ እዩ ዝዕቀን። ናይ ምዕዳግ ዓቅሚ ንዘብ ክብሃል እንከሎ ንኣብነት ብሓደ ዶላር ክንደይ ንብረት ክዕድግን ክንደይ ኣገልግሎ ክንረክብን ንኽእል። ዋጋ ንብረትን ኣገልግሎታትን ምስዝብርኹ ገንዘብ ናይ ምዕዳግ ዓቅሙ ይንኪ ብንጽሩ ድማ ንረኽቦ ኣገልግሎትን ንብረትን ይንክዩ። ብኣንጻሪ ዋጋ ንብትን ኣገልግሎትን ምስዝንኪ ድማ ገንዘብ ናይ ምዕዳግ ዓቅሙ ይብርኽ ስለዚ ድማ ብዙሕ ንብረትን ብርክት ዝበለ ኣልግሎትን ክንረክብ ንኽእል። ባጠራ ናይ ሓንት ሃገር ብመንጽር ናይ ውሽጢ ሃገር ዕዳጋ ንኣብነት 100 ናቅፋ ክንደይ ኣገልግሎትን ንብረትን ክትሽምተላ ይክኣል፣ እዚ ድማ ክብሪ ባጠራ ብመንጽር ውሽጢ ሃገር ክዕቀን እንከሎ እዩ። ባጠ ራ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ናይ ደገ ዕዳጋ ንእብነት 100ናቅፋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንደይ ንብረትን ኣገልግትን ክትህባካ ትኽእል ዝልክዕ እዩ።  ባጠራ ብመንጽር ናይ ደገ ሸርፊ ይዕቀን።

ቀረብ ገንዘብ፣ ነፍስወከፍ ሃገራዊ ቁጠባ ዓቀን ወይ ቀረብ ገንዘብ ንምውሳን ጻዕሪ የካይድ። ጥረ ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ ከምኡውን ኣብ ባንክ ዝቅመጥ ገንዘብ ብፍላይ ክረዲት ኣብ ዝተደልየ እዋን ክትጥቀመሉ ዝክኣል።

ሎሚ ዘሎ ዓይነት ገንዘብ፣ ኣይተጻሕፈን

ባንክታት/ትካላት ገንዘብ

ባንክታት ናይ ካልኦት ወልሰባትን ትካላትን ገንዘብ ይቅበሉ። ነቲ ዝተቀበልዎ ገንዘብ ድማ ብመልክዕ ለቃሕ  ንካልኦት ትካላትን ውልቀሰባትን የዋፍሩ። ኣብ ስርዓተ ባንክ ናይ ሓንት ሃገር ክልተ ዓይነት ባንክታት ኣለዉ። ሃገራውን ንግዳውን ባንክ ተባሂሎም ይጥቀሱ።

1. ሃገራዊ ባንክ፣ ዝኾነት ሃገር ሓደ ሃገራዊ ባንክ (ማእከላይ ባንክ) ክህልዋ ናይ ግድን እዩ። ሃገራዊ ባንክ ባንክ ናይ ባንክታት ተባሂሉውን ይጽዋዕ እዩ፣ እቲ ምኽንያት ድማ ንሃርን ንግውያን ባንክታትን ገንዘብ ስለዝቅርብ። ቀንዲ ዕዮ ናይ ሃገራዊ ባንክ ሃገራዊ ቁጠባ ንምፍጻም እዮ። ሃገራዊ ባንክ ዘይከም ንግዳዊ ባንክ መኽሰብ ንምርካብ ኣይኮነን ዝሰርሕ፣ ካብ ወልቀሰባትን ትካላትን ገንዘብ ኣይቅበልን ከምኡውን ንውልቀሰባትን ትካላትን ኣየቅሕን እዩ። እቲ ዝዓበየን ቀንድን ስርሑ ገንዘብ ብምሕታምን ምቁጽጻርን ንሃገራዊ ቁጠባ የስንዮ። ኣብ መብዛሕትአን ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዝኽተላ ሃገራት ሃገራዊ ባንክ ካብ ጽልዋ ምንግቲ ነጻ እዩ። እቲ ቀንድ ምኽንያት መጋበርያ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ወይ ውድብ ከይከውን እዩ።

2. ንግዳውያን ባንክታት፣ ትካላት ገንዘብ ይነን ዘይከም ሃገራዊ ባንክ ኣብ መኽሰብ ንምርካብ ዝተዋፈራ እየን። ምስ ዓማዊለን፣ ውልቀሰባት፣ ትካላት፣ሰብስልጣን ምንግስት፣ ኣውራጃታት፣ ወረዳታት ጥቡቅ ዝኾነ ቅርበት ኣለወን። ቀንድ ዕማም ንግዳውያን ባንክታት ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፣ ካብ ትልኣትን ውልሰባትን ብመልክዕ ውህለላ ገንዘብ ይቅበላ ወለድ ድማ ይኸፍልዎም። ነዚ ዝትዋህለለ ገንዘብ ናብ ካልኦት ውልቀሰባትን ትካላትን ብመልክዕ ለቃሕ የዋፍሩ ኣምሳይኡ ድማ ወለድ ይረኽቡ። ንግዳውያን ባምክታት ንዓማዊለን ምሕደራ ንብረት፣ ናይ ንግድ ምልውዋጥ ክፍሊት ዝኣመሰሉ ኣገልግሎት ብምሃብ ኮሚሽን ይረኽቡ። ንግዳውን ባንክታት ብርኪ፣ ቦንድ፣ሸርፊ ናይ ባጠራን ዝኣመሰሉ ንጥፈታውን የካይዱ። ንግዳውያን ባንክታት ኣራኸብት ካፒታል(ገንዘብ) ብምኻኖም ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ እዙ ወሳኒ ግደ ኣለዎም። ነቲ ገንዘቦም ድማ ኣብ ኣዝዩ ኣርባሒ ንግዳ የዋፍርዎ።

ምቁጽጻር ዓቅን ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ

ባንክታት ንቁጠባ ሃገር ብገንዘብ ብምስናይ  ኣብ ልዕሊ ዓቀን ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ዓቢ ጽልዋ ይገብራ። ዑደት ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ እምብዛ ምብዛሕን ምውሓድን ንቁጠባ ሃገር ጽቡቅ ኣይኮነን። ብዝሒ ዓቀን ገንዘብ ክንደይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ ትጽት ዝቅባበን ኣብ ኩታት ቁጠባ ሃገርን ይምርኮስ። 

1.ፖሎቲካዊ መሳርሕታት ሃገራዊ ባንክ ኣብ ልዕሊ ገንዘብ፣ሃገራዊ ባንክ ኣብ ምቁጽጻር ዓቀን ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ቁልፊ ተራ እዩ ዝጻወት። ነቲ ሃገራዊ ባጠራ ኣብ ዕዳጋ ብምፍናውን ምጥርናፍን ይቆጻጸሮ። ሃገራዊ ባንክ ኣብ ከፋት ዕዳጋ ካብ ንግዳውያን ባንክታት ቦንዳን ባጠራን ብምሻጥን ምሽማትን ነቲ ዓቀን ገንዘብ እብ ዕዳጋ ዝዘውር ይቆጻጸሮ። እቲ ዝዓበየን ቀንድን ዕላማ ናይ ሃገራዊ ባንክ ዋጋታት ንምህዳእ እዩ።

2. ክምፍጣር ገንዘብ ብንግዳውያን ባንክታት፣ ንግዳውያን ባንክታት ኣብ ልዕሊ ዓቀን ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ዝዘውር ሓያል ጽልዋ ኣለወን። ባንክታት ብመልክዕ ምውህላል ዝቅመጥ ኩሉ ጥረ  ገንዘብ ብሓደ ግዜ ከምዘይውሰድ ስለዝፈልጣ ገለ ዓቀን ናይቲ ገንዘብ የልቅሕኦ። በከምዚ ኣገባብ ድማ ገንዘ ከራብሕ ይኽእላ። እንተኾነ ግን ብሰረት ሕጊ ሃገራዊ ባንክ ንግዳውያን ንክታት ነቲ ብመልክዕ ውህለላ ካብ ዓማዊል ዝቅበልዎ ጥረ ገንዘብ ኩሉ ከልቅሕዎ ኣይፍቀዶምን እዩ። ንእብነት ዮሴፍ ኣብ ባንክA 10000 ዶልላር ይቀምጥ። ባንክA ድማ ንዳንኤል ካብቲ 10000 ዮሴፍ ዘቀመጦ 8000 የልቅሖ። ዳንኤል ብ8000 ማንኪና ብምዕዳግ ነዚ 8000 ንትካል ቶዮታ ኣብ ሕሳብ ባንክB የግኣግረሎም። ባንክB ድማ ካብዚ 8000 ንስዒድ 6400 የልቅሖ። ስዒድ ብ6400 ካብ ኩባንያ ረድሲ ጃልባ ስለዝዓደገ 6400 ናብ ሕሳብ ባንክC ኣግኣጊርሎም። ባንክC ድማ 6400 ዶላር ይቅበል። እምብኣር እቲ ገንዘብ ካብ 10000 ናብ 24400 ክብኢሉ፣ ነዚ ናይ 14400 ወሰኽ ድማ ፈጠራ ገንዘብ ብንግዳውያን ባንክታት ንብሎ።

3. ፍጥነት ዑደት ገንዘብ  ኣብዕዳጋ፣ ከምቲ ካብ ኮፍ ዝበለ ኣብ ጉያ ዝነጥፍ ዝያዳ ኦክስጅን ዘድልዮ፣ ከምኡውን ገንዘብ።ፍጥነት ዑደት ገንዘብ ማለት ሓደ ባጠራ ኣብ ሓደ ዓመት ክንደይ ግዜ ናይ ንግድ ልውውጥ ተኻይድሉ ዝዕቅን መስርሕ እዩ። መጠን ፍጥነት ዑደት ናይ ሓደ ባጠራ ልዕል ዝኸውን ብመንጽሩ ድማ ዝቅባበ ይብርኽ። ፍጥነት ዑደት ናይ ሓደ ባጠራ ንምርካብ ሃገራዊ እቶት ናይ ሓደ ዓመት ሓንት ሃገር ዝተመቅሎ ንጠቅላላ ቀረብ ገንዘብ።

4.ዘይምርግጋእ ክብሪ ገንዘብ፣ ሃገራዊ ቁጠባ ናይ ሓንት ሃገር ዕረፍት ዘይብሉ ናይ ዋጋታት ምብራኽ ወይ ምንኻይ እንተኣርእዩ ዘይምርግጋእ ክብሪ ገንዘብ የስዕብ። ኣብ ርጉእ ሃገራዊ ቁጠባ ዋሕዚ ንብረትን ገንዘብ ማዕረ እዩ። እዚ ድማ ቁጠባ ሃገር ሚዛኑ ሓልዩ ይጉዓዝ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። ቁጠባ ሃገር ነዚ ሚዛን ሓልዩ ክሳብ ዝተጋዕዘ መጠን ገንዘብ ናይታ ሃገር ናይ ምዕዳግ ክብሩ ሓልዩ ይጉዓዝ ዋጋታት ድማ ይርጋግኡ።

5.ዝቅባበ:  ሓፈሻዊ ዋጋታት ናይ ንብረት ምስዝድይብ ገንዘብ ድማ ናይ ምሽማት ዓቅሙ ክድክም እንከሎ ዝቅባበ ንብሎ። እዚ ማለት ድማ ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ይዘውር ዓቀን ንብረት ወላ ሓንት ዕቤት ክይኣርኣየ።ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ነቲ ቅድም ዝቅባበ ትዕድጎ ዝነበርካ ንብረት ንክትሽምት ዝያዳ ገንዘብ የድልየካ።

5.1.ጠንቂ ዝቅባበ ብመዳይ ዑደት ገንዘብ ምስንዕዘብ፣ ሃገራዊ ባንክ ብዝሒ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ምስዝፍኑ ወለድ ካብ ለቃሕ ዝርከብ የንቆልቁል፣ ንግዳውያን ባንክታት ብዙሕ ለቃሕ ምስዝህባ፣ ፍጥነት ዑደት ገንዘብ ምስዝንህር። 

5.2.ጥንቂ ዝቅባበ ብመንጽር ዑደት ንብረት ምስንዕዘብ፣ ብሰንኪ ልዑል ጠለብ ዋሕዲ ናይ ቀረብ ምስዘጋጥም ዋጋታት ንብረት ይንህሩ፣ብሰንክ ውግእን ዕግርግርን ፍርያት ምስዝንኪ ቀረብ ስለዝጎድል ነቲ ዘሎ ጠለባት ከማልእ ብዘይ ምኻእል፣ዋጋ ንብረት ካብ ወጻኢ ዝጥለቡ ይንህር።

5.3.ሳዕበን ዝቅባበ ኣብ ውልቀሰባት፣ኣብ ሓንት ሃገር ዝቅባበ ምስዘጋጥም ውልቀሰባት ናይ ምውህላል ዓቅሞም ስለዝደክም የቃርጽዎ። ምኽንያቱ ድማ ገንዘቦም ኣብ ባንክ ኣቀሚጦም ዝረኽብዎ ወለድ ትሕቲ እቲ ክብሪ ዋጋ ንብረት ስለዝኸውን። ንኣብነት ወለድ 4% ፣ ዝቅባበ ድማ 5% እንተኾይኑ፣ ቅድሚ ዓመት ብ100 ዝዓደግካያ ረድዮ፣ ሎሚ ዓመት 105 ስለትበጽሕ። በቲ ኣብ ባንክ ኣቀሚጥካ ትረኽቦ አልድ 104 ክትዕድጋ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ድማ ድቅሰባት ገንዘቦም ኣብ ምህላኽን ወይ ድማ ከም ብዓል ወርቂ፣ ገዛውት፣ካልእ ንጽባሕ ንግሆ ቁጠባ ምስትማሓየሸ ሸይጦም ረብሓ ዝረኽቡሉ የዋፍርዎ። ኣብ ልዕሊ ዶሞዝ ሰራሕተኛታትን ጥሮተኛታትን ኣዝዩ ኣሉታዊ ሳዕበን ኣለዎ ምኽንያቱ ድማ እቲ ዝቅበልዎ መጠን ገንዘብ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ክምክቶ ዓቅሙ ስለዝደክም። ተለቃሕቲ ገንዘብ ንምምላስ ኣዝዮም ይሽገሩ። ኣለቃሕትውን ብሰንኪ ዝቅባበ ኣዝዮም ብኣሉታ ይጽለዉን ይኸስሩን። ምኽንያቱ ወላእኮ ነቲ ዘልቅሕዎ ገንዘብ ብኣሃዝ ልክዕ ዝምለሶም እንተኾነ ናይ ምዕዳግ ዓቅሙ ስለዝደክም ክሳራ እዩ። ንኣብነት ዝሓለፈ ዓመት ብ100 ክትዕድጋ ዝክኣል ዝነበረት ሎሚ ዓመት 105 ትድይብ። ስለዚ ክንልቃሕን ከነልቅሕን እንከሎና ኩሉ ግዜ ዝቅባበ ኣብግምት ክንእቶ ይግብኣና።

5.4. ሳዕበን ዝቅባበ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ትካላትን፣ ዕዳ መንግስት ይንኪ ምኽንያቱ ካብ ልዑል ኣታዊታት ዘጋትትን ትካላትን ልዑል ናይ ግብሪ ኣታዊታት ስለዝረክብ። ሰብትካላት ፍርያቶም የበርኹ። ምኽንያቱ ልዑል ጠለብ ናይ ዓድግቲ ስለዘሎ። ስለዚ ድማ ብዙሕ ፍርያት ብዙሕ መኽሰብ ስለዝረኽቡሉ።

ሳዕበን ዝቅባበ ብሓፈሽ ንሃገር ምሉእ ብኣሉታ ስለዝጸልዋ ኣብ ማሕበራውን ፖሎቲካውን ዝይምርግጋ ይምርሓ። ምብዛሕትኡ ግዜ ሰራሕተኛታት ወሰኽ ዶምዝ ይሓቱ። እንተዘይ ሰሊጥዎም ድማ ኣድማ ይጅምሩ። 

5.5. ምቁጽጻር ዝቅባበ፣ ዝቅባባ ንምቁጽጻር መንግስቲ ገንዘባዊ ፖሊሲ እዩ ዝጥቀም። እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዝዝርጋሕ ቀረብ ገንዘብ ብምንካይ እዩ።ዋጋ ቦንዳ ብምንካይ ወለድ ብምብራኽ ናይ ውህለላ መስርሕ የተባብዕ። ደቅሰባት ድማ ገንዘቦም ዘርብሕ አለድ ስለዝረኽቡሉ ኣብ ባንክ የዋህልሉ። ደዚ መዳይ ድማ ምሕሻሽ ይንኪ። ከምኡውን ካብ ባንክ ምልቃ ይጎድል ምኽንያቱ መጠነ ወለድ ስለዝብርኽ። ምሕሻሽ ምንካይ ኣብ ግዜ ዝቅባበ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ንዕቤት ቁጠባ ስለዝዕንቅፎ። እዚ ማለት ድማ ዝቅባበ ምንካይ ይሕግዝ።

ዶሞዝ ብምንካይን ዋጋ ነብረት ብምቁጽጻርን ሳዕበን ዝቅባበ ክፈትሑ ዝፍትኑውን ኣለዎ። እዚ ኣገባብ ግን ሽቅለት ኣልቦን ውድቀት ቁጠባን የኽትል። ስለዚ ድማ ጽቡቅ መፍትሒ ሽግር ኣይኮነን።

6.ምንቁልቃል ሓፈሻዊ ዋጋታት(Deflation)፣ ማለት ሓፈሻዊ ምንቁልቃል ዋጋታት ንብረትን ኣገልግሎትን ኣብ ሓንቲ ሃገርዝገልጽ እዩ ። እዚ ድማ ካብ ጠለብ ንላዕሊ ቀረብ ምስዝበዝሕ ዘጋጥም ኣዩ። ኣብ ነጻ ዕዳጋ ዋጋ ነብረትን ኣገልግሎትን ኣብ ጠለብን ቀረብን ይምርኮስ። ዋሕዚ ንብረት ነቲ ዋሕዚ ገንዘብ ስለዝዕብልሎ ድማ ዋጋታት ንብረት የንቆልቅሉ። ናይ ምዕዳግ ዓቅሚ ገንዘብ ይብርኽ። ሳዕበን ምንቆልቃል ዋጋታት ካብ ዝቅባበ ከምዝገድድ ህጊ ዓውድ ቁጠባ ይሕብር። ንክትቃለሶውን ኣዝዩ ጽንኩር እዩ።

6.1.ጠንቂ ምንቁልቃል ሓፈሸዊ ዋጋታት፣ ቀረብ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዕቤት ቁጠባ ብዘይሳነ መንገዲ ምስዝንኪ ዘጋጥ ተርእዮ እዩ።እንተኾነግን ምንቁልቃል ሓፈሻዊ ዋጋታት ብካልኦት ረቃሒታትውን ይጽለዉ እዮም። ንኣብነት፣ ሓፈሻዊ ምንካይ ጠለብ ንብረትን ኣገልግሎትን ከምኡውን ምብራኽ ፍርያምነት። እዚ ድማ ብሰንክ ምንካይ ምንግስታዊ ወጻኢታት፣ ውድቀት ኣብ ዕዳጋታት ብርኪ፣ ድሌት ምውህላል ዓማዊል ምብራኽ፣ተሪር ናይ ገንዘብ ፖሊሲ(ልዑል ወለድ)። ባህርያዊ ምብራኻ ፍርያምነት ልዕሊ ቀረብ ገንዘብን ለቃሕን ጸምበለል ምስዝብል ሓፈሻዊ ምንቁልቃል ዋጋታት የስዕብ። 

6.2. ስዕቤን ምንቁልቃል ሓፈሻዊ ዋጋ፣ ወነንቲ ትካላት ብሰንኪ ሕሱር ዋጋ ንብረትን ዝህብኦ ኣገልግሎትን ኣታዊታተን ስለዝንኪ ሰራሕተኛታት ይጽልጽላ፣ እዚ ድማ ሽቅለት ኣልቦ የስዕብ። ኣዋፈርት ገንዘብ ክልቅሑ ስለዝኸብሮም፣ ወፍሪ ይንኪ ብሰንክዚ ድማ ፍርያት የንቆልቁል። ሓፈሻዊ ዕቤት ቁጠባ የንቆልቁል።

6.3. ምቁጽጻር ምንቁልቃል ሓፈሻዊ ዋጋታት፣ ሃገራዊ ባንክ ንወለድ ከምዘንቆልቁል ይገብሮ ክሳብ እቲ ሚዛናዊ ዝኾነ ብራኸ ዋጋትት ንብረትን ኣገልግሎትን ዝበጽሕ።እዚ ድማ ወፍሪ የታብብዕ።

ባጠራን ኣገልግት ሽርፍን

ዝኾነት ሃገር ናይገዛእ ርእሳ ባጠራ ንኩላ ሃገር ዘገልግል ኣለዋ። ኩሉ ባጠራ ግን ንዓለም ለኻዊ ግግዲ ኣገዳሲ ማለት ኣይኮነን። እቶም ኣገደስቲ ባጠራታት ኣብ ዓለምለኻዊ ንግዲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣ ዶላር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ዶላር ካናዳ፣ ዶላር ኣውስትራልያ፣ ፖውንድ ስተርሊን  ዓባይ ብሪጣንያ፣ ይሮ  ሕብረት ኤውሮጳ፣ ፍናክ ስዊዘርላንድ፣ከምኡውን የን ጃፓን። እዚኦም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ተባሂሎውን ይጥቀሱ እዮም። ምኽንያቱ ኣብዝኾነት ሃገር ልክዕ ከምዚ ናይ ንብረት ክትዕድጎምን ክትሸጦም ስለዝክኣል። ካብ ናይ ውሽጥ ሃገር ባጠራ ናብ ናይ ወጻኢ ባተራ ወይ ድማ ብእንጻሩ ካብ ናይ ወጻኢ ኣብ ናይ ውሽጥ ሃገር ንቅይረሉ መስርሕ ሸርፊ ባጠራ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሽርፊ ዝካየደሉ ቦታ ድማ ዕዳጋ ሸርፊ ይብሃል። መብዛሕቱ ግዜ ናይ ንግዳውያን ባንክታት ስራሕ እዩ።

መስርሕ ምሻጥን ምዕዳግን ናይ ወጻኢ ባጠራ ብክልተ ኣገባብ ይካየድ። ባንክ ናይ ወጻኢ ባጠራ ተቀቢሉ ናይ ውሽጥ ሃገር ባጠራ ክኸፍል እንከሎ ጨረታ ይብሃል። ባንክ ናይ ወጻኢ ባጠራ ይዕድግ ማለት እዩ። ናይ ወሽጥ ሃገር ባጠራ ኣብ ናይ ወጻኢ ባጠራ ንምቅያር ንባንክ ንጥይቅ። ብምጥያቅ ዝሽረፍ ባጠራ ይኸብር ካብ ብጨረታ ዝቅየር። 

ክብሪ ባጠራ

ባጠራ ማለት ናይ ንግዲ መለዋወጢ መሳርሒ ኮይኑ ብመልክዕ ወረቀትን ሳንቲምን ዝተዳለወ እዩ። ብመንግስቲ ይእዘዝ ብሃገራዊ ባንክ ድማ ይዳሎ። ህዝቢ ድማ ሕጋዊ ሃገራዊ ባጠራ ብምኻኑ እምነት የውርደሉ።ዋጋ ወይ ክብሪ ናይዝኾነ ባጠራ ምስ ካልእ ባጠራ ብምንጽጻር ክብን ለተቅን ክብል ባህርያዊ እዩ። እዚ ድማ ንትካላት ሸርፊ ባጠራ ኣዝዩ ኣርባሒ እዩ።

1. ምኽባር ሓደ ባጠራ፣ ምኽባር ባጠራ ማልት ሓደ ባጠራ ብምንጽር ካልእ ባጠራ ክብርኽ እንሎ እዩ። ንኣብነት ሎሚ 1ስዊስ ፍራንክ 1,31 ይሮ ዝሽረፍ እንተኮይኑ ጽባሕ ግን  1ስዊስ ፍራንክ 1.27 ይሮ እንተኮይኑ። ስዊስ ፍንክ ሓይሉ ወይ ከቢሩ ንብሎ። እዚ ክብሪ ናይ ስዊስ ባጠራን ምሕሳር ይሮን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ስዊዘርላንድን ሕብረት ኣውሮጳን ኣታውን ኣውንታውን ጎኒ ኣለዎ።

1.1. ኣውንታዊ ጽልዋ ምኽባር ስዊስ ፍራንክ፣ ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ስዊዘርላንድ ዝእቱ ንብረት ይሓስር። ስዊዛውያን ብውሒድ ፍራንክ ንብረት ይዕድጉ።ስዊዛውያን ናብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝገሹ መግዓዝይያይሓስረሎም። ንዘቦም ብስዊስ ፍራንክ ዘቀመጡ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጵ ክብሪ ይውስኽ።

1.2. ኣሉታዊ ጽልዋ ምኽባር ስዊስ ፍራንክ፣ንብረትን ኣገልግሎትን ስዌርላንድ ንሕብረት ኤውሮጳውን ኸብሮም። ምኽንያቱ ይሮ ኣብ ስዊስ ፍራንክ ምስዝቅይርዎ ካብት ቅድሚ ፍራንክ ምኽባሩ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ኣገልግሎትን ንብረትን ስለዝኸብሮም እዩ። ስለዚ ስዊዘርላንድ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ትገብሮ ሰደድ ይጎድል። እዚ ድማ ቀጥታ ንክፍሊ ዕዮ ይጸልዎ። ትካላት ክሳራ ስለዘጋጥን ሰራሕተኛታት ይጽልጽላ። መግዓዝያ ስዊዘርላንድ ንነበርቲ ሕብረት ኤውሮጳ ስዝኸብሮም ቁጽሪ በጻሕቲ ይንኪ። ገንዘቦም ካብ ስዊስ ፍራንክ ናብ ይሮ ቀይሮ ዝጸንሑ ይኸስሩ።

1.3.ስጉምቲ ሃገራዊ ባንክ ንምህዳእ ክብሪ ባጠራ፣ ሃገራዊ ባንክ ነዚ ክብሪ ባጠራ ሃገሩ ንምህዳእ ነቲ ናይ ወጻኢ ባጠራ ይዕድጎ። ከምዚ ኣብላዕሊ ኣብነት ተጠቂምናዮ ዘለና፣ ሃገራዊ ባንክ ስዊዘርላንድ ይሮ ብምዕዳግ ዓቀን ስዊስ ፍንክ ኣብ ዕዳጋ ከምዝበዝሕ ይገብር። እዚ ምስርሕ ድማ ንስዊስ ፍራንክ ብንጽር ይሮ ኣድኪሙ ሰደድ ናይ ስዊዘርንድ ከምዝዓቢ ይገብር።

2. ምሕሳር ሓደ ባጠራ፣ ሓደ ባጠራ ብመንጸር ካልእ ባጠራ ክብሩ ምስዝንኪ ምሕሳር ባጠራ ይብሃል። ንኣብነት ትማሊ 1ይሮ 1.20 ስዊስ ፍራንክ እንክሽረፍ ሎሚ ግን 1ዘሮ 1.25 ስዊስ ፍራንክ እንተኾይኑ፣ ስዊስ ፍራንክ ብመንጽር ይሮ ሓሲሩ። እዚ ክብን ለተቅን ባጠራታት አብ አህዛብ ክልቲኡ ሃገራት አውንታውን አሉታውን ጽልዋ አለዎ። 

2.1.አውንታዊ ጽልዋ ምሕሳር ስዊስ ፍራንክ፣ ሰደድ ንብረትን አገልግሎትን ስዊዘርላንድ ናብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ይብርኽ ምኽንያቱ ድማ ካብቲ ናይ ቅድሚሕጂ ዝኸፍልዎ ዝነበሩ ዝውሕድ ይሮ ስለዘድልዮም እዩ። እዪ ምብራኽ ሰደድ አብውሽጢ ሃገረ ስዊዘርላንድ ናይ ስራሕ ዕድላት ይኸፍት። በጻሕቲ ናብ ስዊዘርላንድ ዝውሕዙ ምኽንያቱ ድማ መጉዓዝያ ስዊዘርላንድ ስለዝሓስረሎም። ገንዘቦም ካብ ስዊስ ፍራንክ ናብ ይሮ ዝቀየሩ ክብሪ ዝውስኸሎም። 

2.2. አሉታዊ ጽልዋ ምሕሳር ስዊስ ፍራንክ፣ ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝአትዉ ንብረትን አገልግሎትን ይኽብሩ። ንነበርት ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ስዊየርላንድ ክገሹ መጉዓዝያ ዝሓስረሎም ንስዊዛውያን  ይኽብሮም። ኤውሮጳውያን ገንዘቦም  ብስዊስ ፍራንክ አብ ባንክ ዘቀመጡ ዝኸስሩ።

2.3. ስጉምቲ ሃገራዊ ባንክ ንምህዳእ ምሕሳር ባጠራ፣ ሃገራዊ ባንክ ነዚ ብሰንክ ምሕሳር ባጠራ ሃገሩ ዝስዕብ ቅልውላው ንምህዳእ አብ ዕዳጋ ወሪዱ ናይ ወጻኢ ባጠራ ዝሸዝጥ ናይ ሃገሩ ባጠራ ድማ ይዕድግ። እዚ መስርሕ ንዓቀን ስዊስ ፍራንክ አብ ዕዳጋ ከምዝጎድል ዝገብሮ።