ዝምታ ባህርያዊ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍን ኩባንያ ዳናካሊን።

ዕደና ፖታሽ

ቀዳማይ ገጽ ዕደና ፖታሽ ኣብ ኤርትራ ብኩባንያ ዳናካሊ ኣብ መፈጽምትኡ ይርከብ። ኣውስትራልያ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕድና ዳናካሊ ዝተባህለ፡ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ዝሃቦ ፍቃድ መሰረት ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ናይ ፖታሽ ዕደና ከካይድ ምኻኑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ዕደና ዝካየደሉ ቦታ ድማ ኮሉሊ ዝብሃል ቦታ ኣብ ምብራቃዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣውራጃ ደንከል ዝርከብ እዩ። እታ ኣብ ከተማ ፐርዝ ኣውስትራልያ ዝመደበራ ኩባንያ ዕደና ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ መስርሕ ተዛዚሙ ኣብ ካልኣይ ገጽ ከምዝተሰጋገሩ ተብርህ። እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ፕሮጀክት ትሕተ ቅርጺ ምውዳድ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ ኣድለይቲ ናውትን መሳለጥያታትን ዘጠቃለለ…

Read More

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ መገሻ እገዳ ይብይን

መገሻ

ዶናልድ ትራምፕ ናይ መገሻ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይትግብር ብዕለት 31,01.2020 ኣብ ዝወጸ መግለጺ ፕረስደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሽድሽተ ሃገራት ናይ ስደተኛታት እገዳ ወሲኑ። ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ፣ ክርግስታን፣ ናጀርያ፣ ማይናማርን ናይ ቀዋሚ መንበሪ ቪዛ እገዳ በይኑ። ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሱዳንን ታንዛንያን ድማ ናይ ዲቪ ቪዛ የጠቃልል። ትሓለቅቲ መሰላት ገያሹ ነዚ ውሳኔ ብትሪ ነቂፎምን ፈላላይ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ኣስላምን ካልኦትን ክብሉ ገሊጾም። ምኽትል ዋና ጽሓፊ ድሕንነት ውሽጢ ሃገር ቻድ ዎልፍ ብዝሓበሮ መሰረት እዘን ሃገራት ነቲ ዝትሓተ ረቃሒታት ኣብ መዳይ ሓበሬታን ምትሕልላፍን ከማልእ ብዘይ ምኽኣለን ይብል ነዚ…

Read More