ፖሎቲካ

ፖሎቲካ እንታይ ማለት እዩ?

ፖሎቲካ ማለት ደቂሰባት ንህዝባዊ ሂወት ብናቶም ኣትሓሳስባን ዝምባለን ክስርዕዎ ምድላይ እዩ።

ፖሎቲካ ኣዝዩ ሰፍሕን ብዙሕ ኣርእስትታትን ዝትንክፍ ብምኻኑ ከምኡ’ውን ኣዝዩ ዝለዋወጥ ባህሪ ዘለዎ ዓውዲ ማሕበራዊ ስነፍልጠት ኣዩ። ብዛዕባ ፖሎቲካ ንክንፈልጥን ክንጽንዕን ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነና እንተሃልዩ፣ ፖሎቲካ ኣብ መንጎ ወልቅን ጉጅለን ሕብረተስብ ወይ ማሕበረሰብ ዘሎ ስትራትጂካዊ ቅርበታት ናይ ምስራዕ ባህሪ ስለዝኾነ እዩ። እዞም ርክባት ናይ ሕብረተስብ ብሃንደት ዝመጹ ዘይኮኑስ ናይ ስልጣን ወይ ስርዓተ ሕጊ ርክባት እዮም።

ፖሎቲካ ማለት ህዝባዊ ናብራ ብናትካ ዝምባለን ርብሓን ምስራዕ ካብኮነ፣ እምብኣር ኣብ ፖሎቲካ ነዚ ረብሓ ከመይ ገርካ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ እቲ ዝዓበየ ዕማም እዩ። ብከምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ክብጽሓ ይክኣል፣

  • ብዓመጽ  ዝኾነ ዘተ ይኹን ምምያጥ ቅቡል ኣይኮነን። ፈቲኽ ጸሊእካ ክትቅበሎ ኣሎካ። እዚ ኣገባብ መፍትሒ ጸገም ብውልቀመልኽቲ ዝትግበር ኣገባብ እዩ።
  • ምትዕግጋብ ተዛቲኻን ተመያይጥካን ኣብቲ ዝሓሸ ውሳኔ ምብጻሕ ።
  • ሕድገታት ብምግባር ንዝተፈላለዩ ስነሓሳባትን ዝምባለን ናይ ክልተ ጫፋት ኣማእኪልካ ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ። ኣብ ድሞክራሲ እቲ ቀንዲ ኣገባብ መፍትሒ ናይ ጸገማት ኮይኑ ንረኽቦ።እቲ ዝበዝሐ ደገፍ ዝረኸበ ስነ-ሓሳብ ወይ ዝምባለ ድማ ከም መፍትሒ ይውሰድ።

ብዙሕነት ጸጋን ምንጪ ምዕባለን

ሓንቲ ሃገር ብዝሑነት ምስዝህልዋ ንኽትምዕብልን ክትብልጽግን ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ብዙሕነት ኣብ ኤርትራ ሃገርና ምስ ንምልከት ነዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ምጥቃስ ይክኣል።

9 ኣውራጃታት፣ 9 ብሄራትን ቃንቃታትን፣ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፣ ታሪኻውን ሕብረተሰባውን። ዝተፈላለየ ባህልን ልምድታትን
ከበሳን መታሕትን
ፖሎቲካዊ ሰልፍታት፣ ኣብ ሓደ ፖሎቲካዊ ውድብ እንተኮይኑ ኣብ ውልቀ መላኽነት ስለዝጸሪ፣ ብርክት ዝበላ ፖሎቲካዊ ውድባት ምልክት ናይ ደሞክራሲ ስለዝኾነ ህዝቢ ተረባሒ ይኸውን።
ናይ ብሕቲ መራኸቢታት ብዙሓን( ራድዮ፣ ተለቪጅን፣ጋዘጣ ዛመሰሉ)

ኣብ ኤርትራ ሃገርና ውሕስነት ዘለዎ ሃገራውን ማሕበራውን ምዕበለ ንምርግጋጽ ነዚ ብዙሕነት ኣብግምት ዝእተወን ዘሳተፍን ምሕደራ ክሃንጽ ይግባእ።

ፖሎቲካዊ ብዙሕነት

ፖሎቲካዊ ብዝሑነት ማለት ምዓርነት ናይ ሓስብን ርኢቶታትን ምግላጽ ምስዝህሉ እዩ። ቀንዲ ኣዕኑድ ናይ ፖሎቲካዊ ብዝሕነት ድማ እዘን ዝስዕባ ይመስላ፣

ናጻ ምርጫን ርኢቶን፣ ደቂሰባት ነጻ ተወሊዶም ብናጽነት ክነብሩ ኣምላኽ ዝሃቦም ትዕድልቲ ስለዝኾነ ወላ ሓደ ክምንጥሎም መሰል የብሉን። ሓደ ወድሰብ ድለቱ ክመርጽን ዝመሰሎ ከስተንፍስን መሰሉ እዩ ክሳብ ንካልእ ወድሰብ ዘይጉድአ።

ደቅሰባት ኣብቲ ዝነብሩሉ ስፍራ በቲ ናይ ሃገሮም ሕገመንግስት ዘፍቅደሎም መሰረት ናይ ሓበረታ ምርካብ ናጽነት ክህልዎም ይፍቅድ።  ብሕታውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣዝየን ኣገደስቲ ባእታት ናይ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ትካላት እየን።

ተራ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ንቅሓት ህዝብን ምዕባለ ሃገርን

ኣብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዝኽተል ህዝብ መራኸቢ ብዙሓን 3 ዓበይቲ ተራ ኣለዎ። ንሳቶም ድማ ሓበረታ፣ ተሳትፎ ንእቶ ንምሃብን ሓሳብካ ንምግላጽን፣ ምቁጽጻርን ነቀፈታን።

1. ሓበረታ፣ሓበረታ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ምሉእን ሓቅነቱ ብዘትኣማምንን ናብ ህዝብ ክዝርጋሕ ግቡእን ግደታን እዩ። ንኣብነት ኣብከም ብዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ብውልቀ መለኽቲ ዝምርሓ ሃገራት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ስለዝኾነ፣ ነቲ ናቶም ፖሊሲ ዘንጸባርቅ ጥራይ ብምዝርጋሕ፣ ነቲ ሕብረተሰብ ኣፍልጥኡ ከምዝድረትን ሓቂ ከምዝስወሮን ይገብርዎ። መራኸቢ ብዝሑን ኣብዘይብሉ ሕብረተሰብ ኣብ በላ በለውን ሕፍሽ-ፍሽን እዩ ዝነብር። ህዝቢ ብዛዕባ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ፖሎቲካውን ንዝካየዱ ፍጻሜታት ንምክትታልን ምቁጽጻርን ይሕግዞ። ዜጋታት ናይ ሓንት ሃገር ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ባዕዲ ብዛዕባ ሃገሮም ዝግበሩ ንዥፈታት ግቡእ ሓበረታ ክውሃቦም ግቡእ እዩ። ብዝግባእ ሓበረታ ሰኒቆም ዳም ኣብ ዋኒን ሃገሮም ክሳተፉን ከበርክቱን ይኽእሉ።

2. ተሳትፎ ኣብ ርእቶ ምሃብን ሓሳባት ኣብ ምግላጽን፣ ኣብ ደሞክራስያዊ ምሕደር ዝኽተላ ሃገራት ህዝባዊ ጉዳያት ዝምልከቱ ክትዓትን ዘተን ኣብ ነጻን ከፋትን መድርኽይ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ናብ ህዝብ ይቀርቡ። ዜጋታት ናይታ ሃገር ድማ ካብቲ ዝካየድ ዘተ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ተሳተፍቲ ብምኻን ኣፍልጥኦም ብምብራኽ ሃናጺ ዝኾኑ ርእቶታትን ሓሳባትን የካፍሉን ይሓቱን። ባንጻሩ ብውልቀ መለኽቲ ኣብዝምርሓ ሃገራት ከም ብዓል ኤርትራ ርእቶ ምሃብ ዘይሕሰብ ክንሱ ሓስብካ ተባሂልካ ኣብ ትሕት መሬት ዝርከቡ ሸላታት ትሕየር።

3. ምቁጽጻርን ነቀፈታን፣ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ምቁጽጻር ኣብ ሃገራውያን ትካላትን ህዝባዊ ረብሓታትን ዝምልከት ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ተቀሚጡ ንረኽቦ። እዚ እኹል ስለዘይኮነ ድማ ኣብ ፖሎቲካዊ፣ ማሕበራዊን ቁጠባውን ዝካየዱ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ቁጽጽርን ነቀፈታን ይካየዱን ኣብ ህዝብ ይዝርግሑን። እቲ መስርሕ ድማ ኣብ ናይ መንግስትን ህዝባውን ትካላት ጥራይ ትሓጺሩ ከይተረፈ ኣብ ብሕታውን ማሕበራውን ትካላትምን ይነጥፍ።