መንግስቲ እንታይ ማለት እዩ?

ሓፈሻዊ መብዛሕትኦም ሰባት ዝሰማምዑሉ ዝተወደበ ምንግስቲ ኣብዘይ ህልወሉ እዋን ህዝቢ ዘይጥጡሕን ዘይምችእን ኣብ ሁወትን መነባብሮን ይሕልፍ። ብኸመይ ክምሓደሩ ኣለዎም ኣብዝብል ናይ ሓባር ርድኢት ንምርካብ ኣሸጋሪ እዩ። እንተኾነ ግን ኩሎም ሊቃውንቲ ፖሎቲካዊ ፍልስፍና ዝሰማምዑሉ ነጥቢ፡ ዕዮ መንግስቲ ማሕበራዊ ውዕል ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ንዝነብሩ ንምስላጥ እዩ ። ስለዚ ኣብ ሓንቲ ሃገር መንግስቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ዕድመ ታሪኽ ደቅ ሰባት ድማ ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ዓይነት መንግስትታት ምስ ኣውንትኦምን ኣሉትኦምን ተራእዮም እዮም። መብዛሕትኦም ዜጋታት ምዕራባውያን ሃገራት እቲ ዝሓሽን ዝተዋሕሰን ደሞክራሲ ምኻኑ ይሰማምዑ።

1. ንጉሳዊ መንግስቲ

እዚ ዓይነት መንግስቲ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ኮይኑ ክሳብ ዝመውት ወይ ድማ ክሳብ ዝውገድ ይጸንሕ። እዚ ዓይነት ምንግስቲ ብውርሻ ወይ ድማ ብመለኮት ዝረከብ እገባብ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ዘለናዮ ምዕቡል ዘበን መብዛሕትኦም ከም ክብሪ ስምን ምዓርገን እዮም ዝርኣዩ። እቶም ዓይነት ምዓርግ ድማ ነዞም ዝስዕቡ የጠቃልል፣ ንጉስ፡ ንግስቲ፡ ልኡል፡ ልእልቲ። ብእንጻሩ ድማ ናይ ገለ ሃገራት ነጋውስ ከም ሕጋውያን ሰብ መዚ ከይኖ ይመርሑ። ኣብዚ ምዕቡል ዘበን ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ስርዓታትን ምንግስትታትን ብጣዕሚ እዮም ዝቀያየሩ፡ እንተኾነ ግን ንግሰነታዊ ምሕደራ ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ብጻዕቂ እዩ ዝርአ። ስዑዲ ዓረብ፡ ዕማን፡ ኩወት፡ ባሕረን፡ ገለ ንምጥቃስ ይክኣል። ካብዚ ውጽእ ብምባል ድማ ኣብዚ ናይ ሎሚ ፖሎቲካ ምስ ንዕዘብ ካብዚ ፍጹም ንጉሳዊ ዕብለላ ናብ ቅዋማዊ ምሕደራ ዝተሰጋገሩ ሃገራት ድማ ከም ዓባይ ብሪጣንያን ካናዳን ንምጥቃስ ይክኣል።

2.መስፍናዊ መንግስቲ

ብውሑዳት ጉጁለ ዝካየድ ዓይነት መንግስቲ እዩ። ስልጣን ኣብዚ ዓይነት መንግስቲ ከምቲ ናይ ንጉሳዊ ብውርሻ ዘይኮነ፡ ቁጠባዊ ወይ ወትሃደራዊ ሓይሊ ምስትውንን እትረኽቦ እዩ። ኣብዘን በዚ ዓይነት መንግስቲ ዝምሓደራ ሃገራት ድማ ውሑዳት ጉጁለ ኣብ ስልጣን ተኾይጦም ርትዓዊን ፍትሓውን ዘይኮኑ ውሳንየታት ይውስኑን ንስልጣኖም ዝሕሉን ዘርብሕን ሕግታት የቁሙ። ሃገረ ሩስያ ድማ ሓንቲ ዓባይ ኣብነት ናይዚ መንግስቲ እያ። ኣብ ሩስያ ድሕሪ ውድቀት ደሳውነት፡ ኣዝዮም ውሑዳት ዝኾኑ ነቲ ጸጋታት እታ ሃገር ብምግባት ኮረቻ ስልጣኖምን ሃብቶምን ከኻዕብቱ ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ጉጅለኣዊ መንግስቲ ሓንሳብ ቅርጹ ኣዋዲዱ ምስ ዝድልድል ነቶም ማእከላይን ትሑትን ደርቢ ናይታ ሃገር ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታቶም ንክድንፍዕ ኣዝዩ ጽንኩር እዩ ዝኸውን።

3. ውልቀ መልካዊ መንግስቲ

ኣብዚ ዓይነት መንግስቲ ስልጣን ብፍጹም ኣብ ኢድ ወልቀሰብ ወይ ድማ ኣዝዮም ውሑዳት ጉጁለ ክብሓት እንከሎ እዩ። ሓርነትን መሰላትን ዜጋታት ብምግሃስ፡ ዓመጽ፡ ብልሽውና፡ ጸለመን ምፍርራሕን ድማ ቀንዲ መሰርሒኦም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ወልቀ መለኽቲ ከም ወትሃደራውያን መራሕቲ ኮይኖም እዮም ዝቅልቀሉ። ንዝተቃወሞም ድማ ብዓመጽ ይምልሱሉ። ኣብ ውልቀ መላኺ ስርዓተ ምሕደራ ሕጊ ዘይኮነስ ፍርሂ እዩ ዝነግስ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ(ኤርትራ)፡ ኪም ዩን ኢል(ሰመን ኮርይ)፡ ሰዳም ሑሴን(ኢራቅ) ዝኣመሰሉ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይክኣል። ኣብትሕቲ ውልቀ ምልኪ ዝነብር ህዝቢ ድሌት እምባ ገነን መራሕቱ እምበር ድለቱ ኣብ ግምት ክእቱ ኣይፍቀዶን እዩ። ውልቀ መልኽቲ ባይቶ፡ ናይ ነጻ መራኸቢ ብዙሓን፡ ናይ ብሕቲ ትካላትን ኣየፍቅዱን እዮም።

4. ደሞክራስያዊ መንግስቲ

እዚ ዓይነት መንግስቲ ንዜጋታት ኣብ ፖሎቲካዊ ውሳኔታት ሃገሮም ቆጠባውን ማሕበራውን ደረጅኦም ብዘይገድስ ማዕረ ድምጺ ክህልዎም ዝገብር ኣገባብ እዩ። ካልእ መሰረታዊ ዓንዲ ናይ ድመኦክራሲ ድማ ሃገራዊ ቅዋም ተራን ሓላፍነትን ዜጋታትን መራሕትን ዝስነደሉ እዩ። ደሞክራስያዊ መንግስቲ መሰረታዊ መሰላት ናይ ዘጋታቱ ዘውሕስ ኣገባብ እዩ። ዜጋታት ፖሎቲካውያን ውድባት ክምስርቱን ክመርጹን ክምረጹን ድማ መሰል ይህብ። መራሕቲ ሓንሳብ ምስተመርጹ ብመትከላት ቅዋም ሃገሮ ክእዘዙን ገደብ ሓልፍነቶምን ዕድመ ስልጣኖምን ውሱን ይኸውን። ኣብ መብዛሕትአን ደሞክራስያውያን ሃገራት ናጽነት ናይ ምሕሳብን ምዝራብን፡ ምጽሓፍን ምእካብን የፍቅዱ። ብኣንጻሩ ድማ ዘይ ሕጋዊ ቤት ማእሰርትን ምሕያርን ይውግዱ። ደሞክራሲ ማለት ብካልእ ኣገባብ ብዝሒ ይመርሕ ውሑዳን ድማ መሰሎም ይሕለወሎም እዩ። ኣብ ደሞክራሲ ስልጣን መንግስቲ ዝተመቃርሐ ኮይኑ ብባይቶ ይቅለስ። ነጻ ድኺነ ሓጋጊ፡ ፈራዲ፡ ፈጻሚ ኣካል ድማ ይህልዎ። መብዛሕትአን ርጉእን ውሑስን ስርዓተ ምሕደራ ዘለወን ሃገራት ምዕራብ ድማ ኣብነት ናይዚ ምሕደራ እየን።

Related posts

2 Thoughts to “መንግስቲ እንታይ ማለት እዩ?”

  1. Awesome! Its in fact remarkable piece of writing, I have got much clear idea about from this paragraph. Harriet Sidney Kotto

  2. I used to be able to find good information from your content. Aggi Car Rorke

Leave a Comment