ርኸቡና

ብዛዕባና

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ንኽሎም ብልጽግትን ርግእትን ኤርትራ ዝምንዩ ክተገልግል ዝተዳለወት እያ። ዕላማና ካብ ኩሉ ሽነኻት ሕብረተሰብ ኤርትራ ንዝመጹና ኣስተምህሮን ሓሳባትን ጻዕርን ብምእንጋድ ንብልጽግቲን ሰላማዊትን ኤርትራ ንምህናጽ እዩ። 

ሕመረት መርበብና ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ። ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖሎቲካዊ፣ ስነፍልጠታውን ንቅሓቶም ክብ ዘብሉሉ በቲ ካልእ ሸንኽ ድማ ፖሎቲካውያን ውድባት ኤርትራ ምስ ህዝቦም ዝራኸቡሉን ስነሓሳባቶም ናብ ህዝቢ ብምቅራብ ባይታ ዝረኽቡሉን እዩ።

ጭርሖ ናይዚ መርበብ “ውልቃዊ ሓርነት ዘይወሓሰ ናይ ሓፋሽ ሓርነት ኣይውሕስን እዩ።” ሓደ ዜጋ ኣብ ሃገሩ ርትዓውን ፍትሓውን ለውጢ ንኽምጽእ ኣብ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖሎቲካውን ንቕሓት ንክድልብ መሰረታዊ ኣፍልጦ ምድላዊ ናይዛ መርበብ ሓበሬታ ቀንዲ ዕማም እዩ። ንቁሕ ዜጋ ምምልማል እትቲዝዓበየ ውራይ ናይዛ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ዜጋታትና ካብ ሰማዕቲ ጥራይ ዝኾኑ ባዕላቶም`ውን በቲ ዝመልክዎ ቃንቃ ሃገሮም ዘበርክትሉን ፍልጠት ዝቀስሙሉን ባይታ ምፍጣር እዩ።

ድለዩና

ክቡራት በጻሕቲ መርበብ ሓበሬታ ባይቶና (www.eritrea4us.com ) ናታትኩም ተሳትፎን ኣበርክቶን ንዕቤትና ወሳኒ ስለዝኾነ መርሓባ ንብለኩም። ስለዚ ዝኾነ ርኢቶ፣ ፋይል፣ ጽሑፍ ክትሰዱልና ምስትድልዩ በዚ ኣብታሕቲ ዘሎ ኢመይል ርኸቡና።

E-Mail; eritrea4u@gmail.com

Tele: +41765430314

ሕግታት መርበብ ባይቶና

ባይቶና (www.eritrea4us.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት  የኽብር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ባይቶና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት’ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ባይቶና (www.eritrea4us.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ’ዚ መርበብ’ዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።

መትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትርጉም፡ www.eritrea4us.com

  1. ወትሩ ንመትከላት ናጽነት ሚድያ (መራኸቢ ብዙሓን) ይጣበቕ፡ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽን ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰላት ናይ ህዝቢን የኽብርን።
  2. ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ብቅንዕናን ብትኽክል ኣገባብን ክቐርብ ከምዘለዎ ይኣምን።
  3. ጎዳኢ ንዝኾነ ዘይርጉጽ ሓበሬታ ንምእራም ብዝከኣሎ ይጽዕር።
  4. ኣብ መንጎ ሓቂን (facts) ናይ ሰባት ርድኢትን (opinions) ፈላልዩ ይርኢ።
  5. ሓበሬታ ወይ ጭብጢ፡ ብቕንዕናን ብግሉጽ ኣገባብ ይእክብ። ብዘይካ ኣብ ፍሉይን ንመላእ ህዝቢ ኣዝዩ ዘገድስን ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ ጭብጢ ብግሉጽ ዝኾነ ኣገባብ ንምርካቡ ዘይከኣለሉ ኩነታት ምስ ዝኸውን።
  6. ኣብ ዝኾነ ብሕታዊ ህይወት፡ ጓሂ ወይ ስቓይ ናይ ዘይምእታው መትከል የኽብር። ብዘይካ፡ እቲ ጉዳይ ብዓብላሊ ህዝባዊ ሓልዮት ዘንቀሎ ወይ ዘገደዶ እንተዘይኮይኑ።
  7. መንነትን ምንጪን ሓበሬታ ናይ ዘቐበሉ ሰባት፡ ከምኡውን ኣብ መስርሕ ስራሓቱ ዝተኣከበ ሓበሬታ ሚስጢራውነት ይሕሉን ይከላኸልን።
  8. ምፍርራህ ወይ ሰባት ንምጽላው ዝግበር ምድፍፋእ፡ ምጥምዛዝ ወይ ምድቋስ ሓበሬታን፡ ከምኡውን ቅድሚ’ቲ ሓበሬታ እዉጅ ምዃኑ፡ ዘይቅቡል ዝኾነ መኽሰብ ካብኡ ንምርካብ ዝግበር ፈተነ፡ ይቃወም።
  9. ዝኾነ ናብ ጽልኢ ወይ ምፍልላይ፡ ንኣብነት፡- ኣብ ዕድመ፡ ጾታ፡ ዓሌት፡ ሕብሪ፡ ሃይማኖት (እምነት)፡ ሕጋዊ ቦታ (ደረጃ)፡ ስንክልና፡ ሓዳር፡ ወይ ጾታዊ መኣዝን (sexual orientation)፡ ገጹ ዝወስድ ሓበሬታ፡ የወግድ።
  10. ጋዜጠኛ፡ ንቆልዓ ወይ ትሕቲ-ዕድመ ናብ ቃለመሕትት ንምቕራብ ወይ ስእሉ ንምልጣፍ፡ ኣቐዲሙ ናይ ወለዱ ፍቓድን ስምምዕን ክሓትትን ክረክብን ይግባእ።
  11. ናይ ካልኦት ሰባት ሓሳብ ወይ ቃላት፡ ወሲዱ፡ ከም ናቱ ገይሩ ዘቕርብ የወግድ።