ፖሎቲካውያን ውድባት

ፖሎቲካዊ ውድብ እንታይ ማለት እዩ?

ፖሎቲካዊ ሰልፊ ማለት ጉጅለ  ናይ ደቅሰባት ሓደ ዓይነት ስነ-ሓሳብ ዘለዎም ወይ ከኣ ተመሳሳሊ ናይ ፖሎቲካ መርገጺ ዘለዎም ናይ ፖሎቲካዊ ውድቦም ሕጹያትን ተመረጽትን ክኾኑ ዝቀርቡ ከምኡውን ኣጀንዳ ናይ ወድቦም ዝትግብሩ እዮም። ሓንቲ ፖሎቲካዊ ውድብ ነዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ዕዮታት ተማልእ።

1.ሓንቲ ፖሎቲካዊ ውድብ ሕጹይ ኣባል ባይቶ ወይ መራሒ ሃገር ዝኸውን ብቁዕ ኣባል ተደሉ።

2.ፖሎቲካዊ ውድባት ዘለወን መደባት ንህዝብን ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓንን ንምልላይ ጎስጋስ የካይዳ።

3.ዘከራኽሩ ጉዳያት ኣብዝፍጠሩሉ እዋን ውድባት ክዛተዩ ይግባእ።

ኣብዚ ጽሑፍ  ናይ ስዊዘርላንድ ፖሎቲካዊ ውድባት ከም ኣብነት ክንጥቀም ኢና። ምኽንያቱ ድማ ስዊዘርላንድ ኣብ ብዙሕነት ናይ ቃንቃታትን ጅኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ምስ ሃገርና ኤርትራ ዘመሳስል ስለዘለዋ። ስዊዘርላንድ እታ ኣብ ዓለም ካብዘለዋ ብሰላምን ርግኣትን ውሑስ ብዝኾነ ናብራን ኣብቅድሚት ትስራዕን ብዙሓት ሃገራት ዓለምና ኣብ ምምዕባል ዘለዋን ምዕቡላትን ብኣብነት ዝጥምትዋ ሃገር እያ። ነዘን ናይ ስዊዘርላንድ ፖሎቲካዊ ውድባት ኣብነት ብምጥቃም ነዘን ኣብደገ ተመስሪተን ዘለዋን ብድሕር ሕጂ ክምስረታ አንደልየንን ንምግምጋም ክሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ 7 ዓበይቲ ፖሎቲካኢ ውድባት ኣለዋ። ንሳተን ድማ እዘን ዝስዕባ እየን።

1.ህዝባዊ ውድብ ስዊዘርላንድ(Schweizerische Volkspartei)፣ ኣብ 1936 ማሕበር ሓረስቶት ኣብትሕቲ ዝብል ሽም ተመስሪቱ። እንተኾነ ግን ጸኒሑ ኣብ 1971 ህዝባዊ ውድብ ስዊዘርላንድ ዝብል ሽም ቀይሩ። ሊበራል ዓቃባዊ ዝምባለ ናይ ፖሎቲካ ኣለዎም። ዕላማ ናቶም ድማ ንሃገረ ስዊዘርላንድ ምክልኻልን ምዕቃብን፣ ብዙሕነት ርእቶን ናጽነትን፣ ቀጥታ ደሞክራሲ፣ ደቂሰባት ንሂወቶም ዘገድሱ ጉዳያት ባዕላቶም ክውስኑ ይኣምኑ። ትሑት ግብሪ ፣ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ዘይምኻን ማለት ኣብ ሃገርና ኤርትራ ጸረ ኣንድነት ምስ ኢትዮጵያ ማለት እዩ። ተሪር ኣርኣእያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛ።

2.ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ውድብ(Social Democratic Party) ፣ ኣብ 1888 ተመስሪታ። ካብኩሉ ሕብረተስብ ስዊስ ድማ ኣባላት ኣለዎም። ቀንዲ ተልእኾ ናቶም ነዚ ዝስዕብ ይመስል፣ካብ ንውሑዳት ጥራሕ ንኹሉ ዜጋ ምግልጋል፣ ርትዓዊ ዶሞዝ ኣብክንዲ ዘይተደልየ ሞቅሹሽ፣ ወሑስ ናይ ስራሕ ዕድላት፣ፍትሓዊ ዝኾነ ግብሪ እብክንዲ ንሃብታማት ጥራሕ ሸለል ምባል፣ገስጋሲ ዓውደ ትምህርት ኣብክንዲ ምቁጣብ፣ህዝባዊ መግዓዝያ ኣብክንዲ ጻዕቂ ትራፊክ፣ ውሑስ ጥሮታ፣ ኣብ ክንድ ኣቶሚካዊ ጽዓት ኣብ ባህርያዊ ጽዓት ምምርካስ። ከፋት ምትሕብባርን ፍትሓዊትን ስዊዘርላንድ ክትህሉ ይኣምኑ። ብሓባር እምበር ብተናጸል ምዕበለ ክትውሕስ ከቢድ እዩ ዝብል ጭርሖ ኣለዎም።

3. ሊበራል ነጻ ምሕሳብ (Liberal party FDP) ፣ ኣብ 1894 ተመስሪታ። መብዝሕቶኣኦም ኣባላት ናይዛውድብ ሰብትካላት፣ ምሁራት፣ወሃብቲ ስራሕ፣ ነጋዶ ከምኡውን ሰብ ልዑል እቶትን እዮም። ናቶም ራእይ ድማ ኣብ ሊበራል ማለት ነጻ ኣትሓሳስባን ናጽነትን ይኣምኑ። ዕድላት ስራሕ ምፍጣር፣ ንስዊዘርላንድ ብልጽግቲ ምግባር፣ ብሉጽ ፋይናንሳውን ትሕተቅርጽን፣ ብሉጽ ዓውደ ትምህርት፣ትሒተ- ቀረጽን፣ ውሕስነቱ ዝተሓለወ ማሕበራዊ ሂወት፣ ኣብ ክንዲ ናይ ምንግስቲ ጽግዕተኛ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓላፍነት ምስካም።

4. ህዝባዊ ክርስትያናዊ ደሞክራስያዊ ውድብ(Christliche-Demokratische Volkspartei): 1912 ኣብ ትሕቲ ዓቃባውያን ካቶሊኽ ዝብል ስም ተመስሪቱ። እንተኾነ ግን ኣብ 1970 ህዝባዊ ክርስትያን ደሞክራስያዊት ውድብ ተሰምያ።እዚ ውድብ ዳርጋ ብርክት ዝበሉ ጨናፍር ዝኣከበ እዩ። ውሃብቲ ስራሕ፣ ተቀበልቲ ስራሕ፣ነጋዶ፣ሓረስቶት ዝኣመሰሉ ኣባላት ኣለውዎ። ናይዚ ውድብ ራእይ ድማ ምጣንየ ኣብ መንጎ ስብን ማሕበረሰብን ክህሉ፣ናይ ገዛእ ርእስኽ ሓላፍነት ምስካም፣ ምትሕግጋዝን ብሓባር ምንባርን። ልዑል ቆላሕታ ኣብ ስድራቤት ብፍላይ ድማ ምዕበለን ብልጽግናን ቆልዑት ቀዳምነት ምሃብ፣ኣብ ሃገራዊ ግብሪ ምእካብ ዝግበር ዘይፍትሓዊ ኣገባብ ይቃወሙ፣ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ንኣብነት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ብሓባር ምስራሕ፣ ደቅሰባት ብፍላይ ኣብ እርጋኖም ክሽገሩ ከምዘይብሎም ይቃለሱ።

5.ሓምላይ ናይ ስዊዘርላንድ ውድብ(Grüne partei der Schweiz GPS)፣ ኣብ 1983 ተመስሪታ። እንተኾነ ግን ኣብ 1993 ሓምላይ ዝብል ስም ለቢሳ። እዛ ውድብ ናይ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት እኽብካብ እያ። ኣብ ባይቶ ስዊዘርላንድ እቲ ዝውሓድ ወንበር ዝነበሮም ውድብ እዮም። እንተኾነ ግን ኣብዚ ናይ 2019 ኣብዝተገብረ ብርጫ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ኮይም። ራእይ ናቶም ድማ ክፍትን ማሕበራዊትን ስዊዘርላንድ ንኽትህሉ ከምኡውን ኩሎም ደቅሰባት ጥዕንኡ ኣብዝትሓለወ ኣከባብን ብናጽነትን ክነብሩ ኣለዎም ኢሎም ይምጉቱ። ቀንዲ ኣገዳሲ ኢሎም ዝሓስብዎ ድማ ሓድሕዳዊ ምክብባር ኣብ ሞንጎ ደቅኣንስትዮን ደቂተብዓትዮን፣ ኣብ መንጎ ንኣሽቱን ዓበይትን ከምኡውን ኣብ መንጎ ጉጅለታት ኣህዛብ። ኣቶሚካዊ ጽዓት ብጽሩይ ጽዓት ምትካእ፣ ጥዕንኡ ዝትሓለወን ርትዓውን መግቢ ምፍራይን ምቅራብን፣ እኹልን ብቑዕን መንበሪ ኣባይቲ ምህናጽ፣ ምስ ጽሬት ኣከባቢ ኣየር ዝሰማማዕ ቁጠባን ጉሓፍ ዘይምብዛሕን፣ ኣብክንዲ ማኪናን ካልኦት ንብከላ ኣየር ዝገድዱ ተሽከርከርቲ ብህዝባዊ መጉዓዝያ ምጥቃም፣ ምክልኻል ንሰብኣዊ መሰላትን ወድሰብን፣ጽቡቅ ዝምድና ምስ ኣውሮጳን ዕለምን።

6.ሓምላይ ገስጋሲ ስዊዛዊ ውድብ(Grünliberal partei glp)፣ መስረቲ ናይዛ ውድብ ካብ ሓምላይ ስዊዛዊት ውድብ ዝተፈንጨሉ ኮይኖም  2004 ኣብ ከተማ ዙሪኽ መስሪቶማ። ኣብዚ አዋን ድማ ዳርጋ ኣብ ኩለን ኣውራጃታት ናይ ስዊዘርላንድ ዝርግሐ ኣለዎም። ፖሎቲካዊ ራእይ ናቶም ድማ ምዕሩይ ዝኾነ ቀጻልነት ዘለዎ ናይዞም ስሉሳውያን ባእታታት፣ ኣከባብያዊ፣ ማሕበራዊን ቁጠባውን ምርግጋጽ። ኣብ ጉዳይ ጽዓት ምስ ንርኢ ካብ ጋዝን ነዳድን፣ ኣቶማዊ ጽዓት ለቂቆም ካብ ጽሓይ፣ ንፋስን ማይን ከምንጭዎ ይሓስቡ። ጥዕንኡ ዝሓለወ ፍይናንስ፣ንዓበይትን ንኣሽቱን ትካላት ካብ ቢሮክራሲ ሩፍታ ዝህብን ጽፉፍ ኣገልግሎት ምሃብን፣ ማዕረ ዝርኢ ንኩሉ ሕብረተሰብ ንሰብ ሓዳር ምርዑዋትን ዘይተመርዓዉ መጻምትድን ከምኡውን ንሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም መጻምድትን። ህንጸት ኣባይቲ ከቃርጽን ባህርያዊ መረት ምዕቃብን፣ ንስዊዘርላንድ መሰረት ምርምርን ምህዞን ዝኸውን ስርዓተ ትምህርቲ ምህናጽ።

7.ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ውድብ Bürgerliche Demokratische Partei(BDP)፣ ብ1.11.2008 ተመስሪቱ። ፖሎቲካዊ ቆላሕትኦም ኣብ ጉዳይ ጽዓት ነዚ ዝስዕብ ይመስል፣ ሃገረ ስዊዘርላንድ ካብ ኣቶሚካዊ ጽዓት ክትናገፍ ይጽዕሩ። ልኡላዊትን ከፋትን ስዊዘርላንድ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ምጽንባርን ምንጻልን ዘይኮነስ ኣብ ሽርክነት ክልተ ዝተመርኮሰ ምሕዝነት ይድግፉ። ብሰንክ ምንካይ  ናይ ወጸእተኛታት ጉልበት ኣብ ዕዳጋ ናይ ስራሕ ዝፈጥሮ ሃጋፍ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘሎ ዓቅሚ ሰብ ክሽፈን ይድግፉ።