መንግስትን ምሕደራን

ቅዋምን ስነሓሳብን

ቅዋም ሃገር ማለት ሕጋዊ መሰረት ናይ ሓንት ሃገር እዩ። ቅዋም መሰረታውያን ሕጋጋት ሃገር ዝሓቆፈ ኮይኑ እታ ሃገር ብከመይ ኣገባብ ክትምሓደር ከምዘለዋን ዝብርህ እዩ። ቅዋም ሃገር መሰረት ናይ ኩሉ ሕግታት ናይ ሓንት ሃገር ዝሓቆፈ ብምኻኑ ልጋም ሃገር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ስርዓት ህግደፍ ካብ በረኻ ምስእተዉ ንህዝብና ክጥብሩ ልጋም ዘይብላ ፈረስን ቅዋም ዘይብላ ሃገርን ሓደ እዮም ክብሉ መሲሎም።ቅዋም ሓደ ድልድል ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ኮይኑ ስልጥንን ግቡእን መንግስትን ከምኡውን መሰልን ግቡእን ህዝቢ ዝሓቆፈ እዩ። ስለዚዩ ድማ ክልቲኦም ወገናት ክእዘዝዎ ዝግባእ። ቅዋም ሃገር ኣብመንጎ ሕብረተብ ስነስርዓት ክህሉ፣ መንግስቲ ሓላፍነት ህዝቡን ሃገሩን ዝስከም ክኸወን፣ ህዝቢ ንመንግስቲ ክቅበሎን ኣፍልጦ ክህቦን ይሕግዝ። ወላእኮ ዝተፈላለዩ ዓይነት ቅዋም እንተሃለዉ እቲ ዕላምኦም ግን ሓደ እዩ። ዝተጻሕፈን ዘይተጻፈን፣ ዘይቅየርን ዝቀየርን፣ ምእኩልን ዘይምእኩልን፣ ፕረስደንታውን ባይቶኣውን፣ንጉሳውን ህዝባውን ተባሂሎም ይጥቀሱ። ሓንቲ ሃገር ቅዋም ንስዝህልዋ ስልጣን ምንግስቲ ድሩት ይኽወን። ወላ’እኮ መንግስቲ ድላዩ ክገብር እንተደለየ በቲ ቅዋም ሰፊሩ ዘሎ ዓንቀጻት መሰረት ይድረት። ቅዋም መሰል፣ ዓቅሚ፣ ትግባረን ናይ መንግስቲ ይቆጻጸር።

ስነ-ሓሳብ ማለት ወላእኮ ንጹር ዝኾነ መግለጺ እንተዘይ ሃልይዎ  ኣብ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን፣ ፖሎቲካውን ዘሎ ኣመለኻኽታ ደቅሰባት እዩ። ንኣብነት ገስጋሲ፣ ዓቃባዊ፣ የሚን፣ ጸጋማዊ፣ ፋሽሽታዊ፣ደሳዊ፣ ርእሰማላዊ  ወዘተ።

ባህርያት ናይ ጽቡቅ ቅዋም

  • ቅዋም ብስርዓት ዝተጻሕፈ ክኸውን ይግባእ።
  •  ልዕልና ሕጊ ዘኽብርን ኩሉ ሕጊ ሃገር ዘጠቃለለን ክኸውን ኣለዎ።
  • ምስ ድሌት ህዝብን ከባብያዊ ለውጥን ናይ ምምዕባልን ምቅየርን ብቅዓት ክህልዎ ይግባእ። 
  • እምብዛ ደረቅን ልስሉስን ዘይኮነ።
  • መሰረታውያን መሰላትን ናጽነትን ዝቅርብ ክኽውን ኣለዎ።
  • ትሓታትነት፣ ደረት፣ ሓላፍነት ዝስከም መንግስቲ ንክህሉ ዝግድድ ክክውን ይግባእ።
  •  ቅዋም ሃገር  ልኡላውነት ህዝቢ ብንጹር ከንጸባርቅ ይግባእ።
  • ቃንቃ ናይ ቅዋም ቀሊል፣ ንጹር፣ ዘየወላውልን ክኸውን ይግባእ። ነዞም ዝስዕቡ ዝቅርብ ክኸውን ኣለዎ 
  • ልዕልና ሕጊ
  • ምምቕራሕ ስልጣን
  • ሓልን ነጻን ፈራዲ ኣካል
  • ብገዛእ ርእሱ ዝምሓደር ከባብያዊ ስርዓት
  • ንትዓዊ ዝኾነ ኣገባብ ሕገ መንግስት ምቅያር 
  • ነጻን ርትዓውን መሳርሕን ኣገባብን ምርጫ

ዝተጻሕፈን ዘይተጻሕፈን ቅዋም

ዝተጻሕፈ ቅዋም ማለት ብጽሑፍ ዝተዳለወ ብግቡእ ተሰኒዱ ኣብ መጽሓፍ ዝሰፈረ ብባይቶ ወይ ሓጋጊ ኣካል ተቀባልነት ዘለዎ እዩ። ስዊዘርላንድ፣ ጀርመን፣ ሕቡራት ምንግስትታት ኣሜሪካ ንምጥቃስ ይክኣል። ገሊኡ ቅዋም ሓጸርቲ እንክኾኑ (ንኣብነት ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ)፣ ገሊኦም ድማ ብዙሕ ዓንቀጻት ዝሓጾፉ ስፍሕ ዝበሉ እዮም (ንእብነት ናይ ህንዲ፣ ስዊዘርላንድ) እዮም።

ዘይተጻሕፈ ቅዋም ማለት ብቅዋማዊ ባይቶ ሃገር ዘይተዳለወን ዘይረቀቀን ከምኡውን ብመጽሓፍ መልክዕ ዘተዳለወን እዩ። ኣብ ታሪኻዊ ቻርተራትን ኣብዝተፈላለዩ ዋዕላታትን ዝሰፈረ እዩ። ወላእኮ እቲ ቅዋም ብመልክዕ መጽሓፍ ኣይዳሎ ህዝብ ቅዋም ሃገሩ ይፈልጥ ይእዘዞን እዩ።ንኣብነት ዓባይ ብሪጣንያ።

ፍልልያት ዝተጻሕፈን ዘይተጻሕፈን ቅዋም

ዝተጻሕፈ ቅዋም ማለት ብጽሑፍ ዝተዳለወ ብግቡእ ተሰኒዱ ኣብ መጽሓፍ ዝሰፈረ ብባይቶ ወይ ሓጋጊ ኣካል ተቀባልነት ዘለዎ እዩ። ስዊዘርላንድ፣ ጀርመን፣ ሕቡራት ምንግስትታት ኣሜሪካ ንምጥቃስ ይክኣል። ገሊኡ ቅዋም ሓጸርቲ እንክኾኑ (ንኣብነት ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ)፣ ገሊኦም ድማ ብዙሕ ዓንቀጻት ዝሓጾፉ ስፍሕ ዝበሉ እዮም (ንእብነት ናይ ህንዲ፣ ስዊዘርላንድ) እዮም።

ዘይተጻሕፈ ቅዋም ማለት ብቅዋማዊ ባይቶ ሃገር ዘይተዳለወን ዘይረቀቀን ከምኡውን ብመጽሓፍ መልክዕ ዘተዳለወን እዩ። ኣብ ታሪኻዊ ቻርተራትን ኣብዝተፈላለዩ ዋዕላታትን ዝሰፈረ እዩ። ወላእኮ እቲ ቅዋም ብመልክዕ መጽሓፍ ኣይዳሎ ህዝብ ቅዋም ሃገሩ ይፈልጥ ይእዘዞን እዩ።ንኣብነት ዓባይ ብሪጣንያ።

ምእኩልን ዘይምእኩልን ቅዋም

 ምእኩል ቅዋም ሓደ ዝተማእከለ ኮይኑ ነቲ ስልጣን ኣብ ሓደ ቦታ ዝሓቆፈ እዩ። ንኣብነት ፍራንስ፣ ዓባይ ብሪጣን ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይክኣል።

 ዘይምእኩል ወይ ፈደራላዊ ቅዋም ስልጣን ናብ ኣውራጃታትን ወረዳታትን ዘመቃረሐ እዩ። ስለዚ ኣብ ፈደራላዊ ቅዋም ወረዳ ናታ ቅዋም ግን ምስ ናይ ኣውራጃ ዘይገራጮ ይህልዋ። ኣውራጃ ናታ ቅዋም ግን ምስ ይ ፈደራል ማለት ሃገራዊ ቅዋም ዘይገራጮ ይህልዋ። ስዊዘርላንድ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብነት ምጥቃስ ይክኣል።

ፕረስደንታውን ባይቶኣውን ቅዋም

ኣብ ፕረስደንታዊ ቅዋም ፕረስደንት ናይታ ሃገር ርእሲ ምምሕዳርን ኣቦወንበር ናይ ፈጻሚት ኣካልን ይኸውን። እንተኾነ ግን ኣቦወንበር ናይ ሓጋጊ ኣካል ኣይከውንን እዩ። ንኣብነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እንተወሰድና፣ ፕረስደንት ኣባል ባይቶ ወከልቲን (House of Representatives) ኣባል ባይቶ ከንቲባታትን (Senate) ኣይኮነን።

ኣብ ባቶኣዊ ቅዋም ቀዳማይ ምኒስተር ናይ ሓንቲ ሃገር ርእሲ ምምሕዳር ናይ ፈጻሚት ኣካል ጥራሕ ዘይኮነስ ኣባልን ርእሰ ምምሕዳር ናይ ሓጋጊ ኣካልን እዩ። ዓባይ ብሪጣንያ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይክኣል።

ዝቅየርን ዘይቅየርን ቅዋም

ሓደ ቅዋም ብቀሊሉ ክትቅይሮ ዝክኣል እንተኾይኑ ዝቀያየር ቅዋም ንብሎ። ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብነት ክንወስድ ይክኣል። ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ልኡላዊ ብምኻኑ ብቀሊል ኣገባብ ዝበዝሐ ድምጺ ብምጥቃም ሕጊ ይቅይር። ጥቅምታት ናይ ዝቀያየር ቅዋም፣

  •  ናይ ሕብረተሰብን ሃገርን ኩነታት ፖሎቲካውን ማሕበራውን ለውጥታት ምርኩስ ብምግባር ናይ ምትዕጽጻፍ ዕድል ይህብ።
  • ኣብ ህጹጽ እዋን ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።

ብሰንኪ ተቀያያሪ ባህርያቱ ምስ ኩነታትን ግዜን ምቅይያራት ስለዝግበረሉ ህዝብ ሰለማዊ ሰልፊ ንልውጢ ብዙሕ ኣየድልዮን።

ጉድኣት ተቀያያሪ ቅዋም፣

  •  ምስ ፈደራላዊ ምሕደራ ኣይሰነን ምኽንያቱ ዘይብቁዕ ውሳኔ ክውሰድ ስለዝክኣል።
  • ዘይምርግጋእ ይፈጥርን ንኣብስልጣን ዘሎ ኣካል ነቲ ፖሎቲካዊ ኩነታት ሃገር ኣብዘይተደልየ ኣንፈትን ናይ ውልቀ መላኽነት ዕድልን ይኸፍተሉ።

ዘይቀየር ቅዋም ማለት ብቀሊሉ ክቅየር ዘይክኣል ንምቅየር ሃገራዊ ባይቶ ማለት ሓጋጊ ኣካል ኣዝዩ ዓቢ ናይ ብዙሓት ድምጺ(2/3 ወይ 3/4) ምስዝረክብ እዩ ዝፍጸም።ስለዚዩ ድማ ከም መሰረታዊ ሕጊ ሃገር ወይ ልኡላውነት ህዝብ ተባሂሉ ዝግለጽ።መብዛሕትኡ ግዜ ብሪፈረንደም ይረጋገጽ። ኣብነት ቅዋም ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ።

ጥቅሚ ዘይቀየር ቅዋም፣

  •  ምንጪ ናይ ርጉእን ቀጻልነትን ዘለዎ ምሕደራ እዩ።
  • ንፈደራላዊ ምሕደር ምቹእን መሳንይትን።
  •  እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖሎቲካዊ ውድብ ወይ ፈጻሚ ኣካል ናይ ውልቀመላኽነት ከይማዕብልን ስልን ኣብ ኢድ ወልቀሰብ ከይ ውድቅን ይከላኸልን ዕድል ኣይህብን።

ጉድኣት ዘይቅየር  ቅዋም፣

  •  ኣብ ህጹጽ እዋን ለውጢ ንከይግበር ዕንቅፋት ይኸውን።
  •  ምንጪ ናይ ዓቃባውያን ይኸውን።
  • ምስ ግዜን ኩነታትን ብቀሊሉ ስለዘይ ቅየር ህዝብ ኣንጻር መንግስቲ ናዕቢ ንክልዓል ዕድል ይህብ።

ፖሎቲካዊ መሰላት ዜጋታት ሓንት ሃገርከመይ ይመስል?

ፖሎቲካዊ መሰላት ዜጋታት ሓንት ሃገር ኣብ ቅዋም ሃገሮም ተሰኒዱ ይቅምጥ። ንሳቶም ድማ ምምራጽ፣ ምድማጽ፣ ረፈረንደም፣ ተበግሶን እዮም። ካብ ወድ 18 ዓመት ንላዕሊ ድማ ኣብ ትግባሪኦም መሰል ይህልዎም።

ድምጺ ምሃብን መራሕቲ ምምራጽን፣ ደክራስያዊ ምሕደራ ዝኽተል ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ናይ ምድማጺን ምምራጽን መሰል ኣለዎ። ድምጺ ክብሃል እንከሎ ኣብ ጉዳይ እወ ወይ ኣይፈል ምውሳን እዩ። ምርጫ ማለት ንሓደ ሰብ ንመዝነት ምምራጽ እዩ። ኣብ ደሞክራስያዊት ሃገር ሓደ ዜጋ ንጡፍን ልኡምን ናይ ምርጫ መሰል ኣለዎ። ንጡፍ ምርጫ ማለት ንሓደ ዜጋ መዝነት ንምስካም ክትመርጽ እዩ። ልኡም ምርጫ ማለት ንባዕልኻ ክትምርጽ እዩ። ንክትመርጽን ክትምረጽን ከምኡውን ክተድምጽ ዜጋ ናይታ ሃገር ክትከውን ኣሎካ፣ ዕድመኻ ልዕሊ 18 ክኸውን ኣለዎ። ክድምጹ፣ ክመርጹን ክምረጹን መሰል ዝይብሎም ዜጋ ዘይኮነ ከምኡውን ዜጋታት ክንሶም ብቑዓት ዘይኮኑ። መስርሕ ምርጫን ድምጽን ኣብ ናጽነትን ምዓርነትን ዝተሰረቱ ክኾኑ ኣለዎም። ነፍስወከፍ ድምጺ ማዕረ ሚዛን ክህልዋ ኣለዎ፣ ምርኽኻብ ድምጺ ካብ ናይ ደገ ጽቅጥ ናጻ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ምኦክራስያዊ ኣገባብ ምሕደራ ህዝቢ ድለታቱ ንምውሳን ብመንገዲ ረፈረንደም ኣቢሉ ይውስን። ኣብ መስርሕ ድምጺ ምሃብ ይኹን ምርጫ እቲ ዝበዝሐ ጽምጺ ይውስን።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ድምጺ ምሃብ

1.ፍጹም ብዝሒ፣እንተውሕደ ፍርቂ ናይ ጥቅላላ ድምጺ ተደመሮ 1 ምስዝረክብ ሓደ ሕጹይ ክምረጽ ይክኣል። ንኣብነት 800 መረጽቲ ተመዝጊቦም ንክመርጹ፣ 12 ካብኣቶም ዘይብቁዓት ኮይኖም፣ 37 ከይመረጺ የረክቡ። ስለዚ 800 – 12 – 37 = 751 ቡቁዕ ናይ ድምጺ ወረቃቅቲ ይእከብ። 751 /2 = 375.5 (0.5 ይጸጋጋዕ) 375 + 1 = 376 ፍጹም ብዝሒ ድምጺ ረኺቡ።

2.ተዛማዲ ብዝሒ፣ ካብ ጠቅላላ ድምጺ እቲ ዝበዝሐ ዝረኸበ ይዕወት። ንኣብነት A 4000, B 2500, C 4500, D 2000. C ዝበዝሐ ድምጺ ስለዝረኸበ ይዕወት።

3.ዝበለጸ ብዝሒ፣ ዕዉት ዝብሃል ካብቲ ፍጹም ብዝሒ ዝብሃል ንላዕሊ ምስዝኸውን እዩ። 2/3, 3/4, 4/5። ንኣብነት ሓደ ፕረስደንት ንምቅያር ኣባላት ባይቶ 2/3 ድምጺ የድልዮም።

ዓይነት ምርጫ

1. ዝበዝሐ ኣሃዝ ኣብግምት ዝውስድ ዓይነት ምርጫ፣ ኣብዚ ዓይነት ምርጫ እቲ ዝበዝሐ ዝረኸበ ጥራይ ዕዉት ኮይኑ ይወጽእ። እቲ ዝተረፈ ኣገዳስነት የብሉን። እዚ ዓይነት ኣገባብ ምርጫ ሓደ ሰብ ጥራሕ ክምረጽ ዘገልግል እዩ። ንኣብት ፕረስደንት ሃገር ንዝግበር ምርጫ፣ ኣቦወንበር ኣውራጃ፣ ኣቦወንበር ወረዳ። ሓደ ሕጹይ ድማ ኣብ ናይ ምርጫ ወረቀት 1ግዜ ጥራይ ይጽሓፍ። እቲ ፍጹም ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ዕዉት ይኸውን። ፍጹም ብዝሒ ዝረኸበ እንተዘይህልዩ ድማ ንካልኣይ ግዜ ብምክያድ ተዛማዲ ብዙሕ ዝረኸበ ይዕወት። ኣውንታ ናይዚ ኣገባብ ምርጫ፣ ኣዝዩ ቀሊል፣ውልቀሰብ ምምራጽ ስዝኾነ ፓሎቲካዊ ውድብ ዘይብሉ ኣካልውን ንክምረጽ ዕድል ኣለዎ። ኣሉታዊ ጎኒ ናይ ዝበዝሐ ኣገባብ ምርጫ፣ እተን ዝሓየላ ፖሎቲካውያን ውድባት ጥራይ ዝዕወታሉ እተን ድኽም ዝበላ ድማ ከይትዓውታ ክተርፋ ይኽእላ፣ውሑድ ተፈላጥነት ዘለዎም ሰባት ጸቢብ ዕድል ኣለዎም።

2.ተዛማዲ ብዝሒ ኣብግምት ዝወስድ ኣገባብ ምርጫ፣ኣብዚ ዓይነት ምርጫ ኩሉ ውጽእቲ ተራ ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ብመጠን እታ ፖሎቲካዊት ውድብ ካብቲ ጠቅላል ዝመርጽ ህዝቢ ብዝረኸበቶ ኣሃዝ ብመንጽሩ ኣባላታ ቦታ ይረኽቡ። ካብ መንጎ እቶም ናይ ሓንት ውድብ ሕጹያት ድማ እቲ ዝበዝሐ ኣሃዝ ዘለዎ ቀዳምት ይውሃብ።ንኣብነት ኣብ ይ ሓንት ኣውራጃ ባይቶ 12 ኩርሲ እንተላዋ(12 = 100%) 4000 ዝተዝገቡ ህዝቢ ንክርጹ እንተሃልዮም። ፖሎቲካዊ ውድብ1 1000 ድምጺ እንተረኺባ 25% ማለት 3 ኩርሲ ትረክብ፣ ወድብ2 2000 ድምጺ 50% ማለት 6 ኩርሲ ትረክብ፣ ወብድ3 600 ድምጽጺእንተረኺባ 15% ማለ ት2ኩርሲ፣ውድብ4 400 ድምጺ 10% ማለት1 ኩርሲ ይረኽባ።

ህዝቢ ወክልቱ ዝኾኑ ኣባላት ባይቱ ዝመርጸሉ ኣገባብ ምርጫ እዩ።ነፍስክአፍ ኣውራጃ እንተውሓደ 1 ኣባል ክህልዎ እይግባእ።

 ኣውንታ ናይዚ ኣገባብ ምርጫ እተን ንኣሽቱ ፖሎቲካውይን ውድባት ከይተረፋ ዕድላ ኣለወን። ከምኡውን ስእሊ ናይ ህዝቢ ኣብ ባይቶ ብልክዕ የንጸባርቅ። ኣሉታዊ ጎኒ ናይዚ ኣገባብ ምርጫ ሕልኽላኽ ዝበዝሖን ንኩሎም ሕጹያት ብኣካል ክትፈልጦም ኣጸጋምን እዩ።

ደሞክራሲ እንታይ ማለት እዩ?

ደሞክራሲ ካብ ቃንቃ ግሪኻውያን ዝመንጨወ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ህዝባ ዊምሕደራ ማለ ትእዩ። ደሞክራሲ ካብቲ ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ ሓንቲ ሃገር ስልጣን ዝህብን ዝኸልእ ንህዝቢ ብምኻኑ እዩ። ናጽነት ናይ ምእካብን ምዝራብን፣ መሰል ናይ ውሑዳትን ምድማጽን፣ናይ ምንባር መል፣ ምዓርነት ቀንዲ እምኒ ኩርናዕ መሰረት ናይ ደሞክራሲ እዮም። ብፈሻ ክልተ ዓይነት ደሞክራሲ ኣለዎ። ንሳም ድማ ቀጥታን ተወካሊ ደሞክራሲ ይብሃሉ። ስነ-ሓሳብ ደሞክራሲ ዝበዝሐ ይመርሕ ይብል። ኣብዚ መዳይ ክልተ ሃገራት ፈድራላዊ ስርዓት ዝኽተላ ግን ኣብ ኣገባብ ዓይነት ደሞክራሲ በበይኑ ማለት ስዊዘርንድ ቀጥታ ደሞክራሲ፣ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ድማ ተወካሊ ደሞክራሲ ይኽተላ።

ቀጥታዊ ደሞክራሲ

ቀጥታ ደሞክራሲ ኣብ ስዊዘርንድ፣ ቀጥታ ደሞክራሲ ቀንዲ መለለይ ፖሎቲካ ስዊየርላንድ እዩ። ረፈረብደምን እማመ ምቅራብን ቀንዲ ወሳርያ ናይ ቀጥታ ደሞክራሲ እዮም። ህዝቢ ኣብቶም ብባይቶ ዝቀርቡ ሕግታት ናይ መውዳእታ ቃሉ ብምሃብ ዝውስነሉ መድረኽ እዩ። ስዊዘርላንድ ካብታ ከም ፈደራላዊት ሃገር ኮይና ዝቆመትሉ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ጉዳያት ብመንገዲ ረፈረንደምን እማመታት ብምቅራብን ወሳኒ ተራ ኣለዎም። ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ቅዋም ለውጢ ክግበር ምስዝድለ ባይቶ ሃገር ሕጊ መስሪሑ ይቅርብ ህዝቢ ድማ ብመንገዲ ረፈረንዶም ገሩ ይውስን። ህዝቢ ድምጺ ብምሃብ ንክውስን ኣብ ቅዋም ዝሰፈረ እዩ። ድምጺ ህዝቢ ድማ ዘይቅየር እዩ። ቀጥታ ደሞክራሲ ንስዊዘርላንድ ካብ ናይ ዓብላልነት ማለት ዝትዓወተ ኩሉ ይወስዶ ዝብል ኣካይዳ ናይ ፖሎቲካ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ተመቃሪሕካን ሕድገታትን መድረኽ ኣሰጋጊርዋ።

ተወካሊ ደሞክራሲ ማለት ህዝቢ ብመንገዲ ወከልቱ ገሩ ሕግታትን መምርሒታትን ከጽድቕን ክውስንን እንከሎ እዩ። ህዝቢ ንዕኡ ዝውክልዎ ሓገግቲ ኣካላት ይመርጽ፣ ንሳቶም ድማ ኣብክንድቲ ዝወከሎም ህዝቢ ሕጊ የጽድቁ፣ ስለዚ ድማ ተጻራሪ ናይ ቀጥታ ደሞክራሲ ዝብሃል። ተወካሊ ደሞክራሲ ኣስታት 60% ሃገራት ናይ ዓለምና ዝጥቀማሉ ኣገባብ ደክራስያዊ መንግስቲ እዩ። ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገት ዝጥቀማሉ ኣገባብ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ቀጥታ ደሞክራሲ ብሰንኪ ብዝሒ ህዝቢ ክትግብርኦ ስለዝሽግራ እዩ።

ተወካሊ ደሞክራሲ

ቀጥታ ደሞክራሲ ማለት ሓደ ዓይነት ናይ ደሞክራሲ ኣገባብ ኮይኑ፣ ነቶም ብመንግስቲ ዝቀርቡ ሐግታትን መምርሒታትን ኣብክንዲ ብወከልቲ ቀጥታ ብህዝቢ ምስ ዝጸድቁ ወይ ዝውሰኑ እዩ። ገለ ካብ ረብሓታት ቀጥታ ደሞክራሲ ምስንዕዘብ፣ ምሉእ ግሉጽነት ዘለዎ መንግስቲ ንምቃም ይሕግዝ። ንኣብነት ዘተን ክትዕን ኣብ በይቲ ጉዳያት ብከፋት መንገዲ ይይአዱ፣ ትሓታትነት ዘለዎ መንግስቲ ይህነጽ፣ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ተሳታፍን ኣበርካትን ይውን። ገለ ድኽመታት ቀጥታ ደሞክራሲ ድማ ቅልጥፍ ውሳኔ ንምውሳድ የሸግር፣ ከትዕን ዘተን ግዜ ስለሓቱ ተሳትፎ ክንኺ ይኽእል።