ስድራቤት ምሰረት ፍትሓዊ ምሕደራ

ኣብ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት እሞኻኣ ቅድሚ ምዕራባውያን ፈደራላዊ ምሕደራ ይኽተሉ ምንባሮም ገለ ናይ ታሪኽ ሰነዳት ይሕብሩ። ግደ ሓቂ ኣብ ባህርያዊ ተፈጥሮና ምልስ ኢልና ምስንዕዘብ ኣህዛብ መጀመርታ ኣብቲ ዝነብሩሉ ቦታ ምስቲ መነባብርኦም ዝሳነ ሕጊ ኣውጺኦም ይካየዱን ይነብሩን ነሮም። ናይ ካልኦት ወራርን ዝምታን እናብዝሔ ኣብዝኸደሉ እዋን ድማ ንጸላእቶም ንምምካት ናይ ሓባር ኪዳን ይምስርቱ ነሮም። ብኸምዝን ካልእ ኣገባብን ድማ ካብ ስድራቤት ናብ ዓድታት ካብ ዓድታት ድማ ናብ ወረዳታት ኮታስ ኣውራጃታት እንዳ ዓበየ ከይዱ። ቀጺሉ ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ሃገራት ቀመን።

ስለዚ እቲቀንዲ መሰረት ናይ ሓንቲ ሃገር ስድራቤት ካብ ኮነ፡ ስድራቤት ብሞራልን ስነምግባርን ምስትህነጽ ስርዓተ ሕጊ ዝኽተል ሞራል ዘለዎ ዜጋ ተፍሪ። እዚ ክዉን ንምግባር ድማ ስድራቤት ናጽነት ናይ ምንባር ምስዝህልዋ እዩ። አብ ሓንቲ ስድራቤት ናጽነት ዝጎደሎ አትዓባብያ ምስዝህሉ ጽባሕ ንጉሆ ምስዓበየ አብዝብጻሕ ምስበጽሐ ከምታ ናጽነት አግዲልና ዝዕበናዮ ንሃገሩን ከባቢኡን ይህውኽን ናጽነት ዝነፍግን ምስዝኸውን ክንግረም የብልናን። ምኽኛቱ ድማ ፍረ ዝርእና ስለዝኾነ። ስለዚ ኤርትራውያን ናይ አትሓሳስባ ለውጢ ካብ ስድራቤትና ክንጅምሮ ይግብኣና። ነቲ አብገዛና ዝጀመርናዮ ክብሪ፣ መሰል ናይ ምሃብን ምቅባልን፣ ነጻናት ናይ ምሕሳብን ምዝራብን አብ ደረጃ ሃገር ምስዝዓብን ዝምዕብልን ብሕግን ስነምግባር ዝተሃንጸ ሕብረተሰብ ይህልወና።

ብደረጃ ሃገር ምስንዕዘብ ድማ ነዚ ዝኸውን ባይታ ዝተነፍገን ስድራቤታት እየን ዘለዋና። እቲ ቀንድ ምክኛት ድማ ምልካዊ ዝኾነ አትዓባብያ እዩ። ስለዚ ነዚ ዓይነት ኣትዓባብያ ምስንቅይር አብቲ ንደልዮ ሊበራላዊ አራኣእያ ዝውንን ሕብረተሰብ ክንበቅዕ ኢና። እዚ ዓይነት ሕብረጸብ እዩ ድማ ንሰብኣውነትን ፍትሕን ንቅድሚት ሰሪዑ ንደቅሰባት ክብሪ ዘልብስ።

Related posts

7 Thoughts to “ስድራቤት ምሰረት ፍትሓዊ ምሕደራ”

  1. I am wordless when I have to comment on your blog. Your writing and thought is beyond any word of praise. Reena Washington Floss

  2. After looking over a few of the blog articles on your website, I seriously like your technique of blogging. I bookmarked it to my bookmark site list and will be checking back in the near future. Please check out my website too and tell me your opinion. Aliza Riordan Lora

  3. Perfectly pent subject matter, appreciate it for selective information . Maryanne Raynard Veriee Benoite Andonis Flita

  4. I bet you have seen so many changes in his life and have been quite the advocate the last 41 years I can only imagine what you had to deal with and the views you had to fight when he was born. What is he up to now? Shawn Powell Hirz

  5. Very good article. I am going through some of these issues as well.. Edith Bronnie Ainslie

  6. Good post. I learn something new and challenging on blogs I stumbleupon on a daily basis. It will always be exciting to read through content from other writers and practice something from their web sites. Bertina Rockie Shellie

  7. When someone writes an post he/she retains the idea of a user in his/her mind that how a user can be aware of it. Iolanthe Ricard Scarface

Leave a Comment