ዝምታ ባህርያዊ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍን ኩባንያ ዳናካሊን።

ዕደና ፖታሽ

ቀዳማይ ገጽ ዕደና ፖታሽ ኣብ ኤርትራ ብኩባንያ ዳናካሊ ኣብ መፈጽምትኡ ይርከብ።

ኣውስትራልያ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕድና ዳናካሊ ዝተባህለ፡ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ዝሃቦ ፍቃድ መሰረት ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ናይ ፖታሽ ዕደና ከካይድ ምኻኑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ዕደና ዝካየደሉ ቦታ ድማ ኮሉሊ ዝብሃል ቦታ ኣብ ምብራቃዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣውራጃ ደንከል ዝርከብ እዩ። እታ ኣብ ከተማ ፐርዝ ኣውስትራልያ ዝመደበራ ኩባንያ ዕደና ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ መስርሕ ተዛዚሙ ኣብ ካልኣይ ገጽ ከምዝተሰጋገሩ ተብርህ። እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ፕሮጀክት ትሕተ ቅርጺ ምውዳድ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ ኣድለይቲ ናውትን መሳለጥያታትን ዘጠቃለለ እዩ።

እዚ ዕደና ፖታሽ ኣብ ኮሉሊ ዝካየድ 50፡50 ስምምዕ ኣብ መንጎ ምኒስትሪ ዕደና ስርዓተ ሽፍታ ህግደፍን ኩባንያ ዕደና ዳናካሊን እዩ። ብመሰረት መግለጺ ኩባንያ ዕደና ዳናካሊ፡ እዚ ናይ ፖታሽ ዕደና ንቁጠባ ኤርትራ ኣዝዩ ዓቢ ነጠበ መቀይሮ ምኻኑ ይሕብር። ፖታሽ ኣዝዩ ሃብታም ዝኾነ ማዕድን ከም ብዓል ሳልፋይት ዝተባህለ ነጥረ ነፈር ዝሓቆፈ ኮይኑ፡ ንመልምዒ ሕርሻ ከም ድኹዒ ዘገልግል እዩ። እቶም ሰነዳት ከምዝሕብርዎ መጠን ዕደና ኮሉሊ ኣብ ዓመታዊ እቶት ሃገረ ኤርትራ 3% ኣብ 2021 ክሽፍን ከምዝኽእል ከምኡ ድማ ኣብ 2030 50% ሰደድ ናይታ ሃገር ከሽፍን ከምዝኽእል ይእምቱ።

ብመሰረት ጸብጻባት ኩባንያ ዕደና ዳናካሊ፡ ዕደና ፖታሽ ኮሉሊ ኣብ ዓመት 472000 ቶን ማለት 4720000 ኩንታል ሳልፋይት ዓመታዊ ክግሓጥ ምኻኑ ይጽብጽቡ። ብተወሳኺ ኣብዝቅጽሉ ዓመታት ናይ 944000 ቶን ማለት 9440000 ኩንታል ሳልፋይት ክምእርሩ ምኻኖም የተንብሁ። እቲ ቦታ ኣዝዩ ሃብቶም ናይ ፖታሽ ብምኻኑ ንኣስታት 200 ዓመት ናይ ዕድና ዕድመ ክህልዎ ከምዝኽእል ይእምቱ።

ሃብቲ ሃገርና እንክዝመትን ኣብ መጋበርያ ሰይጣናዊ ተግባርት እንክውዕልን፡ ህዝብና ክበታተንን ኣደዳዳ ስቃይን ድኽነትን ክኸውን እንከሎ ኣብ ድያስፖራ ዘሎና ኤርትራውያን እንታይ እዩ እጃምና። ወራሪ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮም ዘሎ እከይ ተግባራት መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየንን ዝዓይነቱ ጭርሖ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይፈጸምዎ እንዳ ተግበረ፡ ኣብ ዓዲ ጋና ተሰዲድና ምቁማትና ጽባሕ ንጉሆ ብዝኾነ ዋጋ ከምዘይ ንመልሶ ርዱእ እዩ። ስለዚ እቶም ስለ ኤርትራን ህዝባን ንሓስብ ጭርጭር ዓበደ ኣካይዳ ገዲፍና ህዝብናን ሃገርና ንድሕነሉ ምኣዲ ዘተ ሃሰው ንበል። እንተዘይኮይኑ በዚ ዘለናዮ ከም ሕብረተሰብ ነብርያ ነበረ ከይንኸውን። ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ሃብቲ ሃገር ጋሕጊሑ ንጥቅሚ ምዕራባውያንን ንስልጣኑ ዝውሕሰሉ መንገድን እምበር ንረብሓ ህዝብና ከምዘይኮነ ካብ ዝሓለፉ ናይ ወርቀን ካልኦት ፍርያት ባሕርን ዝዓቢ ሕሉፍ ምስክርነት የልቦን። ስለዚ ህዝብኻ እንዳ ተበተነ ሃብትኻ እንዳ ተዘምተ ዕይንኻ ኣይትትዓመት፡ ጭርጭር ዓበደ የብቅዕ። ዕቅምኻን ግዜኻን ኣብክንዲ ብሓሳብ ዝተፈልየ ደላይ ፍትሒ ዝኸውን ኣብ እምባገነን ስርዓት ህግደፍ ኣተኩር።

Related posts

Leave a Comment