ኢትዮጽያ ባህርያዊ ጸጋታት ክትጥቀመ መሰላ ዘይኮነን፣

ስለምንታይ እያ ግብጺ ህዝባ ምእንቲ ክነብር ብዋጋ ኢትዮጵያውያን ትድልዮ፣

ፈለግ ኒል፡ እቲ ዝነወሐ ሩባ ኣብ ዓለምናን ኣህጉርና ኣፍሪቃን እዩ። ካብ ደቡባዊ ቀናት ምድሪ ነቂሉ ንሰመን ገጹ ብሰመናዊ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኣቢሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይፈስስ። 6650 ኪሎ ሜተር ንወሓትን ኣስታት 3,349,000 ትርብዒት ኪሎ ሜተርን ይሽፍን። ዋሕዚ ማያት ገለግ ኒል ታንዛንያ፡ ብሩንዲ፡ ርዋንዳ፡ ከንያ፡ ኡጋንዳ፡ ሱዳን፡ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ደሞክራቲክ ረፑብሊክ ኮንጎ፡መስኖኣዊ ልምዓት ግብጺን ዘጠቃለለ እዩ። ፈለግ ኒል ቅድሚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምፍሳሱ ካብ ዝምንጭወሎም ቦታት ምርኩስ ብምግባር፡ ክልተ ጨንፈራት ኣለውዎ። ንሳቶም ድማ ጻዕዳ ኒል ካብ ቀላይ ቪክቶርያ ዝምንጩ፡ እቲ ካልእይ ድማ ሰመያዊ ኒል ካብ ቀላይ ጣና ኢትዮጵያ ዝምንጩ እዮም። ብሉ ኒል ኣብ ግዜ ክረምቲ 80% ምንጪ ማይ ፈለ ኒል ይሽፍን። ሰመያዉ ኒል ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣዝዩ ፍርያም ዝኾነ ሓመድ ካብ ኢትዮጵያ ብምጉሕጛሕ፡ ሕብሪ ናይቲ ማይ ቡናዊ ወይ ሓውሲ ጽልም ዝበለ ሕብሪ ስለዝህቦ እዩ።

ግብጺ ስለምንታይ ትዕገግር፡ ግብጺ ኣብ ምድረበዳ ሰመናዊ ኣብፍሪቃ ዝተደኮነት ሃገር እያ። ንዝስተ ማይን ሕርሻን ድማ ኣብ ፈለግ ኒል ትምርኮስ። ስለዚ’ዮም ድማ ፈልግ ኒል ሂወት ግብጺ ኢሎም ዝሰምይዎ። ኣብ 1970 ኣስዋም ዝብሃል ዲጋ ድሕሪ ምህናጾም ዳርጋ ማያት ብሉ ኒል 100% ክጥቀሙሉ ክኢሎም። ብሉ ኒል ኣዝዩ ሓጺር ጉዕዞ ሰንጢቁን 59% ናቲ ዝመንጨወ ማይ ኣብ ግብጺ ከምዝበጽሕን፡ ዝያዳ ኣገዳሲ ካብ ጽዕዳ ኒል ይገብሩ። ብሉ ኒል ንሱዳን’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከም ብዓል ዲጋታት ርሰርስን ስናርን ዝዓመሰሉ ኣስታት 80% ጽዓት ዝፍርዩ ብማያት ፈለግ ኒል እዩ። ብተወሳኺ ድማ ሱዳን ኣብ ጀዚራ ዝብሃል ልሙዕ ቦታ ጡጥ ከተፍርን፡ ከምኡ’ውን ስርናይን መራብሒ ዘበታዊ እንስሳን ንክትውንን ምንጪ ዝኾና ብሉ ኒል እዩ። እሞኸድኣ ብሉ ኒል ማይ ጥራይዘይኮስ ማዕድናትን ስቡሕ መሬትን ህዝቢ ኢትዮጽያ ጋሕጊሑ እንዳኸደ፡ ንስኹም ዓይንኹም ዓሚትኩም ጥመዩ ንሕና ድማ ብማያትም ክንድረር ፍትሕዶ ይመስል ወላስ ወራር፣ መልሲ ናባኹም ይገድፎ። መልስኹም ግብጻውያን ይግብኦም እንተኾይና፡ ኢትዮጵያውያን ድማ እቲ ብማይ ብሉ ኒል ዝርከብ ምህርቲ ይምልከቶም ማለት እዩ።

ዓቢ ግድብ ሕዳሴ ኢትዮጵያ፡ ግድብ ሕዳሴ ኣብ ትሕቲ ስሕበት ብሉ ኒል ዝርከብ ኮይኑ፡ ገለ ካብቶም ዓበይቲ ራእይ ናይ ነፍስሄር ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ እዩ። ቀዳማይ ምኒስተር ነበር መለስ ዘናዊ እዛ ትስዕብ ጭርሖ ነራቶ “ብዘይካ ጥሜት ጸላኢ የብልናን”። ግድብ ሕዳሴ ኣብ ቤትሻንጉል ዝብሃል ከባቢ ካብ ዶብ ሱዳን ኣስታት 15 ኪሎ ሜተር ርሒቆ ይርከብ። ካብ 2011 ጀሚሩ ኣብ ምህጽ ይርከብ። እዚ ህንጻ ምስ ዝዛዘም 6.45 ጂጋ ዋት ጽዓት ከፍሪ ትጽቢት ይግበረሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝብአየ ኣብ ዓለም ድማ መበል ሻብዓይ ደረጃ ብማያዊ ስርሕ ጽዓት ዘፍሪ ትካል ክኸውን እዩ። እዚ ግድብ ምስ ዝህነጽ ማይ ብሉ ኒል ክንኪ ስለዝኽእል ክህነጽ የብሉን ኢላ ትምጉት ግብጺ። ሱዳን ዝርከብወን ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ቻይናን ጣልያንን ድሚርካ እቲ ግድብ ክስራሕ ከምዘለዎ ይድግፋ።

ንሕና ኤርትራውያንከ መትከልና ኣበይ እዩ፣ ኣነ ብወገነይ ከም ኣዳላዊ ናይዛ ጽሑ መሰረት፡ እዚ ግድብ ክስራሕ ይድግፍ እየ። ምኽንያቱ ድማ ነፍስ ወከፍ ሃገራት ኣብ ዓደን ዘሎ ባህርያዊ ጸጋታት ተጠቂመን ንህዝበን ዝዕንግላን ዘነባብራን። በቲ ብወሳኺ ድማ ኣብ ጎረበት ሃገር ሕሱርን ብርኩት ጽዓት ክፈሪ እንተክኢሉ ተረባሒ እየ። ስለዚ ግብጺ ኣነ ጥራይ ይምበር ዝብል መጎተን ኣትሓሳስባን ኣቃሪጻ ክልተና ንምበር ዝብል ሓሳብ ሒዛ ትቅረብ። ንክልቲአን ሃገራት ከርብሕ ዝኽእል ኢትዮጵያ ነቲ ዲጋ ንጽዓት ጥራይ ክትጥቀመሉ ብምኻና ግብጺ ውን ተረፍ ማይ ክመጻ እዩ።

ስለዚ ኢትዮጵያውያን ድማ ቀይሕ ባሕሪ ባህርያዊ ጸጋ ናይ ኤርትራ ምኻኑ ኣሚንኩም፡ ብኸመይ መንገዲ ንክልቲኡ ህዝቢ ከርብሕ ከምዝኽእል ምሕሳብ የድልየኩም። ብሰላምን ስምምዕን ኣብቲ ከባቢና ዘሎ ጸጋታት ንኹልና ከነባብረና ዝኽእል እዩ።

Related posts

Leave a Comment