መድሕን ጥዕና ኣብ ስዊዘርላንድ

መድሕን ጥዕና ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ኣብ 2020?

ጥዕና ንኩሉ ሂወት ዘለዎም ብፍላይ ንወድሰብ ካብቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ጉዳይ እዩ። ኣብ ምዕቡል ክፋል ዓለምና ዝነብር ህዝቢ ንሂወቱ ዝተፈላለዩ ናይ ውሕስነት ኪዳን ማለት ኢንሹራንስ ስምምዕ ብምግባር ከይተሰከፈ ይነብር። ብዙሕ ዓይነት ኢንሹራንስ እኮ እንተሃለዎ ኣብዛ ዓምድ ግን ብዛዕባ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላን ኣብ 2020 ከመይ ከምዝመስል ክንርኢ ኢና። ብመሰረት ምኒስትሪ ጥዕና ኣቶ ኣልያን በርሰት ምስ መራኸቢ ብዙሓን ብዝገበሮ መልክዕ ሓድሽ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ኣብ 2020 ብማእከላይ ገምጋም 0.2% ክብ ክብል ምኻኑ ሓቢሩ። እዚ ድማ ብመንጽር ኣሃዝ ክርአ እንከሎ 315.40 ስዊስ ፍራንክ እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዝሕጉስ እዩ ይብል ምኽንያቱ ካብቲ ቅድሚሕጂ ብናህሪ ዝግበር ዝነበረ ናይ ዋጋ ምድያብ ብዘገምታ ከምዝኸይድ ምግባርና። ብመልክዕ ካንቶናት ምስንርእዮ ኣብዘን ዝስዕባ ካብቲ ዝነበሮ 1.5% ክጎድል እዩ። ዙሪኽ፣ ኣርጋው፣ ባዝል-ሽታት፣ ዙግ፣ሉዘርን፣ ሻፋውዘን፣ በርን፣ ቫድ፣ ሽቭይዝ፣ሶሎቶረን። ብኣንጻሩ ኣብ ካንቶን ተሲኖ፣ ቫሊስ፣ ግራውቡንደን፣ ኣፐንሰለር-ኣውሰርሆርድ ካብቲ ዝነበሮ ናብ 1.5% ወሰኽ ክገብር እዩ። እቲ ዝልዓለ ወሰኽ ኣብ ካንቶን ኖይሻትል ብ2.9% ክብርኽ ምኻኑ ይሕበር። እቲ ቀንድ ምኽንያት ኣብ ካንቶን ኖይሻትል ዋሕዲ ነበርትን ፋይናንሳዊ ኩነታት ትካላት ጥዕና ኢንሹራንስ ኣብቲ ካንቶን ዝርከባ ኣብ ቀይሕ መስመር ምህላወን እዩ።

ብመንጽር ውልቀሰብ ምስንዕዘብ ድማ ኣብ ክሊዕድመ ነበርት ይምርኮስ። መንእሰያት ኣብ መንጎ 19 ክሳብ 25 ዘለዉ ናብ 265.30 ስዊስ ፍራንክ ክወርድ እዩ። እዚ ድማ 2% ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ክወርድ እዩ። ብእንጻሩ ካብ 26 ንላዕሊ ዕድሚኦም ንዘለውዉ ኣስታት 374.40 ስዊስ ፍራንክ ክኽፍሉ እዮም።

Related posts

Leave a Comment