ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ

swiss

ስዊዘርላንድ ንምምዕባል ዓቅሚ ሰብ ኣብ ኤርትራ ዝውዕል ባጀት ሰሊዓ

ስዊዘርላንድ ንተኸታታሊ ሰለስተ ዓመታት ዝካየድ ኣብ ኣብ ስብኣዊ ምምዕባል ዓቅሚ ሰብ ዝውዕል ኣስታት ሽድሽተ ሚልዮን ዶላር ሰሊዓ ትርከብ። ሰብ መዚ ወጻኢ ጉዳያት ስዊዘርንድ ከምዝሓበርዎ መጠን፣ እቲ መደብ ምትሕብባር ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ወን ከስፋሕፍሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣተንቢሁ። እዚ መደብ ድማ ንኤርትራውያን ምአንእሰያት ኣብ ዓዶም ብሞያ ዝዕብዩሉ መዳይ ምፍጥርን ብኡ ኣቢልካ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስትታ ዘሎ ምትኣምማን ምዕባይ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተኻየዱ መደባት ኣብቶም ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ኣተኪሮም ከምዝሰርሑን ይጽብጽቡ። እቲ መደብ ንክልተ ዓመት ካብ 2017 ጀሚሩ ከምዝተሰላሰለን ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ዶላር ከምዝውድአን ይገልጹ።(ምንጪ swissinfo.ch )

ሽፍትነት መራሕቲ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ክጎሊ ሕጀሚሩ

ሽፋቱ መራሕቲ ኤርትራ ሽፍትነቶም ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ክጎልሕ ጀሚሩ። በትሪ ሓቂ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን። ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣቢሉ ፖሎቲከኛታት ሃገር ስዊዘርላንድ ብፍላይ ድማ ኣባላት ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ስዊዘርላንድ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራ ኣዝዩ ኣሉታዋ ዝኾነ ኣርኣእያን ጽልእን ስለዝነበሮም፣ ጉዳይ ስደአታኛታት ኤርትራ ፖሎቲካዊ ዘይኮነስ ቁጠባዊ እዩ ንምባል ምስ ሸፋቱ ስርዓት ኣስመራ ብዙሕ ውዲትን ጸለመን ገሮም እዮም። ኣብቲ እዋን ኣነ ብወገነይ ኣብቲ ዘውረድዎ ሓበረታ ብጽሑፍ መልክዕ ካብ ሸፋቱ ህግደፍ ተምህርት ክምሃሩ ምኻኖም ኣተንቢሀ ነረ። ነዚ ክጽሕፍ ዘንቀለኒ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ፈደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ ንኣቶ ዑስማን ሳልሕ ተደጋጋሚ ናይ ዕድመ መልእኽቲ ሰዲድሉ ብዛዕባ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ዝቅመጡ ንምምላሶም ብዝምልከት ንክዛተዩ። እንተኾነ ግን ስርዓት ህግደፍ ጸማም እዝኒ ብምሃብ ኣስቂጡ ድሕሪ ምጽናሕ ብመንገዲ ዕስማን ሳልሕ ኣቢሉ ኣብ ከተማ በርን ዝተገብረ ፈስቲቫል ህደፍ ንፕሮፖጋን ንስዊዘርላንድ ብሕጋ ኣትዩ። እዚ ባህርያት ህግደፍ ንመራሕትን ህዝብን ስዊዘርላንድ ኣዝዩ ኣቂጥዕዎም ይርከብ። ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ስዊዘርላን ብብዝሖም ኣብቀዳማ ደረጃ ይስርዑ። ብዛዕባ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ሃገሮም ዝምለሱሉ ምስርሕ ንምዝታይ ግን መራሕቲ ኤርትራ ብምስቃጥ ዘይቅሩብነቶም ምግላጽ ንመራሕቲ ስዊዘርላንድ ከያስደመሞም ኣይተረፈን። እቲ ዝያዳ ዘገርም ድማ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዕቅባ ሓቲቶም ካይተርፍ ነቲ ውልቀ መላኺ ዘሳሲ ፈስቲቫል ገሮም ንኣቶ ኦስማን ሳሊሕ ዕዲሞም ፕሮፓጋንዳ ክነዚሕ ምምጽኡ እዩ። ኣቦታትና ክምስሉ ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ይወርዳ ይብሉ።

Related posts

Leave a Comment