ስድራቤት

ስድራቤት

ስድራቤት እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት መብዛሕትኡ እዋን ስድራቤታት ኣቦ፣ ኣደ፣ ውሉዳት ዝሓቆፋ እየን። ኣብሓጎታት ወይ እኖሓጎታት ዝኽእሉ እንተኮይኖም ንበይኖም እዮም ዝነብሩ። እንትድኣ ደኺሞም ዓቅሚ እንተስኢኖም ክሳብ ግዜ ዘልኣለማዊ ዕረፍቶም ድማ ኣብ እንዳ ዓበይቲ ዝእለዩሉ ይቅመጡ። ይኹንምበር ኣብዚእዋን ካልኦት ዓይነት ስድራቤታት ማለት ንጽል ወለዲ ዘለወን ስድራቤት፣ ስበይቲ ኣቦ ወይ ድማ ሰብኣይ ኣደ ዘለወን ስድራቤት፣ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ወለዲ ብሓንሳብ ዘይነብሩለን ስድራቤት እንዳ ወሰኻ ይኸዳ ኣለዋ።

ኣብ ገለ ባህልታት ልሙድ ዝኾነ ድማ ንኻልኦት ኣባላት ቤተሰብ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ዝስካም ስድራቤት  ምህላው እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰላ ስድራቤታት ኣብሓጎ ወይ እንሓጎታት ብደቆም ይእለዩ። ምስቶም ርሕቅ ዝበሉ ኣዝማድ ድማ ዝቀረበ ርክብን ናይ ምትሕግጋዝ ሓላፍነትን ይህልዎም። ንኣብነት፣ ኣባላት ናይ ሓንት ስድራቤት ንደቂ ሓዎም ወይ ብርሑቅ ኣዝማዶ ብምድጋፍ፣ ብምዕባይ፣ ንመምሃሪኦም ዝኸውን ሓገዛት ብምብርካት ብመንፈስን ኣካል ኣብጎኖም ደው ይብሉ። ኣብዚ መርበብ ሓበረታና ዝያዳ ነተኩረላ ስድራቤት ድማ ከምዚኣ ዓይነት እያ።

Related posts

Leave a Comment