ሰብ ሓዳር ገንዘብ ከመይ ገሮም የካውኑ?

ስድራቤት፣ ገንዘብ

ሕጉስቲ ስድራቤት ከመይገራ ገንብ ተካውን

ኩላትና ንስድራቤትና ዘድልዮም ምእንቲ ክነማልአሎም ገንዘብ የድልየና። ምኽንያቱ ገንዘብ ዕቅባ ይኾነና እዩ። ከም ሰብ ሓዳር መጠን ብዛዕባ ገንዘብ ምዝርራብ ኣጸጋሚ ክኸውን ዝኽእል እካ እንተኾነ፡ ጉዳይ ገንዘብ ኣብ ሓዳርኩም ጸገም ከምጽእ ኣይተፍቅዱሉ። ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ገንዘብ ክውስንኑ እንከለዉ፡ንሓድሕዶም ክትኣማመኑን ሓቢሮም ክዓዩን ኣለዎም። ምኽንያቱ ነቲ ሓደ ዝተኸወሎ ኣርባሒ ዕድላት ነቲ ካልእ ክብርሃሉ ስለዝኽእል ምዝታይ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ስለዚ እስኪ ነዘን ዝስዕባ ኣገባብ ንልከት፡

1.ተጠንቂቅካ/ኪ መደብ ኣውጽኣሉ/ሉ፡መን ካባኻትኩምከ ገዛ ወይ ዝኾነ ዝምነዮ ክሃንጽ ደልዩ ግን ዝኣክል ዘለዎ፡ ኣቀዲሙ ከፍ ኢሉ ጸብጻብ ዘይካይድ? ንኣጠቃቅማ ገንዘብ ብዝምልከት፡ ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ከንኩም መደብ ክትውጽኡሉ ኣገዳሲ እዩ። እንታይ ክትዕድጉ ከምዘድልየኩምን ክንደይ ክትወጽኡሉ ዓቅሚ ከምዘሎኩምን ውስኑ። ገለ ነገር ንምዕዳግ ገንዘብ ስለዘሎኩም ጥራይ ኣይትዓድጉ። ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ከይትእትዉ ተጠንቂቅኩም ዓቅምኹም ጥራይ ዓድጉ።

  • ኣብ መወዳእታ ወርሒ ገንዘብ እንተ ተሪፍኩም፡ ኣንታይ ምእትገብርዎ ሓቢርኩም ወስኑ።
  • ገንዘብ እንተ ሓጺርኩም፡ ወጻኢታትኩም እትንክዩሉ ንጹር መደብ ሓንጽጹ። ንኣብነት ኣብ ክንዲ ቤት መግቢ ትምገቡ፡ ኣብ ገዛኹም ከሽንኩም ብልዑ።

2.ብግህዶ ተዘርአቡ፡ ዓቅምኹም ፍለጡ፡ ከምቲ መጽፍቲ ቃል ሂወት ዝብልዎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቅድሚ ደቅ ሰባት’ውን ብቅንዕና ቅረብ። ስለዚ ምስ መጽምትኹም ብዛዕባ ኣታዊታትኩምን ወጻኢታትኩምን ብቅንዕና ተዘራረቡ። ምስ ገንዘብ ዝትሕሓዝ ዓበይቲ ውሳኔታት ክትገብሩ እንከሎኹም ምስ መጻመጻምትኹም ተማኸሩ። ኢሂን ሚሂን ትብሉ እንተንኩም ሰላም ዘለዎ ሓዳር ክህልወኩም እዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣታዊኻ/ኺ ከም ናይ ውልቂ ዘይኮነስ ከም ናይ ስድራ ገርኩም ምስትርእይዎ፡ ሕጉስ ናብራን ሓዳርን ክህልወኩም እዩ።

  • ብዛዕባ ገንዘብ ንምዝርራብ፡ ጸገም ክሳብ ዝልዓል ኣይትጸበዩ።
  • በብውልቅኹም ብዛዕባ ክትቅጽእዎ ትኽእሉ ገንዘብ ተዛተዩን ተሰማምዑን።

ብዛዕባ ገንዘብ ዘሎኩም ኣርኣእያ እንታይ ይመስል፡ገንዘብ ኣገዳሲ እካ እንተ ኾነ፡ ንሓዳርኩም ንፋስ ከይእትወሉ ወይ ኣብ ዘይተደልየ ጭንቀት ከይጥሕለኩም ዕድል ኣትሃብዎ። ሕጉሳት ንኽትኮኑ ናይ ግድን ኣይኮነን ብዙሕ ገንዘብ ድልየኩም። ካብ ኩሉ ስስዕ ርሓቅ። እቲ ገንዘብ ክዕድጎ ዝኽእል፡ካብ ሓዳርካ ኣይበልጽን እዩ። ስለዚ በቲ ዘሎካ ዕገብ፡ ምስ ኣምላኽካ ዘሎካ ርክብ ኣትብተኽ። ሓጎስ ድማ ክፈጥረልኩም እዩ። ንርእስኹም ድማ ከምዚ ኢልኩም ሕተትዋ?

  • ኣብ ዕዳ ምእንት ከይእቱ ብረጃ ስድራቤት እንታይ ክግበር ኣለዎ ኢልካ ንነፍስኻ/ኺ ሕተ/ቲ?
  • ኣነን ብዓልት ቤተይን ብዛዕባ ገንዘብ ብግህዶ ካብ ዘይንዘራረብ ክንደይ ገርና?

Related posts

Leave a Comment