ስነፍልጠት ንሂወትና ብኸመይ ይልዎ

ሮበት ናይ ህዋ

ስነ-ፍልጠት እንታይ ማለት እዩ

ብመሰረት መዝገበ ቃላት፡ ስነ-ፍልጠት ኣብ ትዕዝብቲ፡ ምኮራን ምልካዕን ተመርኪሱ ብዛዕባ ተፈጥሮን ጠባይን ዩንቨርስ(ብልሙድ ኣዘራርባ ህዋ) ዘጽንዕ ዓውዲ እዩ። ነዚኹሉ ንምግባር ሓያል ጻዕሪ ዝሓትትን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ተስፋ ቅርጽን እዩ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ምርምርን ምልካዕን ንምግባር ሶሙናት ኣዋርሕን ከይተረፈ ዓመታት’ውን ይወስደም እዩ። ስነ-ፍልጠት እንታይ ምኻኑ ንምርዳእ ኣብ ከባቢኻ ቁሊሕ በል። እንታይ ትርኢ ኣሎኻ፣ ኮምተር፡ ነፈርቲ፡ ማሽናት፡ አለትክ ወዘተ ። እዞም ኩሎም ዝጠቀስናዮም እምብእር ወጽኢት ናይ ስነ-ፍልጠት እዮም። እንተኾነ ግን ስነ-ፍልጠት ንክትምሃሮ ካብቶም ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ ፈተና ዝተመርኮሰ ምኻኑ እዩ። ስነፍልጠት ነዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ብቅልል ዝበለ ንምንባራ ዝሕግዝ ተክኖሎጂ ከምዝህሉ ገሩ። ስነ-ፍልጠት ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ዘለዎም ዓውድታት(ጥዕና፡ ኣከባቢ፡ ባህርያዊ ሓደጋታት) ንምምሃር ይሕግዘና። ስነ-ፍልጠት ኣብ ገለ እዋናት ወላእኮ ፍሽለት የጋጥሞም እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቅ ሰባት ዝጠቅሙ ኣገደስቲ ነገራት ይቅርቡ እዮም። እስኪ ገለ ኣብነታት ንርአ።

ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ ትርከብ ኩባንያ ተሪር ፕላስቲክ ምስ ምዕቡል መጻርይ ብምልጋብ፡ ብሰንኪ እተበከለ ማይ ዝመጽእ ሕማማት ንምክልኻል ዝጠቅም መጻረዪ መሃዙ። ከምዚ ዓይነት መጻርይ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሎም ቦታት ኣብ ግብሪ ውዊሉ እዩ።

ምህዞ ሞባልይል፡ኢንተርነት፡ ጂፒአስ ንዓለምና ኣብ ቂሾት ክቅይርዋ ካብ ዝሓገዙ ኣዝዮም ዓበይቲ ምህዞታት እዮም። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ድማ ነዞም ምህዞታት ብኸመይ ኣገባብ ትጥቀመሎም እዩ። መብዝሕትአን ሃገራት ተረባሕቲ ናዚ ምህዞ ክኾና እንከለዋ፡ ሕብረተሰብ ናይ ገለ ሃገራት ግን ብእንጻሩ እዩ። በዝይ ስነ-ፍልጠት አዛ ምዕብልቲ ዓለም ኣብዚ ምዕባል ክትበጽሕ ኣይምክኣለትን ነራ።

ድሩትነት ዘመናዊ ስነፍልጠት

ዘመናውያን ተመራመርቲ ስነፍልጠት ፍልጠም ዝያዳ ንምስፋሕ ብዛኦባ ተፈጥሮ ኣዕሚቆም ይጽዕሩ ኣለዉ። ተመራመርቲ ስነ-ጠፈር ኣጀምራ ዩንቨርስ ንምርዳእ ዘይሕለል ጻዕሪ ኣብምክያድ ይርከቡ። ከምኡ’ውን ነዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም መብረ ክትከውን ትኽእል ፕላነት ንምርካብ ትካላት ምርምር ጠፈር ናሳ፡ አሳ ዝኣመሰላ ተኸታታልቲ ሰተላይት ናብ ጠፈር ብምስዳድ ምርምር የካይዳ ኣለዋ። ይኹን እምበር ኣብ ስነፍልጠት ዘደንቅ ዕቤት እኮ እንተ ተረኽበ፡ ሓያሎ ተመራመርቲ ስነፍልጠት ግን ገና ዘይተበጽሐን ምናልባት ከፍለጥ ዘይክኣልን ብዙሕ ነገራት ከምዘሎ ይእመኑሉ እዮም። እቲ ሓቂ እምብኣር ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ ተፈጥሮ ካብቲ ዝደቀቀ ዋህዮም ክሳብ እቲ ዝሰፈሐ ህዋ፡ ገና ዘይበጽሖ ነገራት ኣለዉ። ነዘን ዝስዕባ ኣብነታት ድማ ነስተብህለለን።

ተመራርቲ ስነሂወት ነቲ ኣብ ህወታዊ ዋህዮ ዝካየድ ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን እዮም። ንእብነት ሓንቲ ሂወታዊት ዋህዮ ከመይገራ ጽዓት ክርምዝህልኹ፡ ፕሮቲን ብኸመይ ከምዘፍርዩ ንዝልዓሉ ሕቶታት ክሳብ ሕጂ ምሉእ መልሲ ኣይረኸቡሉን።

ስነፍልጠትን ሃይማኖትን

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ነቲ ኣብ ዩንቨርስ ዝርከብ ክርአን ክጭበጥን ዘይክኣል ነገራት ኣዕሚቆም ስለዝምርምርዎ፡ ገለ ኻብኣቶም፡ እቲ ኣ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተጠቂሱ ዚርከብ ኣምላኽ ብሓቂ እንተዝህሉስ ምረኽበ ነሩ ዝብል ኣትሓሳስባ እዩ ዘለዎም። ሕሉፍ ሓሊፎም ገሊኦም ህቡባት ተመራርቲ ስነ-ፍልጠትን ፍላስፋታትን ነቲ ኣንጻር ህላወ ኣምላኽ ዝኹንን ስነ-ፍልጠታዊ መርትዖ ዝብል ብዛዕባ ስነ-ፍልጠት ዝጽሕፍ ደራሲ ኣሚር ኣክዘል ዘቅርቦ ሓሳብ ይርዕሙሉ እዮም።ንኣብነት እቲ ኣብ ዓለምና ውሩይ ናይ ፊዚክስ ሊቅ”ኣብ ህዋ ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ህላወ ኣምላኽ ዘርኢ መረጋገጺ ክረክብ ዘይምኽኣሉ፡ ኣምላኽ ከምዘየሎ ዘርኢ መርትዖ እዩ”በለ። ካልኦት’ውን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዝርከብ ግብርታት ኣምላኽ ሽሕር ወይ’ውን ልዕሊ ባህርያዊ ሽጣራ ከምዝኾነ እዮም ዝገልጹ።

ይኹን እምበር ተመራርቲ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ መደምምታ ክህቡስ ብሓቂዶ ኩሉ ተመራሚሮም ስለ ዝበጽሖዎ ይኸውን፣ ዝብል ሕቶ ክልዓል ባህርያዊ እዩ። እቲ መልሲ ድማ ባዕላቶም’ውን ዝምልስዎ እዩ። ንሱ ድማ ኣይፋሎምን። ኣብ ስነ-ፍልጠት ወላ’እኮ ዘንቅ ዕቤት እንተ ተበጽሔ፡ ሓያሎ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ገና ዘይተፈልጠን ዘይተበጽሐን ምናልባት’ውን ክፍለጡ ዘይክኣሉ ነገራት ከምዘለዉ ይኣምኑ እዮም። ንኣብነት እቲ ፍሉጥ ሊቅ ናይ ፊዚክስ ተሸላሚ ኖበል ዝኾነ ስቲቨን ብወገኑ ተፈጥሮ ፈጺምና ክንርድኦ ከምዘይንኽእል ኣተንቢሁ። እቲ ሓቂ እምብኣር ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ ተፈጥሮ ካብቲ ዝደቀቀ ዋህዮ ክሳብ እቲ ገዚፍ ህዋ፡ ገና ክብጽሖ ዘይክኣለ ነገራት ኣለዉ።

Related posts

Leave a Comment