Blog

አገዳሲ ሓበሬታ ንተቀማጦ ሃገረ ስዊዘርላን ገደብ ምቅያር ባጠራ

swiss francs

አቀዲመ አብ ሂወትኩም ጥዕና አብ ናብራኹም በረኸት ምስ ስድራቤትኩም ፍቅርን ስኒትን ይምነየልኩም። ቀጺለ ድማ ከምቲ ዝፍለጥ አብ ሃገረ ስዊየርላንድ ሓድሽ ባጠራ ካብዝዝርጋሕ ዳርጋ ክልተ ዓመት አቅጺሩ አሎ። ክሳብ ሕጂ ድማ እቲ ገዲም ባጠራ አውቶ ማቲካሊ ካብ ባንኪ ካብ ትካላት ብመንጽር ማልስ፣ ካብ ወሃብቲ ስራሕ ድማ ብመንጽር ዶሞዝ ብብእዋኑ ንቅበሎ ነርና። እንተኾነ ግን ምናልባት አቀዲምና ዝሓዝናዮ ገዲም ባጠራ ክህልወና ስለዝኽእል፤ ምዕንታን ሕሳብና ክንገብር ካብ ዕለት 30.04.2021 አብ ዝኾነ ቦታ ተቀባልነት አይክህልዎን እዩ። ስለዚ ገዲም ባጠራ ናይ ስዊዘርላንድ ዘሎኩም ቀድሚ’ዚ አብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ንክትቅይርዎ ብልቢ ነዘኻኽር። ብመሰረት ጸብጻባት ፈደራላዊ ባንኪ…

Read More

ስድራቤት ምሰረት ፍትሓዊ ምሕደራ

ኣብ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት እሞኻኣ ቅድሚ ምዕራባውያን ፈደራላዊ ምሕደራ ይኽተሉ ምንባሮም ገለ ናይ ታሪኽ ሰነዳት ይሕብሩ። ግደ ሓቂ ኣብ ባህርያዊ ተፈጥሮና ምልስ ኢልና ምስንዕዘብ ኣህዛብ መጀመርታ ኣብቲ ዝነብሩሉ ቦታ ምስቲ መነባብርኦም ዝሳነ ሕጊ ኣውጺኦም ይካየዱን ይነብሩን ነሮም። ናይ ካልኦት ወራርን ዝምታን እናብዝሔ ኣብዝኸደሉ እዋን ድማ ንጸላእቶም ንምምካት ናይ ሓባር ኪዳን ይምስርቱ ነሮም። ብኸምዝን ካልእ ኣገባብን ድማ ካብ ስድራቤት ናብ ዓድታት ካብ ዓድታት ድማ ናብ ወረዳታት ኮታስ ኣውራጃታት እንዳ ዓበየ ከይዱ። ቀጺሉ ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ሃገራት ቀመን። ስለዚ እቲቀንዲ መሰረት ናይ ሓንቲ ሃገር ስድራቤት ካብ ኮነ፡ ስድራቤት ብሞራልን ስነምግባርን…

Read More

ኤርትራ ፈደራልዊ ምሕደራ ትኽተል እንተትህሉ ጉጁለ 15 ምተበልዑዶ፣

map of eritrea

ፈደራላዊ ምሕደራ ማለት ስርዓተ ምሕደሕደራ ንሃገራዊ ስልጣን ኣብ መንጎ ሃገራዊ ምንግስትን ኣከባብያዊ መንግስትን ዘመቃረሐ እዩ። ርክብ ናቶም መንግስትታት ወይ ኣማሓደርቲ በቲ ማእከላይ ወይ ሃገራዊ መንግስቲ ዝተጠምረ እዩ። ገለ ክፋል ናይ ህዝባዊ ንጥፈታት ኣብጥሕቲ ምሕደራ ወይ ቁጽጽር ሃገራዊ መንግስቲ ክኾኑ እንከለዉ፣ ገለ ክፋል ናይ ህዝባዊ ንጥፈታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከባብያዊ መንግስቲ ወይ ምሕደራ ይከየዱ። ንፍስወከፍ ምሕደራ ኣየኖት ንጥፈታት ከካይድ ይፍቀዶ ኣብ ፈደራላዊ ቅዋም ሰፊሮም ይርከቡ።  ፈደራላዊ ስርዓተ ምሕደራ ልዕሊ ማንም ግዜ ባይታን ተቀባልነትን እንረኸበ ይኸይድ ኣሎ። መብዝሓትአን ብጆግራፍያዊ ኣቀማምጣ ዕቤት ዘለወን ሃገራት ንቻይና ገዲፍካ ፈድራላዊ ስርዓተ ምሕደራ እየን ዝኽተላ። እዚ…

Read More

ኣገዳሲ ሓበሬታ መንበሪ ፍቃድ”F” ዝሓዙ ወጻእተኛታት ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ

ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ንወጻእተኛታት ነበርቲ ይኹን ዕቁባ ሓተቲ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ናይ መንበሪ ፍቃድ ይውሃብ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ ድማ፣ G, L, B, F, C. ብዛዕባ ዝርዝራቶም ኣብ ቀጻሊ ክነቅርበልኩም ኢና። ንሎሚ ብዛዕባ መንበሪ ፍቃድ “F” ዝምልከት ክንጽሕፍ ኢና ምኽንያቱ ብዛዕብኡ ዝምልከት እዋናዊ ሓበረታ ወጺኡ ዝለዘሎ። እዚ ዓይነት መንበሪ ፍቃድ ግዝያዊ ኮዩ ነቶም ዕቁባ ዝሓቱ ወጻእተኛታት ናይ ዕቅባ ጥርዓኖም ተቀባልነት ዘይረኸቡ ግን ክኣ ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ናይ ጥዕና ወይ ውሕስነት ዘይምርካብ ክምለሱ ዘይክእሉ ዝውሃብ እዩ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ብዛዕባ ወጻእተኛታት ነበርቲ ስዊዘርላንድ “F” መንበሪ ፍቃድ ንዝሓሱ ብዝምልከት ናብ ሃገሮም ንኸይገሹ ዝክልክል እዩ።…

Read More

ድርብ ዕያር ፖሎቲካዊ መንነት ኤርትራውያን

ከም ኩሉ ህዝብታት ዓለም እዚ ሕጂ ኤርትርዊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ህዝቢ ናይ ባዕሉ ኣመጻኣን መስርሕ ፍልቀትን ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ታሪክ ናይዛ ንነብረላ ዓለም ህዝቢታት እናተጓዓዙን እናሳገሙን ኣብ ክነብረሉ ንኽእል ኢና ዝበሉዎ ቦታን ክነብሩን ክዓርፉን ተፈጥራዊ ሕጊ እኳ ክብሃል እንተዘይተኻእለ ዉድዓዊ ክዉንነት ኢዩ። እዚ ክኣ ህዝብታት በብዝመጽሉ ኣብ ሓደ ከባቢ ናይ ምዕራፍ ድሌታት ምስዝነብሮም ክራጸሙን ክጋጨዉን ንቡር ይገብሮ ህዝቢ ኤርትራዉን ነዚ መስርሕ ሓሊፉ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ክዉንነት በጺሑ ኣሎ።ህዝብታት ኣፍሪቃ ቅድሚ መግዛእቲ ምዕራባዉያን ኣብ ልምድን እምነትን መንነትን ዝተሰረተ ጥበብ ኣነባብራ ከምዝነበሮም ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ ተፈጥሮ ዉን ዘገድዶ ኢዩ። እዚ…

Read More

መንግስቲ እንታይ ማለት እዩ?

ሓፈሻዊ መብዛሕትኦም ሰባት ዝሰማምዑሉ ዝተወደበ ምንግስቲ ኣብዘይ ህልወሉ እዋን ህዝቢ ዘይጥጡሕን ዘይምችእን ኣብ ሁወትን መነባብሮን ይሕልፍ። ብኸመይ ክምሓደሩ ኣለዎም ኣብዝብል ናይ ሓባር ርድኢት ንምርካብ ኣሸጋሪ እዩ። እንተኾነ ግን ኩሎም ሊቃውንቲ ፖሎቲካዊ ፍልስፍና ዝሰማምዑሉ ነጥቢ፡ ዕዮ መንግስቲ ማሕበራዊ ውዕል ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ንዝነብሩ ንምስላጥ እዩ ። ስለዚ ኣብ ሓንቲ ሃገር መንግስቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ዕድመ ታሪኽ ደቅ ሰባት ድማ ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ዓይነት መንግስትታት ምስ ኣውንትኦምን ኣሉትኦምን ተራእዮም እዮም። መብዛሕትኦም ዜጋታት ምዕራባውያን ሃገራት እቲ ዝሓሽን ዝተዋሕሰን ደሞክራሲ ምኻኑ ይሰማምዑ። 1. ንጉሳዊ መንግስቲ፡ እዚ ዓይነት መንግስቲ ስልጣን…

Read More

ሃጋፍ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከመይ ይመስል?

wordarts

ሃጋፍ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከመይ ይመስል? ብመሰረት መግለጺ ፖሎቲካዊ ስነፍልጠት ወይ ታሪኽ ፖሎቲካ ሃጋፍ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ማለት ነቲ ዝጎደለ ናይ ስልጣን ቦታ ዝትክኦ ወይ ድማ ዝቆጻጸሮ ክስኣን እንከሎ እዩ። እዚ ኩነታት ድማ ማእከላይ መንግስቲ ወይ ብዓል መዚ ኣብ ዘይብሉ እዋን የጋጥም። ነዚ ሃጋፍ ንምምላእ ድማ ብዝተፈላለዩ ወገናት ወይ ሓይልታት ቅድድም ግካየድ። እዞም ነዚ ናይ ስልጣን ሃጋፍ ክመልኡ ዝቀዳደሙ ድማ ወትሃደራዊ ዕጡቃት ክኾኑ ይኽእሉ። ጥንቂ ሃጋፍ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ኣብ ትሕቲ ወልቀ መላኺ ትምራሕ ሃገር ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ምስ ንዕዘብ፡ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ቅዋም ዘይብላ። እቲ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ብሞት…

Read More

ክሰርቀኒ ዝረአኽዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ ዝብል ምስላ ቀዳሞት።

ህግደፍ ራህዋ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ይምነ ምባሉስ ሌባ ጻድጽ ክብሃል ኣይግብኦንዶ፣ መጀመርታ ንዝኾነ ፍጡር ኣብዛ ዓለም ዘሎ ኣምላኽ ምሕረቱን ጥዕናን ከውርደሉ ይምነ። ቀጺለ ድማ ነዛ ጽሕፍተይ ካብ ሰይጣናዊ ተግባራት ህደፍ ኣብ ሂወተይ ካብ ዘጋጠሙኒ ዝተመርኮሰ ወስክብለኩም። እዋኑ 2003 ኣቢሉ ይኸውን ኣስታት 52000 ዝኾና ኣባግዕ ናይ ሃገረ ኣውስትራልያ ንመሸጣ ቀሪበን ነበራ። እንተኾነ ግን እተን ኣባግዕ ዝቅበለን ስኢነን ኣብ መርከብ ተወጢሐን ንኣዋርሕ ዝኣክል ከምጽንሓ ዝዝከር እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ብብዙሓት ሃገራት መንጸጊአን ድማ ብቫይረስ ዝተለኽፋ ሕሙማት ምንባረን እዩ። ኩሉን ሃገራት ዓለም ድማ ክሊ ግዝእተን ከይቅልቀላ ነጸግወን። እንተኾነ ግን እቲ ሰይጣናዊ ተልእኽዕ ዘለዎ…

Read More

ስዊዘርላንድ ንምቁጽጻር ኮሮና-ቫይረስ ሃገራዊ ድሕነት ኣዊጃ

ምሕጻብ ኢድ

ስዊዘርላንድ ምእንቲ ኮሮና-ቫይረስ ንምቁጽጻር ሃገራዊ ድሕነት ኣዊጃ ፈደራላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ሎሚ ሶኑይ 16.03.2020 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝገበሮ ኮንፈረንስ፣ ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ህዝባውያንን ብሕታውያንን ትካላት፡ ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከበሎም ማለት ኣብያተ መግቢ፡ ባራትን ካልኦት ናይ ምዝንጋዕ ማእከላትን ክሳብ ዕለት 19.04.2020 ከምዝዕጸዉ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብያተ ትምህርትን ዩንቨርስትታትን ከምዝትዓጽዋ ዝዝከር እዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ 2200 በዚ ቫይረስ ዝተለኽፎም ከምዘለዉን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዚሒ በዚ ቫይረስ ሄቶም ዝስኣኑ ድማ ናይ 20 ሰባት በሪኹ ይርከብ። ስለዚ ድማ ኣዝዩ ሓያል ስጉምቲ ንክወስዱ ዝተገደዱ። ብዘይካ ኣብያተ ሕብስቲ፡ ፖስት ኦፊስ፡ ባንክ፡ ትካላት ሃለኽትን ፋርስን ኩሉ ካብ ፍርቅለይቲ ዕለት…

Read More