ድርብ ዕያር ፖሎቲካዊ መንነት ኤርትራውያን

ከም ኩሉ ህዝብታት ዓለም እዚ ሕጂ ኤርትርዊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ህዝቢ ናይ ባዕሉ ኣመጻኣን መስርሕ ፍልቀትን ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ታሪክ ናይዛ ንነብረላ ዓለም ህዝቢታት እናተጓዓዙን እናሳገሙን ኣብ ክነብረሉ ንኽእል ኢና ዝበሉዎ ቦታን ክነብሩን ክዓርፉን ተፈጥራዊ ሕጊ እኳ ክብሃል እንተዘይተኻእለ ዉድዓዊ ክዉንነት ኢዩ። እዚ ክኣ ህዝብታት በብዝመጽሉ ኣብ ሓደ ከባቢ ናይ ምዕራፍ ድሌታት ምስዝነብሮም ክራጸሙን ክጋጨዉን ንቡር ይገብሮ ህዝቢ ኤርትራዉን ነዚ መስርሕ ሓሊፉ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ክዉንነት በጺሑ ኣሎ።
ህዝብታት ኣፍሪቃ ቅድሚ መግዛእቲ ምዕራባዉያን ኣብ ልምድን እምነትን መንነትን ዝተሰረተ ጥበብ ኣነባብራ ከምዝነበሮም ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ ተፈጥሮ ዉን ዘገድዶ ኢዩ። እዚ ካብ ኮነ ክኣ አቲ ኣመጻጽኡን ባህሉን እምነቱን ሓደ ዝኾነ ወይ ዝመሳሰል ህዝቢ ሓቢሩ ወይ ተቐራሪቡ ክነቢር ባህርያዊ ኢዩ። ህዚ ኤርትራዉን ካብዚ ክዉንነት ኢዚ ዝፍለ ድሕረባይታ ክህሉዎ ኣይክእልን።
ምዕራባዉያን ንግዝኣቶምን ስግኣት ተቛቁሞ ንምንካይን ክጥዕሞም ዝገበሩዎ ሓደ ህዝቢ ወይ ክኣ ተመሳሳሊ ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ጎጃጂሎም ጨፍሊቖም ክሕዙ ግዴታ ስለዝነበረ ገይረሞን ተዓዊተሙሉን ካኣ። ህዝቢ ኤርትራ ክኣ ግዳይ ናይዚ ካብ ሓዉኻ ተፈሊኻ ሰብዝሰርሖ ዶብ ገርካ ምፍልላይ ኮይኑስ ሓደ ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይነብር ኣሎ። ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን፡ ትግረ ኣብ ኤርትራን ኣብ ሱዳንን፣ ሕዳረብ ኣብ ኤርትራን ኣብ ሱዳንን፣ ዓፋር ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን፣ ኩናማ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን፡ ሳሆ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ብሌን ዉን ብመሬታዊ ዶብ ዘራኽብ እኮ እንተዘይብሉ ካብ ሓዉ ኣገው ተፈልዩ ኢዩ።
ቃልሲ ኤርትራዉያን ንላኣላዉነት ዝተሓላለኸን ኣብ ከይዲ ብዙሕ ለውጥታት ዝነበሮን ኢዩ፣ ምስ ኩሉ ሓርጎጽጎጹ ክኣ ነዛ ዘላ ኤርትራ ፈጢሩ ኣሎ። ነዛ ዘላ ኤርትራን ዘሎ ህዝባን ከምሃገር ክትቀዉም መሰረትዊ ክብርታትን ባህልን ህዝቢ ብዘይጎድእ መንገዲ ሃግራዊ ኣተሃሳባን ሃገራዊ ስምዒትን ኣዕቢኻ ከም ሃገርን ህዝብን ክትቅጽል ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ ግዴታ ዉን ኢዩ። ኣሰካፍን ክትኮረሉ ዘልዎን ድማ እቲ ዝድለ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከተማዕብለሉ ትኽእል መንገዲ ኣብ እንታይ ዝተሃንጸ ኢዩ ቀጻልነቱን ፍትሓዉነትንከ እንታይ ይመስል ዝብሉ ሑቶታት ክምለሱ ይግባእ።
ከምትዕዝብተይ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተወሰነ ደረጃ ኤርትራዊ ስምዒት ንምፍጥራ ኣብ እተን ዝተፈላለያ ቢሄራት ዝለዎ ዝምድናንን ተመሳሳልነትን ኣተኩሩ ኣብ ክንዲ ምስራሕ ኣብጽልእን ተወዳዳርነት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ክኣ ምስ ኢትዮጵያ ክገብሮ ምዉሳኑን ምድላዩን ዘይፍትሕዉን ኣድማዐቱን ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ዝክእል ኣካይዳ ዝተኸተለ ይመስል። ነዚ ስትራተጂ ንምትግባር ኣብ ዝፍተነሉ ክኣ እቶም ኣብ ክሊቴን ሃገራት ዝርከቡ ሓደ ወይ ተመሳሰልቲ ህዝቢታት ግዳይ ምፍልላይን መሳርሕን ክኽኑ ባህርያዊ ኢዩ። ሻዕብያ ኤርትራዉነት ንምስራሕ ኣብ ዝተጠቕመሉ ሜላ ኣተኩሩ ኣብዝሰርሓሉ ኤትዮጵያን ኢትዮጵያዉያንን ብሓፈሻ ከምደመኛ ጸላኢ ወሲድካ ምስራሕ ኢዩ፣ ነዚ ንምትግባር ካኣ ዝተወሰነ ክፋል ህዝቢ ኢኢትዮጵያ ክምረጽ ስለዝነበሮ ትማሊ ኣምሓራ ዝነበሪ ሕጂ ድማ ናብ ትግራዋይ ክዘዙ ንዕዘብ ኣለና።
መብዛሕትኡ ተወላዲ ናተን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዋ ቢሄራት ነቲ ኣብቲ ካልእ ሃገር ዘሎ ሓዉ ከምሓዉ ወሲዱ ዳርጋ ምሉእ ብሙሉእ ቅድሚ እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዝነበረ ኣነባብርኡ ዓቂቡ ይኸይድ ኣሎ ክቕጽልዉን ይግብኦ። ብፍልይ ዝበለ ዝርአን መሳርሒ ፖሊቲካ ክኽዉን ዝተመርጸን ዝመል ኣተሓሳስባ ግን ትግሪኛ ናይ አርትራን ናይ ኢትዮጵያን ብደምን ባህልን ዘራኽብ የብልኩምን ክብሃል ክትሰምዕ በንጻሩ ካኣ እቲ ካልእ ሓደ ቋንቋኡን ሓደ ባህሉን ህዝቢ ናይ ክልተ ሃገራት ሓው ክኸዉን ክምረጽ ክትርኢ ፍትሓዉነት ዝጎድሎን ሓደገኛን ይኸዉን። ብርግጽ ካብ ነዊሕ ጀሚሩ እዚ ክልተ ተዛራቢ ትግሪኛ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ግዳይ ፖለቲካ ኮይኑ ክኸይድ ብምጽንሑ ብዙሕ ግዕዘይ ታሪክን ጽልእን ኣማዕቢሉ ኢዩ። ሓደ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሓዉ ሓው ኢሉ ዝጽዉዕ ተወላዲ ናይ ሓደ ቢሄር ሓደ ተወላዲ ትግሪኛ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ተዛራቢ ትግሪኛ ሓወይ ኢሉ ክጽዉዕ እንክርእዩ — እእእእእእ ግን እኮ ትግራዎት ንዓኹም/ንዓና እዚን እዚን በዲሎሙና ኢዮም ኢሉ ነቲ ባህሩያዊን ተፈጥራዉን ሕዉነት ናይዚ ህዝቢ ብሰንኪ ዝሓለፈ ሕማቕ ታሪኽ ዉዱቕ ክገብሮ ክፍትንን እታ ኤርትራ ክኣ ኣብ ክሊ ጽልኢ ናይዚ ህዝቢ ተዓቁባ ክትነብር ከምዘለዋ ብዘስምዕ እቲ ጽልኢ ክቕጽል ከምዘለዎ ከእምነካ ዝፍትን ክትርኢ ቅር ይብለካ።
ሓቂ ንምዝራብ ክኣ መብዛሕትኡ ኢቲ ከምዚ ኢሉ ዝምጉት ወይ ከእምን ዝፍትን ዘይምእምኦ ሓሳባት ኣብተመንጪወሉ ተዛራቢ ትግሪኛ ስለዝኾንካ ጥራይ ናብ ትግራይ ዘሳጉገካ ኢዩ። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝተፈጥረ ኩዉንነትን ሓቂን እንተሎ እዚ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ተዛራቢ ትግሪኛ ብዝነበሮን ዘሎን ጽልኢ ብዙሕ ግዜ ጊዳይ ኩናትን ግጭትን ኮይኑስ ነተን ካልኦት ቢሄራት ዉን ግዳይ ገይሩወን ኢዩ ስለዚ ዕርቂ ናይዚ ህዝቢ ንዓኣተን ዝጠቅም እምበር ዝጎድእ ከምዘይከዉን ፍሉጥ ኢዩ እቲ ምንታይ ስላምን ምክብባርን ናይቶም ክልኦት ህዝቢታት ንህዝቢ ትግሪኛ ካብጠቐመ ንምንታይከ ሰላምን ምክብባርን ህዝብታት ትግሪኛ ዘይጠቕመን ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ እካ ድኣ ብሰንኪ እዚ ህዝቢ ብዙሕ ግዜ ኣብ ግጭትን ዘየድሊ ጽልኢን ስለዝእተናስ ንምፍትሑ ክጽዓር ዝሓሸ ይኸዉን።

ብኣማኑኤል ተኽሊት(ወዲ ከረን)

Related posts

2 Thoughts to “ድርብ ዕያር ፖሎቲካዊ መንነት ኤርትራውያን”

  1. Hiya, I am really glad I have found this information. Nowadays bloggers publish just about gossip and net stuff and this is really irritating. A good website with exciting content, that is what I need. Thank you for making this site, and I will be visiting again. Do you do newsletters by email? Rebecka Reginauld Golden

  2. Thank you for the good writeup. It in fact was a amusement account it. Look advanced to far added agreeable from you! However, how can we communicate? Janeczka Maximo Cormier

Leave a Comment