አገዳሲ ሓበሬታ ንተቀማጦ ሃገረ ስዊዘርላን ገደብ ምቅያር ባጠራ

swiss francs

አቀዲመ አብ ሂወትኩም ጥዕና አብ ናብራኹም በረኸት ምስ ስድራቤትኩም ፍቅርን ስኒትን ይምነየልኩም። ቀጺለ ድማ ከምቲ ዝፍለጥ አብ ሃገረ ስዊየርላንድ ሓድሽ ባጠራ ካብዝዝርጋሕ ዳርጋ ክልተ ዓመት አቅጺሩ አሎ። ክሳብ ሕጂ ድማ እቲ ገዲም ባጠራ አውቶ ማቲካሊ ካብ ባንኪ ካብ ትካላት ብመንጽር ማልስ፣ ካብ ወሃብቲ ስራሕ ድማ ብመንጽር ዶሞዝ ብብእዋኑ ንቅበሎ ነርና። እንተኾነ ግን ምናልባት አቀዲምና ዝሓዝናዮ ገዲም ባጠራ ክህልወና ስለዝኽእል፤ ምዕንታን ሕሳብና ክንገብር ካብ ዕለት 30.04.2021 አብ ዝኾነ ቦታ ተቀባልነት አይክህልዎን እዩ። ስለዚ ገዲም ባጠራ ናይ ስዊዘርላንድ ዘሎኩም ቀድሚ’ዚ አብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ንክትቅይርዎ ብልቢ ነዘኻኽር። ብመሰረት ጸብጻባት ፈደራላዊ ባንኪ…

Read More

ስዊዘርላንድ ንምቁጽጻር ኮሮና-ቫይረስ ሃገራዊ ድሕነት ኣዊጃ

ምሕጻብ ኢድ

ስዊዘርላንድ ምእንቲ ኮሮና-ቫይረስ ንምቁጽጻር ሃገራዊ ድሕነት ኣዊጃ ፈደራላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ሎሚ ሶኑይ 16.03.2020 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝገበሮ ኮንፈረንስ፣ ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ህዝባውያንን ብሕታውያንን ትካላት፡ ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከበሎም ማለት ኣብያተ መግቢ፡ ባራትን ካልኦት ናይ ምዝንጋዕ ማእከላትን ክሳብ ዕለት 19.04.2020 ከምዝዕጸዉ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብያተ ትምህርትን ዩንቨርስትታትን ከምዝትዓጽዋ ዝዝከር እዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ 2200 በዚ ቫይረስ ዝተለኽፎም ከምዘለዉን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዚሒ በዚ ቫይረስ ሄቶም ዝስኣኑ ድማ ናይ 20 ሰባት በሪኹ ይርከብ። ስለዚ ድማ ኣዝዩ ሓያል ስጉምቲ ንክወስዱ ዝተገደዱ። ብዘይካ ኣብያተ ሕብስቲ፡ ፖስት ኦፊስ፡ ባንክ፡ ትካላት ሃለኽትን ፋርስን ኩሉ ካብ ፍርቅለይቲ ዕለት…

Read More

ዝምታ ባህርያዊ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍን ኩባንያ ዳናካሊን።

ዕደና ፖታሽ

ቀዳማይ ገጽ ዕደና ፖታሽ ኣብ ኤርትራ ብኩባንያ ዳናካሊ ኣብ መፈጽምትኡ ይርከብ። ኣውስትራልያ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕድና ዳናካሊ ዝተባህለ፡ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ዝሃቦ ፍቃድ መሰረት ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ናይ ፖታሽ ዕደና ከካይድ ምኻኑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ዕደና ዝካየደሉ ቦታ ድማ ኮሉሊ ዝብሃል ቦታ ኣብ ምብራቃዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣውራጃ ደንከል ዝርከብ እዩ። እታ ኣብ ከተማ ፐርዝ ኣውስትራልያ ዝመደበራ ኩባንያ ዕደና ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ መስርሕ ተዛዚሙ ኣብ ካልኣይ ገጽ ከምዝተሰጋገሩ ተብርህ። እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ፕሮጀክት ትሕተ ቅርጺ ምውዳድ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ ኣድለይቲ ናውትን መሳለጥያታትን ዘጠቃለለ…

Read More