ስዊዘርላንድ ንምቁጽጻር ኮሮና-ቫይረስ ሃገራዊ ድሕነት ኣዊጃ

ምሕጻብ ኢድ

ስዊዘርላንድ ምእንቲ ኮሮና-ቫይረስ ንምቁጽጻር ሃገራዊ ድሕነት ኣዊጃ

ፈደራላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ሎሚ ሶኑይ 16.03.2020 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝገበሮ ኮንፈረንስ፣ ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ህዝባውያንን ብሕታውያንን ትካላት፡ ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከበሎም ማለት ኣብያተ መግቢ፡ ባራትን ካልኦት ናይ ምዝንጋዕ ማእከላትን ክሳብ ዕለት 19.04.2020 ከምዝዕጸዉ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብያተ ትምህርትን ዩንቨርስትታትን ከምዝትዓጽዋ ዝዝከር እዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ 2200 በዚ ቫይረስ ዝተለኽፎም ከምዘለዉን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዚሒ በዚ ቫይረስ ሄቶም ዝስኣኑ ድማ ናይ 20 ሰባት በሪኹ ይርከብ። ስለዚ ድማ ኣዝዩ ሓያል ስጉምቲ ንክወስዱ ዝተገደዱ። ብዘይካ ኣብያተ ሕብስቲ፡ ፖስት ኦፊስ፡ ባንክ፡ ትካላት ሃለኽትን ፋርስን ኩሉ ካብ ፍርቅለይቲ ዕለት 17.03.2020 ጀሚሩ ክዕጾ እዩ።

ኣስታት 8000 ዝኾኑ ወትሃደራት ነዚ ጸገም ንምሕጋዝ ክዋፈሩ ምኻኖም ድማ ጸብጻባት ይሕብሩ። ክንዲዚ ብዝሒ ወትሃደራዊ ሓይሊ ዕማም ድማ ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ ካልኣይ ኪናት ዓለም ምኻኑ ፍሉይ ይገብሮ። ከምኡ’ውን ኣብ ኣብ ዶባት ፍራንስ፡ጀርመን፡ ኣውስትርያን ቁጽጽር ከከይድ ምኻኑ ሓቢሩ። ፈደራላዊ ህዝባዊ መጉዓዝያ ምድሪ ባቡር ስዊዘርላንድ፡ ኩሎም ናይ ወጻኢ መገሻታትን ኣገልግሎታትን ሰርዝዎም። ብተወሳኺ ድማ ናይ ውሽጢ ሃገር መጉዓዝያ ኣገልግሎት ባቡር ኣብ መንጎ ዓበይቲ ከተማታት ኣብ ክንዲ ነፍስወከፍ 30 ደቂቅ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ሓደ ስዓት ክኸውን ኣዚዙ።

ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ዘድልየና ስንቂ ሸሚትና ኣብ ገዛና ኮፍ እንብአልና ተመራጺ እዩ። ከምኡ፡ውን ዝኾነ ውራይ ይኹን ምትእኽኻባት ክነወግድ ይግባእ። ኣብ ደገ ጸኒሕና ኣብ ገዛና ምስ ንምለስ ይእዳውና ብማይን ሳቡናን ክንሕጸብ ይግብኣና። ዝኾነ ምልክታት ናይቲ ሕማም ምስዝስምዓና ድማ ብቀጥታ ብ ሓኪም ምድዋል ንኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ምጽባይን ተመራጺ ይኸውን።

Related posts

One Thought to “ስዊዘርላንድ ንምቁጽጻር ኮሮና-ቫይረስ ሃገራዊ ድሕነት ኣዊጃ”

  1. yonas

    The Problem is on 1 .Bank money maschines 2- Coins money , 3- Ticket Maschinen Shopping center Handlers and other small factors , its difficalt to Controll the Virus in ashort time at least it needs 2 up to 3 months .

    Thank you

Leave a Comment