ሕግን ማሕበረሰብን

ሕጊ

ሕጊ ኣብዘይብሉ ቦታ ፍትሒ ክነግስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ሕጊ ንኹሉ ብማዕረ ዝርእ ምስዝኸውን ፍትሒ ነጊሱ ክብሃል ይክኣል። ሕጊ ብደቅሰባት ተዳልዩ ንደቂሰባት የገልግል። ከምቲ ኩሉ ትካል ይኹን ዋኒን ሓላዊ ዘድልዮ ሕግውን ዋርድያ የድልዮ እዩ። ዋርድያ ናይ ሕጊ ድማ እቲ ዝግልገለሉ ህዝቢ ባዕሉ እዩ።

ደቅሰባት ብሓባር ክነብሩ ምስ ዝጅምሩ ማሕበረስብን ሕብረተሰብን የቁሙ። ኣብቲ ዘቁምዎ ማሕበረሰብ ኣትሓሳስባ፣ ድሌት፣ ስምዒት ናይ ነፍስወከፍ ውልቀሰብ ዝተፈላለየ ብምኻኑ፣ ኣብ ሞንግኦም ሕንፍሽፍሽ ንኸይፍጠር ብሕጊ የማእዝንዎ። ሕጊ ቀያዲ እዩ እንተኾነግን ውሕስነት እዩ። ኣብ ኣትሓሕዝኦም ብዝምልከት ሕግታት ብኽልተ መንገዲ ክንርእዮም ኢና። ንሳቶም ድማ ዘየገድዱን ዘገድዱን ይብሃሉ።

1. ዘየገድዱ ሕግታት፣ ደቂሰባት ኣብ ምዓልታዊ ሂወቶም ዝጥቀሙሎም እዮም። ነዞም ዝስዕቡ ንምርቃሕ ይክኣል፣ ስነምግባርን ሞራልን። ኣብ ልምድን ባህልን ዝተመርኮሱ እዮም። ነፍስወክፍ ሃገርን ሕብረተሰብን ነናቱ ልምዳውያን ሕግታት ኣለዎ።ነዞም ሕግታት ኮነ ኢልካ ምጥሓስ ወላ እኮ ብሕገ መንግስቲ ዘይኣቅጽዑ እንተኾኑ፣ እቶም ኣብ ሞንጎኦም ዘሎኻ ሕብረተሰብ ተነጽሎ ብምግባር መቅጻዕቲ ይውርዱልካ እዮም። ገለ ኣብነት ንምጥቃስ፣ ፈስቲቫል፣ ንግደት፣ ኣውድኣመት    ወዘተረፈ።

2.ዘገድዱ ሕግታት፣ ነፍስወከፍ ሃገር ናታ ሕግታት ኣለዋ። እዞም ሕግታት ድማ ነበርቲ ናይታ ሃገር ዝኾኑ ተቀማጦን ኣብ ውሽጢ ልኡላውነታን ዘገልግሉ እዮም። ብኣንጻሩ ኣብ እምባገነናዊ (ውልቀመላኺ) ስርዓተ ምሕደራ እዞም ሕግታት ከም ንጽል ሕጊ ወይ ድማ ብርክት ብዝበሉ ሕጋጋት ይውሰኑ።

ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈሩ ሕግታት ህዝባውን ስቪላውን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይምቀል።

ህዝባዊ ሕጊ

ህዝባዊ ሕጊ ማለት ናይ ሕጊ ዝምድናታት ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ዝርኢ ክፋል ናይ ሕጊ እዩ። ንህዝባዊ ረብሓታት ድማ ይከላኸል። ብመንገዲ ቤትፍርዲ ወይ ፖሊስ ድማ ይፍጸም። ንኣብነት ቅዋም ሃገር፣ ምዕቃብ ኣከባቢ፣ ገበናዊ ሕጊ። ህዝባዊ ሕጊ ፍጹም ኣስገዳዲ ምስዝኸውን ፣ ብድሌት ዝኾነ ወገን ዘይቅየር እዩ። ብእንጻሩ ድማ ህዝባዊ ሕጊ ተዛማዲ ኣስገዳዲ ምስዝኸውን፣ ኣብ መንጎ ሰብ ጉዳይ ዋጋ ዕዳጋ ናይ ምግባር ተኽእሎ ይህልዎ። ንኣብነት ሓደ ውሃብ ስራሕ ንሰራሕተኝኡ ብሕጊ መሰረት 4 ሶሙን ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክህቦ ዘገድድ እንተኾይኑ፣ ብናቱ ድሌት 5 ሶሙን ክህቦ ይኽእል እዩ። ካብ 4 ሶሙን ንታሕቲ ክህቦ ግን ብሕጊ ይሕትቶ።

መትከላዊ (መሰረታውያን) ሕጋጋት፣ እዞም መሰረታውያን ሕጋጋት ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎምን ኣብዙሕ ጉዳያት ዝርከቡን እዮም። ኣብ ሃገራዊ ቅዋምን ኣብ መጽሓፍ ስቪላዊ ሕግን ይርከቡ።ንሳቶም ድማ እዙም ዝስዕቡ እዮም፣

  •  ማዕረ መሰል ማለት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሉ ማዕረ፣ ማዕረ መሰል ደቅንስትዮን ደቅተብዓትዮን፣ ወላሓደ ክጋነ ይብሉን፣ ሕጊ ይኹን ዳኛ ዝኾነ ኣድልዎ ክገብሩ የብሎምን።
  •  ምንጭታት ሕጊ ብቀደምተኸተል ክቅርቡ ከምዘለዎም። ሓደ ጉዳይ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምስዝቀርብ መጀመርታ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈሩ ሕጋጋት ምጥቃም። ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈሩ ዓንቀጻት እንተዘይ ሃልዮም ድማ ልሙድ ኣገባብ ቤትፍርዲ ምጥቃም። እዝዚእንተዘይ ሃልዩ ፈራዲ ናቱ ውሳኔ ይጥቀም።
  •  ውሳኔ ዳኛ ማለት ዳኛ ምእንቲ ቅንዑን ርትዓውን ምሳኔ ንክህብ ቅድሚ ፍርዲ ምሃቡ ኩሉ ጉነታት ናይትቲጓይ ኣብግምት ክእቱ ኣውኦ።
  •  እሙንን ትኣማንን ማለት ሓደ ሰብ ኣብ ጉዳዩ ሓቀኛን ርትዓውን ክኸውን ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ሰብ ሓዳር ብሓባር ንክነብሩ ቅንዕናን እምነትን ዘድልዮም መስርሕ ቤትፍርድ’ውን ከምኡ የድልዮ።
  •  መስረጃ ወይ ጭብጢ ምቅራብ፣ ትዓሚጸ ወይ ተበዲለ ብሃሊ ኣብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ ናይቲ ዝጠርጠሮ ዝበደሎ ሰብ ጨብጢ ምስዘቅርብ ጉዳዩ ኣብምዕለቢ ይበጽሕ።
  • ሕጊ ብዘይ ኣገባብ ምጥቃም ክልኩል እዩ። ንእብነት ምእንቲ ንጎረበትካ ክትሕርቅ ኢልካ ንደቅ ምንዳቅ።ብመንገዲ ምስላ ምስንገልጾ” ዕላማ ዘይብሉ መንደቅ ዘይምንዳቅ”

ስቪላዊ ሕጊ

ስቪላዊ ሕግታ ምስዝምስረት ዝፍጸም ሕጊ እዩ። ስቪላዊ ሕጊ ተባሂሉ ድማ ንበት ኣብ መንጎ ክልተ ውልቀሰባት ዝግበር ናይ ሕጊ ዝምድና እዩ። እዚ ድማ ተበዳሊ ክሲይኑ ኣብ ከም መጽሓፍ ተሓቲሙ ይስነድ። ስቪላዊ ሕጊ ብዙሓት ጉዳትያት ካብ ትውለድ ክሳብ ሞት ዘሎ የጠቃልል። ንኣብነት ስም ምሃብ፣ መርዓ፣ ብሓባር ምንባር፣ ቁልዓ ምዕባይ፣ ፍትሕ፣ ዋንነት፣ ውርሻ፣ ውዕላት ዝኣመሰሉ ዝሓቆፈ እዩ። ስቪላዊ ሕጊ ኣብ 5 ክፋላት ዝተመቅለ እዩ። ንሳቶም ድማ ናይ ደቅሰባት ሕጊ፣ ናይ ስድራቤት ሕጊ፣ ናይ ውርሻ ሕጊ፣ ናይ ንብረት ሕጊ፣ ናይ ግደታ ሕጊ።

1. ሰብኣዊ ሕጊ፣ ብዛዕባ ንድቅሰባት ዝምልከትቱ ጉዳያት ዝርኢ እዩ። ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ድማ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይገልጾ፣

  •  ሕጋዊ መስል ማለት መሰልን ግቡእን ዘፍቅድ ሕጊ እዩ ። ኩሎም ደቅሰባት ድማ ነዚ መሰል ይውንኑ። ሕጋዊ መሰል ብዕድመ ኣይድረትን እዩ። ንኣብነት ሓደ ወድሰብ ንብረት ክውንን፣ ክወርስ፣ ክምሃር ሕጋዊ መሰል ይህልዎ፣ እንተኾነ ግን ናይ ካልኦት መሰል ከኽብር ሕጋዊ ግቡእ ኣለዎ። ካብ ትውለድ ክሳብ ግዘኢ ሞት ድማ የገልግል። ንእብነት ሓደ ቆልዓ ምስተወልደ ናይ ምዕባይ መሰል ይህልዎ። ሓደ ወድሰብ ምስ ሞተ ሓመድኣዳም ናይ ምላስ መሰል ይህልዎ። 
  •  ንመሰለን ግቡእን ብቁዕ ምኻን፣ እዚ ኣገባብ ሓደ ወድሰብ ባዕሉ መሰሉ ክሓትትን ግብኡ ክፍጽም ምስዝኽእል እዩ። እዚ ድማ ልዕሊ ዕድመ ንዝኾኑ(ልዕሊ ዕድመ ማለት ልክዕ ካብታ ዕለተ ልደቱ ዝኽብረላ ምዓልቲ ናይ መበል 18 ዓመቱ) ከምኡ’ውን ካብ 13 ክሳብ 14 ዝዕድሚኦም ይጠቃልል።