ኤርትራ ፈደራልዊ ምሕደራ ትኽተል እንተትህሉ ጉጁለ 15 ምተበልዑዶ፣

map of eritrea

ፈደራላዊ ምሕደራ ማለት ስርዓተ ምሕደሕደራ ንሃገራዊ ስልጣን ኣብ መንጎ ሃገራዊ ምንግስትን ኣከባብያዊ መንግስትን ዘመቃረሐ እዩ። ርክብ ናቶም መንግስትታት ወይ ኣማሓደርቲ በቲ ማእከላይ ወይ ሃገራዊ መንግስቲ ዝተጠምረ እዩ። ገለ ክፋል ናይ ህዝባዊ ንጥፈታት ኣብጥሕቲ ምሕደራ ወይ ቁጽጽር ሃገራዊ መንግስቲ ክኾኑ እንከለዉ፣ ገለ ክፋል ናይ ህዝባዊ ንጥፈታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከባብያዊ መንግስቲ ወይ ምሕደራ ይከየዱ። ንፍስወከፍ ምሕደራ ኣየኖት ንጥፈታት ከካይድ ይፍቀዶ ኣብ ፈደራላዊ ቅዋም ሰፊሮም ይርከቡ። 

ፈደራላዊ ስርዓተ ምሕደራ ልዕሊ ማንም ግዜ ባይታን ተቀባልነትን እንረኸበ ይኸይድ ኣሎ። መብዝሓትአን ብጆግራፍያዊ ኣቀማምጣ ዕቤት ዘለወን ሃገራት ንቻይና ገዲፍካ ፈድራላዊ ስርዓተ ምሕደራ እየን ዝኽተላ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓለምና ዝርከባ እተን ዝሃብተማን ሰላምን ምርግጋእን ዘለወን ሃገራት ነዚ ምሕደራ እየን ዝኽተላ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያ፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንምጥቃስ ይክኣል። ጥቅምታት ፈደራላዊ ምሕደራ ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፡

1.  ምትእንጋድ ከባብያዊ ፍልልያትን ብዙሕነትን፡ ፈደራላዊ ስርዓተ ምሕደራ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ኣርኣእያን ንዘሎ ፍልልያትን ብዙሕነትን ንክትእንግድ ምትዕጽጻፍ ዝፈጥር እዩ። እዚ ዓይነት ምሕደራ ኣብ ጆግራፍያዊ ኣቀማምጣ ምርኩስ ብምግባር ነቲ ኣብ ጥሕቲ ኣሃዱኣዊ ዝተማእከለ ስርዓተ ምሕደራ ክትፈትሖም ዘሸግሩ ጸገማት ከፈትሕ ዝኽእል እዩ። ንኣብነት ኣብ ሓንቲ ኣውራጃ ዘሎ ጸገም ካብቲ ፕረስደንት ሃገር ንላዕሊ እቲ ኣማሕዳሪ ኣውራጃ እዩ ዝፈልጦን ዝያዳ ግዜ ዘለዎን። ኣብ ኤርትራ ሃገርና ባህላዊ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊን ጆግራፍያውን ከምኡ’ውን ፖሎቲካውን ብዙሕነትን ፍልልያትን ኣለዉ። ነዞም ብዙሕነትን ፍልልያትን ድማ ብፈደራላዊ ስሮኣተ ምሕደራ ኣብ ጆግራፍያዊ ኣቀማምጣ ዝተመርኮሰ ብምህናጽ ክንትኣናግዶም ይክኣል። ውጽኢት ናቱ ድማ ሃገራዊ ምትእምማን ክነስርጽ ይሕግዘና። ነዚ ዓይነት ጸገማት ንምፍታሕ ዝትዓወተት ሃገር ስዊዘርላንድ ከም እብነት ክንዕዘብ ንኽእል። 

2. ተሳትፎ ኣብ ምንግስትን ዕብለላ አሊት ኣብ ሕብረተሰብ ንምክልኻልን፣ ፈደራላዊ ስርዓተ ምሕደራ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ መንግስታዊ ደረጃታት ንኹሉ ሕብረተሰብ ዘሳትፍ ምንግስቲ ንክህሉ ይሕግዝ። ኣብ ኤርትራ ሃገርና ትስዓተ ኣውራጃታትን ትሽዓተ ብሄራትን ኣለዋ። እንተኾነ ግን እዘን ኣውራጃታት ይኹና ብሄራት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ካልኦት ምንግስታዊ ጽፍሕታት ወላሓንቲ መንበር`ውን ክረኽባ ኣይክኣላን። እቶም ነቲ ስርዓት ኣቂሞም ዘለዎ ድማ ወላ ዝኾነት ኣውራጃ ትኹን ብሄር ዝወከለቶም ብዘይ ምካኖም ወላ ንዝኾነ ብሄር ወይ ኣውራጃ የርብሑ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እስኪ ነቲ ኣብ 2001 ኣብዞም ምኒስተራት ነበር ብልሙድ ኣጽዋውዓ ብG15 ዝፍለጡ ብሰንኪ ዝሓተትዎ ናይ ለውጥን ትሓታትነትን ኣብ ጸልማት ክነብሩ ዝተፈርዱ፡ ኤርትራ ብፈደራላዊ ምሕደራ ትካየድ ነራ እንተትኸውን ዝወከሎም ህዝብን ኣውራጃን ዘለዝህሉ ኣይምተበልዑን ነሮም። ስለዚ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣሃዱኣዊ እንተኾይኑ ኣብቲ ክሊ ስልጣኑ ንዕኡ ዝምችኡ ብምምዛዝ እታ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ዝወስዳ ገደብ ስልጣን ትውስን ዓንቀጽ ናይ ቅዋም ብምቅያር ናይ መንገዲ እምባገነንነት የምርሕ። 

ፈደራላዊ ምሕደራ ብተፈጥርኡ ዝያዳ ደሞክራስያዊ ባህሪ ኣለዎ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ብርክት ዝበሎ ጽፍሕታት መንግስቲ ወይ ምሕደራ ስለዘሳትፍ(ወረዳ፡ኣውራጃ፡ፈደራል) ብምኻኑ ነቶም ጸብብቲ ውሑዳን ማለት ብሳይንሳዊ ቃንቃ አሊት ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕድል ንከይረክቡ ይውግድ። ኣብ ዓለምና ካብዘለዉ በአሊት ዝትዓብለላ ንምጥቃስ ከተማ ሎንዶን ናይ ዓባይ ብሪጣንያን ከተማ ፓሪስ ናይ ሃገረ ፍራንስ። እቲ ዘይምእኩለንት ምሕደራ ስርዓተ ፈደራል ንህዝቢ ብቀጥታ ናይ ምስታፍ ባይታ ስለዝፈጥር ተስትፎ ናይ ደቅንስትዮ ንክህሉ ነቲ መንግስቲ ድማ ዝያዳ ሕጋውነት ንክልብስን ይሕግዝ።

ስለዚ አብ መንጎ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምተእምማን ክንዕቢ እንተኸና ተሳትፎ አውራጃታት፤ ብሄራት፣ ማሕበረ ሰባትን ዝተፈላለዩ አርአእያን ዝእንግድ ምንገስታዊ ስነምሕደራ ክንተል ይግብአና። ነዚ ኩሉ ብዙሕነት ባይታ ክኸውን ዝኽእል ስነ ምሕደራ ድማ ፈደራላዊ ምሕደራ አብ ጆግራፍያዊ አቀማምጣ ዝተመርኮሰ ምስዝኸውን ዝያዳ ሓድነትን ቁጠባዊ ዕቤትን ንምውሓስ ይሕግዝ።

Related posts

6 Thoughts to “ኤርትራ ፈደራልዊ ምሕደራ ትኽተል እንተትህሉ ጉጁለ 15 ምተበልዑዶ፣”

  1. Im going to discover less regarding because it all can last for weeks. Myrtie Kleon Gainer

  2. I will recommend your beautiful post site to my friends Ricca Skye Tasia

  3. Hurrah! After all I got a webpage from where I be capable of in fact take useful data concerning my study and knowledge. Arabele Hamlin Shea

  4. Awesome post. I am a normal visitor of your site and appreciate you taking the time to maintain the excellent site. I will be a frequent visitor for a really long time. Tatum Benoit Yuji

  5. Hi there. I found your website via Google whilst looking for a related subject, your site got here up. It seems good. I have bookmarked it in my google bookmarks to visit then. Dalia Jon Baiss

  6. Awesome post. I am a normal visitor of your website and appreciate you taking the time to maintain the nice site. I will be a frequent visitor for a long time. Blanca Gail Stricklan

Leave a Comment