አገዳሲ ሓበሬታ ንተቀማጦ ሃገረ ስዊዘርላን ገደብ ምቅያር ባጠራ

swiss francs

አቀዲመ አብ ሂወትኩም ጥዕና አብ ናብራኹም በረኸት ምስ ስድራቤትኩም ፍቅርን ስኒትን ይምነየልኩም። ቀጺለ ድማ ከምቲ ዝፍለጥ አብ ሃገረ ስዊየርላንድ ሓድሽ ባጠራ ካብዝዝርጋሕ ዳርጋ ክልተ ዓመት አቅጺሩ አሎ። ክሳብ ሕጂ ድማ እቲ ገዲም ባጠራ አውቶ ማቲካሊ ካብ ባንኪ ካብ ትካላት ብመንጽር ማልስ፣ ካብ ወሃብቲ ስራሕ ድማ ብመንጽር ዶሞዝ ብብእዋኑ ንቅበሎ ነርና። እንተኾነ ግን ምናልባት አቀዲምና ዝሓዝናዮ ገዲም ባጠራ ክህልወና ስለዝኽእል፤ ምዕንታን ሕሳብና ክንገብር ካብ ዕለት 30.04.2021 አብ ዝኾነ ቦታ ተቀባልነት አይክህልዎን እዩ። ስለዚ ገዲም ባጠራ ናይ ስዊዘርላንድ ዘሎኩም ቀድሚ’ዚ አብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ንክትቅይርዎ ብልቢ ነዘኻኽር። ብመሰረት ጸብጻባት ፈደራላዊ ባንኪ…

Read More

ኣገዳሲ ሓበሬታ መንበሪ ፍቃድ”F” ዝሓዙ ወጻእተኛታት ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ

ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ንወጻእተኛታት ነበርቲ ይኹን ዕቁባ ሓተቲ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ናይ መንበሪ ፍቃድ ይውሃብ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ ድማ፣ G, L, B, F, C. ብዛዕባ ዝርዝራቶም ኣብ ቀጻሊ ክነቅርበልኩም ኢና። ንሎሚ ብዛዕባ መንበሪ ፍቃድ “F” ዝምልከት ክንጽሕፍ ኢና ምኽንያቱ ብዛዕብኡ ዝምልከት እዋናዊ ሓበረታ ወጺኡ ዝለዘሎ። እዚ ዓይነት መንበሪ ፍቃድ ግዝያዊ ኮዩ ነቶም ዕቁባ ዝሓቱ ወጻእተኛታት ናይ ዕቅባ ጥርዓኖም ተቀባልነት ዘይረኸቡ ግን ክኣ ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ናይ ጥዕና ወይ ውሕስነት ዘይምርካብ ክምለሱ ዘይክእሉ ዝውሃብ እዩ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ብዛዕባ ወጻእተኛታት ነበርቲ ስዊዘርላንድ “F” መንበሪ ፍቃድ ንዝሓሱ ብዝምልከት ናብ ሃገሮም ንኸይገሹ ዝክልክል እዩ።…

Read More

ስዊዘርላንድ ንምቁጽጻር ኮሮና-ቫይረስ ሃገራዊ ድሕነት ኣዊጃ

ምሕጻብ ኢድ

ስዊዘርላንድ ምእንቲ ኮሮና-ቫይረስ ንምቁጽጻር ሃገራዊ ድሕነት ኣዊጃ ፈደራላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ሎሚ ሶኑይ 16.03.2020 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝገበሮ ኮንፈረንስ፣ ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ህዝባውያንን ብሕታውያንን ትካላት፡ ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከበሎም ማለት ኣብያተ መግቢ፡ ባራትን ካልኦት ናይ ምዝንጋዕ ማእከላትን ክሳብ ዕለት 19.04.2020 ከምዝዕጸዉ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብያተ ትምህርትን ዩንቨርስትታትን ከምዝትዓጽዋ ዝዝከር እዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ 2200 በዚ ቫይረስ ዝተለኽፎም ከምዘለዉን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዚሒ በዚ ቫይረስ ሄቶም ዝስኣኑ ድማ ናይ 20 ሰባት በሪኹ ይርከብ። ስለዚ ድማ ኣዝዩ ሓያል ስጉምቲ ንክወስዱ ዝተገደዱ። ብዘይካ ኣብያተ ሕብስቲ፡ ፖስት ኦፊስ፡ ባንክ፡ ትካላት ሃለኽትን ፋርስን ኩሉ ካብ ፍርቅለይቲ ዕለት…

Read More

ዝምታ ባህርያዊ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍን ኩባንያ ዳናካሊን።

ዕደና ፖታሽ

ቀዳማይ ገጽ ዕደና ፖታሽ ኣብ ኤርትራ ብኩባንያ ዳናካሊ ኣብ መፈጽምትኡ ይርከብ። ኣውስትራልያ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕድና ዳናካሊ ዝተባህለ፡ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ዝሃቦ ፍቃድ መሰረት ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ናይ ፖታሽ ዕደና ከካይድ ምኻኑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ዕደና ዝካየደሉ ቦታ ድማ ኮሉሊ ዝብሃል ቦታ ኣብ ምብራቃዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣውራጃ ደንከል ዝርከብ እዩ። እታ ኣብ ከተማ ፐርዝ ኣውስትራልያ ዝመደበራ ኩባንያ ዕደና ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ መስርሕ ተዛዚሙ ኣብ ካልኣይ ገጽ ከምዝተሰጋገሩ ተብርህ። እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ፕሮጀክት ትሕተ ቅርጺ ምውዳድ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ ኣድለይቲ ናውትን መሳለጥያታትን ዘጠቃለለ…

Read More

ክሮና-ቪይረስ ኣብ ስዊርንድ ተቀልቂሉ

ክሮና-ቫይረስ ኣብ ስዊዘርላን ክምርሽ ጀሚሩ ኣብ ስዊዘርላንድ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ክሮናቫይስ ከምዝተመዝገቡ ትሓቢሩ። ክሮና-ቫይረስ ኣብ ብርክት ዝበላ ካንቶናት ከምዝተዘግሔ ይሕበር ኣሎ። ብሰንክዚ ድማ ዓበይቲ መደባት ብፍላይ ናይ ምዝንጋዕን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ይስረዙ ኣለዉ። ሰብ መዚ ስዊዘርላንድ 15 ሰባት በዚ ሓድሽ ሕማም ማለት ክሮና-ቭይረስ ከምዝተለኽፉ ኣረጋጊጾም። እዞም ዝተለኽፉ ሽድሽተ ሰባት ድማ ካብ ዝተፈላለያ ካንቶናት እዮም። ኩሎም በዚ ሕማም ዝተለኽፈ ሰባት ኣብ ሆስፒታት ተነጺሎምን ትሓጺሮምን ክንክን ይግበረሎም ኣሎ። ካብዞም ካብዞም በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ብዘይካ እቲ ሓደ ካልኦት ካብ ሃገረ ኢጣልያ ዝተለከሙ ምኻኖም ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ሓደ ኣብ ካንቶን ቫድ ዝርሕ ግን ኣብ ፍራንስ…

Read More

ኮሮና-ቫይረስ ኣብ ኣፍደገ ስዊዘርላንድ ተላቢዑ

ኮሮና-ቫይረስ ኣብ ጥልያን ብምልባዕ ንስዊዛውያን ዓቢ ሻቅሎት ኮይንዎም ኣሎ ኣብዚ ቅንያት ኣብ መሬት ኣውሮጳ ኣብ ሃገረ ጥልያን ልዕሊ ትጽቢት ኮሮኖ-ቫይረስ ከምዝተላብዐ ምስተፈልጠ፡ ሰበ ስልጣን ሃገረ ስዊርላንድ ኣዚ ሕማም ኣብ ሃገሮም ንከይኣቱ ኣቀዲሞም ዘድሊ ምድላዋት ክገብሩ እኮ እንተጸንሒ፡ ሕጂ ግን ኣዝዩ ኣሻቃሊ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣብ ዶብ ጥልያን ጽኑዕ ምቁጽጻርን ናይ መገሽ መጠንቀቅታን ይህቡ። ከምኡ’ውን ዝኾነ ምልክት ናይ ስዓል ዝመስል ዝራእዮ ናይ ( Covid-19 virus ) መርመራ ይገበረሉ። ብመሰረት መግለጺ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገረ ስዊዘርላንድ ኣብዘን ዝስዕባ ምዓልታት ድማ ናይ ሓበረታ ጎስጋስን ኣብያተ ምኽርታትን ብስፍሕ ዝበለ መልክዕ ክቀርባ እየን ይብል። ብተወሳኺ ምኒስተር ወሽጣዊ…

Read More

ጸረ ኣድልዎ ሪፈረንደም ኣብ ስዊዘርላንድ

ባንደራ ስዊስን ዙሪኽን

ጸር ኣድልዎ ሕጊ ንምጽዳቅ ረፈረንደም ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ስዊርላንድ ብዕለት 09.02.2020 ዓብን ኣገዳስን ረፈረንዶም ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ረፈረንደም ሓደ ውድሰብ ብሰንኪ ጾታዊ ኣመላኻኽትኡ ንኸይጋነ ዝልኣኸል ሕጊ ንምጽዳቅ እዩ ነሩ። እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል። 63.1% እዊ ውሕስነት ይሃልዎም፡ 36.9% ኣይፋል ኣድሚጾም። ስለዚ በቲ ዝተረኽበ ውጽኢት መሰረት ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ማለት በቲ ልሙድ ኣጸውዓ ናይ ዓድና(ደቅንስትዮ ነንሕድሕደን ከምእ’ውን ደቂተብዓትዮ ነንሕድሕዶም ዝዋሰቡ) ውሕስነት ዝህቦም ሕጊ ጸዲቁ። እዚ ውጽኢት ድማ ንዓቃባውያን ኣዝዩ ዓቢ ጽፍዒት ኮይንዎም። ነዚ ውሳንየ ዘይደገፉ መብዛሕትኦም ነበርቲ ገጠራት ካብ ማእከላይን ምብራቅን ስዊዘርላንድ ክኾኑ እንከለዉ፡ እዚ ሕጊ ንክጸድቅ…

Read More

ምርጫ ባይቶ ስዊዘርላንድ

ቤትጽሕፈት ባይቶ ስዊስ

ምርጫ ባይቶ ስዊዘርንድ 10..21.2019 ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ 20.10.2019 ካብ ነፍስወከፍ ኣውራጃታትን ከተማታትን ፖሎቲካዊ ውድቦም ወኪሎም ኣባል ባይቶ ንምኻን ብዙሓት ሕጹያት ኣብ ውድድር ተጸሚዶም ውዒሎም። ኣብ ፈደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝርከባ ዓበይትን ንኣሽቱን ፖሎክኣውያን ውድባት ነዘን ዝስዕባ ይመስላ፣ ዓቃባዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ (BDP – Conservative Democratic Party); ክርስትያን ማሕበራዊ ሰልፊ ስዊርላንድ (CSP – Christian Social Party of Switzerland); ክርስትያን ደሞክራስያዊ ሰልፊ(CVP – Christian Democratic Party); ወንገላዊ ሰልፊ (EVP – Protestant Party); ኣኽራሪ ገስጋስ ሰልፊ (FDP – Radical Liberal Party);ገስጋሲ ሓምላይ ሰልፊ (GLP – Liberal Green Party); ሓምላይ ሰልፍ (Grüne – Green Party); ማሕበር ተሲኖ (Lega – Lega dei Ticinesi); ምንቅስቃስ ዜጋታት ጀነቫ (MCG – Geneva Citizens‘ Movement); ደሳዊስ…

Read More

መድሕን ጥዕና ኣብ ስዊዘርላንድ

መድሕን ጥዕና ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ኣብ 2020? ጥዕና ንኩሉ ሂወት ዘለዎም ብፍላይ ንወድሰብ ካብቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ጉዳይ እዩ። ኣብ ምዕቡል ክፋል ዓለምና ዝነብር ህዝቢ ንሂወቱ ዝተፈላለዩ ናይ ውሕስነት ኪዳን ማለት ኢንሹራንስ ስምምዕ ብምግባር ከይተሰከፈ ይነብር። ብዙሕ ዓይነት ኢንሹራንስ እኮ እንተሃለዎ ኣብዛ ዓምድ ግን ብዛዕባ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላን ኣብ 2020 ከመይ ከምዝመስል ክንርኢ ኢና። ብመሰረት ምኒስትሪ ጥዕና ኣቶ ኣልያን በርሰት ምስ መራኸቢ ብዙሓን ብዝገበሮ መልክዕ ሓድሽ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ኣብ 2020 ብማእከላይ ገምጋም 0.2% ክብ ክብል ምኻኑ ሓቢሩ። እዚ ድማ ብመንጽር ኣሃዝ ክርአ እንከሎ 315.40 ስዊስ ፍራንክ እዩ። እዚ…

Read More