ክሮና-ቪይረስ ኣብ ስዊርንድ ተቀልቂሉ

ክሮና-ቫይረስ ኣብ ስዊዘርላን ክምርሽ ጀሚሩ

ኣብ ስዊዘርላንድ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ክሮናቫይስ ከምዝተመዝገቡ ትሓቢሩ። ክሮና-ቫይረስ ኣብ ብርክት ዝበላ ካንቶናት ከምዝተዘግሔ ይሕበር ኣሎ። ብሰንክዚ ድማ ዓበይቲ መደባት ብፍላይ ናይ ምዝንጋዕን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ይስረዙ ኣለዉ። ሰብ መዚ ስዊዘርላንድ 15 ሰባት በዚ ሓድሽ ሕማም ማለት ክሮና-ቭይረስ ከምዝተለኽፉ ኣረጋጊጾም። እዞም ዝተለኽፉ ሽድሽተ ሰባት ድማ ካብ ዝተፈላለያ ካንቶናት እዮም። ኩሎም በዚ ሕማም ዝተለኽፈ ሰባት ኣብ ሆስፒታት ተነጺሎምን ትሓጺሮምን ክንክን ይግበረሎም ኣሎ። ካብዞም ካብዞም በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ብዘይካ እቲ ሓደ ካልኦት ካብ ሃገረ ኢጣልያ ዝተለከሙ ምኻኖም ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ሓደ ኣብ ካንቶን ቫድ ዝርሕ ግን ኣብ ፍራንስ እዩ ዝቅመጥ።

ካንቶን ዡሪኽ፡ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ሰብ መዚ ካንቶን ዙሪኽ ብዝሓበርዎ መሰረት ሓንቲ ሰበይቲ ጋል 30 ዓመት ቅድሚ ሶሙን ኣቢላ ናብ ከተማ ሚላኖ ሃገረ ኢጣልያ ገሻ ድሕሪ ምቅናያ፡ በዚ ክሮና-ቫይረስ ተለኺፋ ከምዝመጽት ይጽብጽቡ። ካንቶን ግራውቡንደን፡ ኣብ ካንቶን ግራውቡንደን ክልተ ቆልዑት ዘጋታት ጥልያን ኣብ ንዕ ዕረፍቲ እዋን ተዛዊሮም ዝቀንዩ፡ ናይዚ ቫይረስ ምልክታት ምስተሰምዖም ብዝተገብረሎም መርመራ፡ በዚ ቫይረስ ተለኺፎ ምጸኒሖም። ኣብ ሆስፒታል ትዓቂቦም ድማ ብዝተገብረሎም ክንክን ኣብ ጽቡ ቅኩነታት ይርከቡ። ከምኡ’ውን ኣብ ካንቶናት ጀነቫ፡ ኣርጋው፡ ባዝል፡ ተሲኖ ዝኣመሰላ ተዘርጊሑ ይርከብ።

መንገዲ ኣየር ሀልቨትያ፡ ኣባላት ቦርድ ወይ ሰራሕተኛታት መጉዓዝያ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝግር መገሻ ማስከራ ክጥቀሙ ምኻኖም ትሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ስዊስ ብወገና ናብ ከተማታት ኢጣልያ ትገብሮ በረራ ክንኪ ምኻኑ ትሕብር። እዚ ድማ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ምያዝያ 2020 ክጽንሕ እዩ።

Related posts

Leave a Comment