ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጣሊባንን ተሰማሚዖም

ጎቦታት ቶራቦራ

ሕቡራት ምንግስታት ኣመሪካን ዕጡቃት ተቃወምቲ ኣፍጋኒስታን ጣሊባንን ኩናት ንምዝዛም ተሰማሚዖም።

ሰብ መዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተወከልቲ ጣሊባንን ብዕለት 29.02.2020 ኣብ ርእሲ ከተማ ቀጠር ዶሓ ናይ ሰላም ስምምዕ ከቲሞም። ዕላማ ናይዚ ስምምዕ ነቲ ኣመሪካን መሻርኽታን ካብ 2001 ኣትሒዘን ንሓያሎ ዓመታት ከካይድኡ ዝጸንሓ ኩናት ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ዕጡቃት ጠሊባን ንምዝዛም እዩ። እቲ ኣብ ዶሓ ዝተኻየድ መስርሕ ምኽታም ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ካብ ቱርኪ፡ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ታዛኪስታን፡ኢንዶነዥያ፡ ቀጠርን ኡዝበኪስታንን ዝመጹ ተፈጺሙ። እዚ ውዕል ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዘገምታዊ ኣገባብ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታትን ንትውጽእ መንገዲ ዝጸርግ እዩ። ኣስታት 14000 ዝኾኑ ሰራዊት ኣመሪካን 17000 ሰራዊት ካብ 39 ሃገራት ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ኪናት ዘይነጥፉ ኣብ መሬት ኣፍጋኒስታን ይርከቡ። እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጣሊባንን ኣመሪካን ከምዝሕብሮ መጠን ካብዛ ስምምዕ ዝተኸትመላ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 135 ምዓልታት 8600 ወትሃደራት ኣመሪካ ካብ መሬት ኣፍጋኒስታን ክወጹ ምኻኖም ይሕበር። ብተወሳኺ ምንግስት ኣፍጋኒስታን ምስ ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምርድዳእ 29.05.2020 ንኣባላት ጣሊባን ካብ ናይ እገዳ መዝገብ ነጻ ክገብሮም ምኻኑ ይጽብጽቡ።

እዚ ዝርርብ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ጣሊባንን ኣብ 2018 ድሕሪ ዶናልድ ኣብ ስልጣን ምምጽኡ ዝጀመረ እዩ። እቲ ስምምዕ እንኮላይ ናይ ውሽጢ ኣፍጋኒስታን መንግስቲ ዘማልአ ኮይኑ ኣስታት 5000 እሱራት ጣሊባን ክፍትሑ ከምዘለዎም ዘጠቃልል እዩ። ጣሊባን እንተኾነ ብወገኑ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ኣብ ከተማ ካቡል ዝመደበሩ ዘዛቲ የብልናን ምኽንያቱ ብዕራባውያን ዝተቀመጠ ባምቡላ ስለዝኾነ ይብሉ። እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጣሊባንን ዝግበር ዝርርብ ወላእኮ ዝርዝራቱ ንጹር ኣይኹን 10.03.2020 ክካይድ ተመዲቡ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ኣፍጋኒስታን ኣብትሕቲ ቁጽጽር ወይ ጽልዋ ጣሊባን ይርከብ። ስለዝዩ ድማ ጣሊባን ዳርጋ ምዓልታዊ ኣብ ወትሃደራዊ ዕላማታት መጥቃዕቲ ዘካይድ። ወድብ ሕቡራት ሃገራት ትልእኾኡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣስታት 100,000 ዝኾኑ ኣፍጋናውያን ሂወቶም ካብ ዝስኣኑን ዝሰንከሉን ኮይኖም።

ኤርትራውን ካብዚ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፣ እቲ መልሲ ንጹርን ዘየወላውልን እዩ። ንሱ ድማ ክንዕወት ክምንኽእል እዩ። ምኽንያቱ ድማ ጣሊባን ንእስታት 20 ዓመታት ዝኣክል ንእመሪካን መሻርኽታን ምስ እልቢ ኣልቦ ዘመናዊ ኣጽዋራቶም ምምካቶም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጣውላ ኮፍ ኣቢሎም ከምዝዛተዩን ጠለባቶም ከምዘማልኡሎምን ገሮሞም። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ድማ ነዚ ጨፍላቂ ሰርዓት ህግደፍ ምስ ስነሓሳባቱ ካብ ሃገርና ንሓንሳብን ሓዋሩን ኣሊና፡ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ስምረትን ውህደትን የድልየና። ዝጽዕር ይዕወት።

Related posts

Leave a Comment