ዑመር ኣልበሺር ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ገጹ ይምርሕ

መራሕቲ ሱዳን ንፕረስደንት ነበር ዑመር ኣልበሺር ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበንኛት ከርክብዎ ተሰማሚዖም

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ተቃውምቲ ዳርፎርን ኣብ ጁባ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ንፕረስደንት ነበር ዑመር ኣልበሺር ናብ ዓለምለኻውዊ ቤትፍርዲ ገንአኛታት ከረክብዎ ተሰማሚዖም። ዑመር ኣልበሺር ኣብ 2003 ብሰንኪ ዝልዖ ኪናት ኣብ ልዕሊ ዳርፉር 300,000 ሂወት ብምህላቁ ኣብ ዓለማዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክድለ ጸኒሑ። ስለዚ’ዩ ድማ ናብ ዓለማለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክርክብዎ ዝወሰኑ። ወሃብ ቃል መንግስት ሱዳን ኣቶ ስዒድ ምሓመድ ሓሰን ኣብዝሃቦ መግለጺ” ቋስልኻ ከይሕወኻ ፍትሒ ኣይረጋገጽን እዩ ይብል።” ብተወሳኺ ድማ ዕመር በሺርን ካልኦት ሰለስተን ናብ ዓለምለኻዊ ትፍርድ ገበነኛታት ክርከቡ ምኻኖም ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ። ነዚ ውሳኔ ደግፍቲ ዑመር ኣልበሺር እንተተቀቢሎሞ ምልክት ናይ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግጽ መድረኽ እዩ ይብል። ወሲኹ ድማ ንሕና ህዝቢ ሱዳን ዝጠለቦ ኢና ንትግብር ዘለና ይብል።

ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ናይ ኪናት ገበነኛታት፡ ጃምላዊ ህልቂት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላት ንዝፍጽሙ ኣካልታ ዝርኢ ቤትፍርዲ እዩ። ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 2002 ዝተገብረ ውዕል ተመስሪቱ። ኣስታት 123 ኣባል ሃገራት ዝሓቆፈ እዩ። እንተኾነ ግን ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣባላት ንምኻን ነጺገንኦ ይርክባ ( ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይና፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ገለ ሃገራት ኣፍሪቃን)።

Related posts

Leave a Comment