ጸረ ኣድልዎ ሪፈረንደም ኣብ ስዊዘርላንድ

ባንደራ ስዊስን ዙሪኽን

ጸር ኣድልዎ ሕጊ ንምጽዳቅ ረፈረንደም ኣብ ስዊዘርላንድ

ኣብ ስዊርላንድ ብዕለት 09.02.2020 ዓብን ኣገዳስን ረፈረንዶም ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ረፈረንደም ሓደ ውድሰብ ብሰንኪ ጾታዊ ኣመላኻኽትኡ ንኸይጋነ ዝልኣኸል ሕጊ ንምጽዳቅ እዩ ነሩ። እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል። 63.1% እዊ ውሕስነት ይሃልዎም፡ 36.9% ኣይፋል ኣድሚጾም። ስለዚ በቲ ዝተረኽበ ውጽኢት መሰረት ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ማለት በቲ ልሙድ ኣጸውዓ ናይ ዓድና(ደቅንስትዮ ነንሕድሕደን ከምእ’ውን ደቂተብዓትዮ ነንሕድሕዶም ዝዋሰቡ) ውሕስነት ዝህቦም ሕጊ ጸዲቁ። እዚ ውጽኢት ድማ ንዓቃባውያን ኣዝዩ ዓቢ ጽፍዒት ኮይንዎም። ነዚ ውሳንየ ዘይደገፉ መብዛሕትኦም ነበርቲ ገጠራት ካብ ማእከላይን ምብራቅን ስዊዘርላንድ ክኾኑ እንከለዉ፡ እዚ ሕጊ ንክጸድቅ ደገፎም ዘስምዑ ድማ ካብ ተዛረብቲ ቃንቃታት ፍራንስን ጣልያንን ከምኡ’ውን ካብ ከተማታት እዮም።

ምኒስትሪ ፍትሒ ስዊዘርላንድ ካሪን ከለር- ሹተር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ እዚ ውጽኢት ናይ ሎሚ ኣብ ቅዋም ሃገርና ሓደ ሓርግ ከምዝወሰኽና እዩ ዝሕሰብ፡ ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቅዋም ሃገረ ስዊዘርንድ ሕጋጋት ጸር ኣድለዎ ኣብ ዓለታዊ፡ ሃይማኖታውን ብሄራውን ጥራይ ምንባሩ ትብል።

ዝኾነ ሰብ ብሰንኪ ጾታዊ ኣመለኻክትኡ ክጽላእ፡ ክጋነ፡ ክርሕን ከምዘይ ግባእ ገሊጻ። ነዚ ዝጥሓሰ ድማ ብሕጊ ክቅጻዕ እዩ ትብል።

ተቃወምቲ ብወገኖም ነቲ ውጽኢት ወላእኮ እንተ ተቀበልናዮ ነጻ ናይ ምዝራብ መሰል ከይዕፈን ግን ብጥብቂ ክንከታተል ኢና ይብሉ። ዕዉታት ማለት ኣካየድቲ ጎስጋስ ኣንጻር ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓይነት ጾታ፡ እዚ ንጹር መልእኽቲ ጸረ ጽልእን ኣድልዎን ክብሉ ሓጎሶም ገሊጾም። ብተወሳኺ ቃልስና ኣብዚ ኣየብቅዕን እዩ፡ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ጉዳይ መርዓ ግብረ-ሰዶማውያን ሕጋውነት ንክረክብ ኣብ ባይቶ ክንጽዕር ኢና ይብሉ።

Related posts

Leave a Comment