ቅልውላው ኣብ ክለብ ባርሰሎና

መዳ ኩዕሶ ባርሰሎና

ናይ ቃላት ቁርቁስ ኣብ መንጎ ሊዮነል መስን አሪክ ኣቢዳልን

ክለብ ባርሰሎና ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ነበር አርነስቶ ቫልቨርደ ወላእኮ ናይ ላሊጋ ዓወታት የግዝማ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክብራ ክመልስ ስለዝይክኣለ ካብ ምስልጣን ኩዕሶ እግሪ ክለብ ባርሰሎና ከምዝተባረር ይዝከር። እንተኾነ ግን ዳይረክተር ክለብ ባርሰሎና አሪክ ኣቢዳል ጠንቂ ምስጋግ ናይ አርነስቶ ቫልቨርደ ተጻወቲ ባርሰሎና ብዘርኣይዎ ሸለትነትን ትህኪትን ክብል ወስ ድሕሪ ምባሉ ካብቲ ብሉጽ ተጻዋታይን ሓላቃ ጋንታ ባርሰሎናን ዝኾነ ሊዮነል መሲ ተሪር ነቀፈታ ኣጋጢምዎ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ክለብ ባርሰሎና ዘይምርግጋእ ከይፍጠር ዓቢ ስግኣት ኣሎ። ልዮነል መሲ ወላእኮ ውዕሉ ክሳብ 2021 ይኹን፡ ኣብ ደስ ዝበሎ እዋን ኮንትራቱ ኣፍሪሱ ናይ ምኻድ ውዕል ስለዘለዎ፡ ጥንጢንም ከይከይድ ዓቢ ስግኣት ኮይንዎም ኣሎ። ነዚ ዝትዓዘባ ዓበይቲ ክለባት ብፍላይ ድማ ክለት ፕሪመር ሊግ ክልተ ማንቸስተር ኣቅርበት ይከታትልኦ ኣለዋ። ሊዮነል መሲ ንክለብ ባርሰሎና ገዲፍዋ እንተከይዱ፡ መተካእታ ናቱ ክትረክብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ብምኻኑ። ደረጅኣ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዝወርድ ርድኡ ይመስል። ንስኻትኩምከ እንታይ ትብሉ?

Related posts

Leave a Comment