ዝተኸልከለ ጸረ ባልዕ ኣብ ዝስተ ማይ ተረኺቡ

ትራክቶር

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝስተ ማይ ክልኩል ጸረ ባልዕ ተረኺቡ

ስዊዘርላንድ እታ ብጽረታን ማሕበራዊ ምርግጋእን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ዓለምና ሓንቲ እያ። እንኮላይ ሰጋእ ከይበልካ ካብ ቡንባ ማይ ቀዲሕካ ትሰትየላ ሃገር ብምኻና’ውን እቲ ካልእ ብልጫ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ መርበብ ሓበረታ ስዊስ ኢንፎ ተዘርጊሑ ብዘሎ መሰረት፣ ሓረስቶት ስዊዘርላንድ ካብ 1970 ኣትሒዞም ኣሕምልቲ፡ ድንሽ፡ ኣእካል ንምፍራይ ምእንታን ክሕግዞም ጸረ ባልዕን ጻህያይን ይጥቀሙ ነሮም። እንተኾነ ግን እዚ ጸረ ባልዕ ኣብ ትሕቲ ባይታ ዘሪቁ ብምእታው ኣብ ዝስተ ማይ ክጽንበር ብምኽእሉ ሻቅሎት ይፈጥር። ህዝባዊት ራድዮ ስዊዘርላንድ ሮቡዕ ኣብ ዝሃበቶ ፈነወ ኣብ ውሽጢ ካብ ትሕቲ ባይታ ዝምንጩ ዝስተ ማይ ክሎሮታኖሊን ልዕሊ መልክዒ ኣብ ኣስታት 12 ካንቶናት ከምዝተረኽበ ኣስፊራ።

ኣብ ካንቶን ኣርጋው ዝመደበሩ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ተጥቀምቲ(ዓደግቲ) ንራድዮ ስዊዘርላንድ ኣብዝሃቦ መብርሂ፡ወላእኮ ኣብ ህዝቢ ህጹጽ ዘስዓቦ ጉድኣት ኣይሃሉ፡ ኣብዝተናውሐ ግን ሳዕበን ክህልዎ ምኻኑ ኣብሪሑ።

ብመሰረት መግለጺ ፈደራላዊ ድሕነት መግቢ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ 2017 ሓረስቶት ስዊዘርላንድ ኣስታት 2025 ቶን ጸረ ባልዕ ተጠቂሞም። ካብዚ ድማ ኣብ 2% ማለት ኣብ 45 ቶን ጸረ ባልዕ ክሎሮታኖሊን ዝብሃል ኣጽኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውርሒ ሰነ ሓንቲ ዓዲ ኣብ ካንቶን ፍራይቡርግ ትርብ ዝስተ ማይ ከምዝቃረጽ ተገሩ ነሩ። ምኽንያቱ ክሎሮታኖሊን ኣብ ዝስተ ማይ ብተደጋጋሚ ስለዝንሐ።

ፈደራላዊ ብዓል መዚ ስዊዘርላንድ ምኒስትሪ ሕርሻን ነዚ ብከላ ናይ ማይ ንምክልኻል ዝግብኦም ስጉምቲ ክወስዱ ምኻኖም ይሕብሩ። እንተኾነ ግን ህዝቢ እዚ እኹል ኣይኮነን ብምባል ኣዝዩ ነጥበ መቀይሮ ዝኾነ ስጉምቲ ክትግበር ይጠርዑ። ነዚ ክዉን ንምትግባር ድማ ድሮ ክልተ ናይ ተበግሶ ስጉምትታ ተወሲዱ ንህዝቢ ብድምጹ ኣብዝውስነሉ መስርሕ ረፈረንዶም ከምርሑ ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት መግለጺ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ክሎሮታኖሊን ንዓሳታትን ካልኦት ናይ ብሕሪ ሂወታውያንን ከምዝጋዳእ ይሕብር። ሕብረት ኤውሮጳ ብወገና ክሎሮታኖሊን ኣብ 2020 ንክትውግዶ ኣንቂዳ ከምዘላ እቶም ጸብጻባት ብተወሳኺ ይሕብሩ።

Related posts

Leave a Comment