ብዛዕባ ክሮና-ቫይረስ(Cronavirus)ክትፈልጥዋ ትደልዩ?

ቫዝረስ

ክሮና-ቫይረስን ዘስዕቦ ጉድኣትን

ክሮና-ቫይረስ እንታይ እዩ? ክሮና-ቫይረስ ካብቲ ዓቢ ስድራቤት ናይ ሳርስን(SARS) መርስን(MERS) ዝተባህሉ ዓይነት ቫይረስ ኮይኑ። እዞም ቫይረስ እዚኣቶም ንስርዓተ ምስትንፋስ ዘጥቅዑ እዮም። እዞም ቫይረስ ኣዚእቶ ምኣብ እንስሳታ ዑደት የካይዱ፣ ገለ ካብኣቶም ድማ ኣብ መንጎ እንስሳታትን ደቅሰባትን ይምሓላለፉ። ብርክት ዝበሉ ክሮኖ-ቫይረሳት ኣብ እንስሳታት ዝነብሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ደቅሰባት ዝኾነ ጠንቂ ዘይኣምጹ ኣለዉ። እዝዚሓድሽ ክሮኖ-ቫይረስ ኖቨል ክሮና-ቫይረስ ዝብል ሽም ተዋሂብዎ ኣሎ። መበል ሻብዓይ ክሮና-ቫይረስ ንደቂሰባት ዘጥቅዕ ኮይኑ ኣሎ።

ምልክታት ሕማም ክሮና-ቫይረስ፣ በዚ ቫይረስ ዝተጥቅዐ ሰብ ሓፈሻዊ ምልክታት ናይ ስዓል የርኢ። ጸረታ ኣፍንጫ፡ኣንጥሾ፡ ምስዓል፡ ምልሕታት ጎረሮ፡ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ ዝኣመሰሉ ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ዘይምቹእነት ይስምዖ። ብቀደም ተኸተል ምስንርእዮም ድማ፡ መጀመርያ ርስኒ ይገብረልካ፡ ስዒቡ ድማ ደረቅ ስዓል ይገብረልካ። ቀጺሉ ሕጽረት ትንፋስ የኸትል፡ ገለ ሕሙማት ክሳብ ናይ ሆስፒታል ክንክን ኣብዘድልም ደረጃ ይበጽሑ። ኣብ ዝብኣሰ ደረጃ ድምማ ሕማም ኒሞንያ(ሕማም ሳምቡእ)፡ ምፍሻል ኩሊት፡ ሕማም ሳርስ ከምኡ’ውን ክሳብ ሞት ስዕብ። ምልክታት ናይዚ ሓድሽ ሕማም ብኖቨል ክሮና-ቪሩስ ዝመጽእ ካብ ሓደ ምዓልቲ ክሳብ 14 ምዓልታት ዘሎ ይርአ።

ክንደይ ሰባት በዚ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ? ክሳብ ሕጂ ተገሩ ኣብዘሎ ጸብጻባት ኣብ ቀንዲ መሬት ቻይና 425 ሞይቶም ኣስታት 20ሽሕ ዝኾኑ ድማ በዚ ሓድሽ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ። ኣብ ፍሊፒንን ሆንግ-ኮንግን ድማ ነፍስወፍ ሓደ ሰብ ከምዝሞትወን ጸብጻባት ሕብሩ። ከምእ’ውን ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለምና ከምዝተቀልቀለ ይሕበር ኣሎ።

ክሮና-ቫይረስ ካበይ መጺኡ? ቻይና ብዕለት 31.12.2019 ኣብ ውሃን ዝተባህለት ኣውራጃ ናይ ኒሞንያ ማለት ግዳያት ሕማም ሳንቡእ ከምዝተራእዩ ናብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነጋሪት ኣዊጃ። ብዕልት7 ጥሪ 2020 ሰብ መዚ ቻይና ሓድሽ ቫይረስ ከምዝተረኽበ ሓቢሮም። ተመራመርቲ ከምዝሕብርዎ ኣብ ዉሃን ዝተባህለ ቦታ ናይ ሃገረ ቻይና ኣብ ዕዳጋ ፍርይት ባሕሪ ዘይሕጋውያን እንስሳታት’ውን ከምዝሽየጡ ቦታ ጀሚሩ። እቲ መበገሲ ድማ ካብ ተመን ናብ ደቂ ሰባት ምዝተሰጋገረ ይሕበር። ስለዚ ካብ ኣትማን፡ ኣናጹ፡ ኣህባይ ዝኣመሰሉ እንስሳታት ምብላዕ ምቁጣ ኣድላይ ይመስል ኣሎ።

ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብኸመይ ይምሓላለፍ? ሕማም ክሮና-ቫይረስ ሓፈሻዊ ካብቲ በዚ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ናብ ጥዑይ ሰብ ብኸምዚ ዝስዕ ብኣገባብ ይምሓላፍ፦ እቲ ዝተለኽፈ ሰብ ምስ ዝስዕልን ኣንጥሾ ምስዝብልን፡ብናይ ኢድ ሰላምታን ምትንኻትን፡ እቲ ቫይረስ ዝሰፈሮ ቦታት ብኢድካ ምትትንክፎ ቀጺልካ ድማ ኢድካ ናብ ኣፍንጫኻ፡ ኣስካ፡ ኣዕንትካ ምስትትንፍይ።

ብኸመይ ካብዚ ክሮና-ቫይረስ ነፍሰይ ክከላኸል ይኽእል? ብመሰረት ውድብ ዓለማዊ ጥዕና ዘምሓላለፎም መግለጺ ህዝቢ ኣብዘለዎን ዝነብረሉን ቦታ ናይ ንድሕነት መምርሒታት ክከታተሉን ክትግብሩን ይምሓጸን። እቶም መምርሒታት ድማ ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፡ መሰረውኢ ንጽህና ማለት ደቅሰባት ይእዳዎም ብሳቡናን ማይን ክሕጸቡ፡ ሃንጥሾ ኣብዝብሉሉ ግዜ ድማ ኣብ ግንቦ-ኢዶም ክብሉ ከምዘለዎም ይምሕጸን። ቻይና ብወገና ነዚ ሕማም ንምግታእ ኣብ ብዙሕ ከብኢታትን ኣስታት 20 ዓበይቲ ከተማታት ናይ ዘይምጋሽን ኣብ ኣውቶቡሳት፡ ባቡርን ካልኦት ናይ መጉዓዝያ መስመራትን ጽኑዕ ምቁጽጻርን ትገብር ኣላ። ምኡ’ውን ንግዲ እንስሳ ዘገዳም ደውክብል ኣዚዛ።

Related posts

Leave a Comment