ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ መገሻ እገዳ ይብይን

መገሻ

ዶናልድ ትራምፕ ናይ መገሻ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይትግብር

ብዕለት 31,01.2020 ኣብ ዝወጸ መግለጺ ፕረስደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሽድሽተ ሃገራት ናይ ስደተኛታት እገዳ ወሲኑ። ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ፣ ክርግስታን፣ ናጀርያ፣ ማይናማርን ናይ ቀዋሚ መንበሪ ቪዛ እገዳ በይኑ። ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሱዳንን ታንዛንያን ድማ ናይ ዲቪ ቪዛ የጠቃልል። ትሓለቅቲ መሰላት ገያሹ ነዚ ውሳኔ ብትሪ ነቂፎምን ፈላላይ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ኣስላምን ካልኦትን ክብሉ ገሊጾም። ምኽትል ዋና ጽሓፊ ድሕንነት ውሽጢ ሃገር ቻድ ዎልፍ ብዝሓበሮ መሰረት እዘን ሃገራት ነቲ ዝትሓተ ረቃሒታት ኣብ መዳይ ሓበሬታን ምትሕልላፍን ከማልእ ብዘይ ምኽኣለን ይብል ነዚ ስጉምቲ ክንወስድ ተገዲድና ይብል። ብተወሳኺ ኣቶ ዎልፍ እዚ ውሳኔ ነቶም ብግዝያዊ ምብጻሕ ማለት ብንግዲ ወይ ሕክምና ምኽንያት፣ ናይ ቱሪስትን ዘይጹሉ ምኻንኑብተወሳኺ ኣብሪሁ። እዚ ብይን ድማ ብ 21.02.2020 ግብራዊ ክኸውን ምኻኑ ይሕብር። ኣብ ኣስመራ ዓሪዶም ዘለዉ ሸፋቱ ስርዓት ህግደፍ ብወገኖም ብመንገዲ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣቢሎም ንዝምድና ክልትአን ሃገራት ዝገድእ እዩ እንተኾነ ግን ዝኾነ ስጉምቲ ኣይንወስድን ኢሎም። መንግስቲ ናይጀርይያ ብወገኑ ንቲ ኮሚቴ ነዚ ጓይ ትርኢ ኣቂሙ ይርከም። ታንዛንያ ብወገና ብዛዕባዚ ጉዳይ ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዘይብላ ሓቢራ። ምዝፍለጥ ዶናልድ ኣብ ስልጣን ቅልቅል ምስበለ ኣብ ጥሪ 2017 ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ገያሾን ናይ ሽውዓተ ሃገራት(ኢራን፣ ሊብያ፣ ሶማልያ፣ የመን) ማለት ዝበዝሑ ዜጋታተን ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብዝኾና እገዳ በይኑ ነሩ።

Related posts

Leave a Comment