ዝምታ ባህርያዊ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍን ኩባንያ ዳናካሊን።

ዕደና ፖታሽ

ቀዳማይ ገጽ ዕደና ፖታሽ ኣብ ኤርትራ ብኩባንያ ዳናካሊ ኣብ መፈጽምትኡ ይርከብ። ኣውስትራልያ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕድና ዳናካሊ ዝተባህለ፡ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ዝሃቦ ፍቃድ መሰረት ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ናይ ፖታሽ ዕደና ከካይድ ምኻኑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ዕደና ዝካየደሉ ቦታ ድማ ኮሉሊ ዝብሃል ቦታ ኣብ ምብራቃዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣውራጃ ደንከል ዝርከብ እዩ። እታ ኣብ ከተማ ፐርዝ ኣውስትራልያ ዝመደበራ ኩባንያ ዕደና ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ መስርሕ ተዛዚሙ ኣብ ካልኣይ ገጽ ከምዝተሰጋገሩ ተብርህ። እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ፕሮጀክት ትሕተ ቅርጺ ምውዳድ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ ኣድለይቲ ናውትን መሳለጥያታትን ዘጠቃለለ…

Read More