ስድራቤት ምሰረት ፍትሓዊ ምሕደራ

ኣብ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት እሞኻኣ ቅድሚ ምዕራባውያን ፈደራላዊ ምሕደራ ይኽተሉ ምንባሮም ገለ ናይ ታሪኽ ሰነዳት ይሕብሩ። ግደ ሓቂ ኣብ ባህርያዊ ተፈጥሮና ምልስ ኢልና ምስንዕዘብ ኣህዛብ መጀመርታ ኣብቲ ዝነብሩሉ ቦታ ምስቲ መነባብርኦም ዝሳነ ሕጊ ኣውጺኦም ይካየዱን ይነብሩን ነሮም። ናይ ካልኦት ወራርን ዝምታን እናብዝሔ ኣብዝኸደሉ እዋን ድማ ንጸላእቶም ንምምካት ናይ ሓባር ኪዳን ይምስርቱ ነሮም። ብኸምዝን ካልእ ኣገባብን ድማ ካብ ስድራቤት ናብ ዓድታት ካብ ዓድታት ድማ ናብ ወረዳታት ኮታስ ኣውራጃታት እንዳ ዓበየ ከይዱ። ቀጺሉ ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ሃገራት ቀመን። ስለዚ እቲቀንዲ መሰረት ናይ ሓንቲ ሃገር ስድራቤት ካብ ኮነ፡ ስድራቤት ብሞራልን ስነምግባርን…

Read More

ሰብ ሓዳር ገንዘብ ከመይ ገሮም የካውኑ?

ስድራቤት፣ ገንዘብ

ሕጉስቲ ስድራቤት ከመይገራ ገንብ ተካውን ኩላትና ንስድራቤትና ዘድልዮም ምእንቲ ክነማልአሎም ገንዘብ የድልየና። ምኽንያቱ ገንዘብ ዕቅባ ይኾነና እዩ። ከም ሰብ ሓዳር መጠን ብዛዕባ ገንዘብ ምዝርራብ ኣጸጋሚ ክኸውን ዝኽእል እካ እንተኾነ፡ ጉዳይ ገንዘብ ኣብ ሓዳርኩም ጸገም ከምጽእ ኣይተፍቅዱሉ። ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ገንዘብ ክውስንኑ እንከለዉ፡ንሓድሕዶም ክትኣማመኑን ሓቢሮም ክዓዩን ኣለዎም። ምኽንያቱ ነቲ ሓደ ዝተኸወሎ ኣርባሒ ዕድላት ነቲ ካልእ ክብርሃሉ ስለዝኽእል ምዝታይ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ስለዚ እስኪ ነዘን ዝስዕባ ኣገባብ ንልከት፡ 1.ተጠንቂቅካ/ኪ መደብ ኣውጽኣሉ/ሉ፡መን ካባኻትኩምከ ገዛ ወይ ዝኾነ ዝምነዮ ክሃንጽ ደልዩ ግን ዝኣክል ዘለዎ፡ ኣቀዲሙ ከፍ ኢሉ ጸብጻብ ዘይካይድ? ንኣጠቃቅማ ገንዘብ ብዝምልከት፡ ምስ መጻምድትኻ ብሓባር…

Read More

ስድራቤት

ስድራቤት

ስድራቤት እንታይ ማለት እዩ? ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት መብዛሕትኡ እዋን ስድራቤታት ኣቦ፣ ኣደ፣ ውሉዳት ዝሓቆፋ እየን። ኣብሓጎታት ወይ እኖሓጎታት ዝኽእሉ እንተኮይኖም ንበይኖም እዮም ዝነብሩ። እንትድኣ ደኺሞም ዓቅሚ እንተስኢኖም ክሳብ ግዜ ዘልኣለማዊ ዕረፍቶም ድማ ኣብ እንዳ ዓበይቲ ዝእለዩሉ ይቅመጡ። ይኹንምበር ኣብዚእዋን ካልኦት ዓይነት ስድራቤታት ማለት ንጽል ወለዲ ዘለወን ስድራቤት፣ ስበይቲ ኣቦ ወይ ድማ ሰብኣይ ኣደ ዘለወን ስድራቤት፣ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ወለዲ ብሓንሳብ ዘይነብሩለን ስድራቤት እንዳ ወሰኻ ይኸዳ ኣለዋ። ኣብ ገለ ባህልታት ልሙድ ዝኾነ ድማ ንኻልኦት ኣባላት ቤተሰብ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ዝስካም ስድራቤት  ምህላው እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰላ ስድራቤታት ኣብሓጎ ወይ እንሓጎታት ብደቆም…

Read More