ምርጫ ባይቶ ስዊዘርላንድ

ቤትጽሕፈት ባይቶ ስዊስ

ምርጫ ባይቶ ስዊዘርንድ 10..21.2019

ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ 20.10.2019 ካብ ነፍስወከፍ ኣውራጃታትን ከተማታትን ፖሎቲካዊ ውድቦም ወኪሎም ኣባል ባይቶ ንምኻን ብዙሓት ሕጹያት ኣብ ውድድር ተጸሚዶም ውዒሎም። ኣብ ፈደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝርከባ ዓበይትን ንኣሽቱን ፖሎክኣውያን ውድባት ነዘን ዝስዕባ ይመስላ፣ ዓቃባዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ (BDP – Conservative Democratic Party); ክርስትያን ማሕበራዊ ሰልፊ ስዊርላንድ (CSP – Christian Social Party of Switzerland); ክርስትያን ደሞክራስያዊ ሰልፊ(CVP – Christian Democratic Party); ወንገላዊ ሰልፊ (EVP – Protestant Party); ኣኽራሪ ገስጋስ ሰልፊ (FDP – Radical Liberal Party);ገስጋሲ ሓምላይ ሰልፊ (GLP – Liberal Green Party); ሓምላይ ሰልፍ (Grüne – Green Party); ማሕበር ተሲኖ (Lega – Lega dei Ticinesi); ምንቅስቃስ ዜጋታት ጀነቫ (MCG – Geneva Citizens‘ Movement); ደሳዊስ ሰልፊ (PdA – Communist Party); ማሕበራዊ –ደክራስያዊ ሰልፊ (SP – Social Democratic Party); ህዝባዊ ሰልፊ ስዊዘርላንድ (SVP – Swiss People’s Party)።

ባይቶኣዊ ምርጫ ስዊዘርላንድ ኣብ ነፍስወከፍ 4 ዓመት እዩ ዝካየድ። ሃገራዊ ባይቶ ስዊዘርላንድ ክልተ ክፍሊ ኣለዎ። እቲ ሓደ ክፍሊ 200 ኣባላት ባይቶ ዝሓቆፈ ኮይኑ ንህዝቢ ዝውክል እዩ። ነፍስወከፍ ፖሎቲካዊ ውድብ ካብተን ካንቶናት ሕጹያት የቅርባ። ብዝሒ መንበር ሓደ ካንቶ ኣብ ብዝሒ ህዝብ እዩ ዝምርኮስ። ንኣብነት ካንቶን ዙሪኽ ኣስታት ሚልዮን ነበርቲ ኣለዋ 35 ኣባላት ባይቶ ድማ ትውክል። እቲ ካልኣይ ክፍሊ ንካንቶናት እዩ ዝውክል። ካብ ነፍስወከፍ ዓበይት ካንቶናት 2 ኣባላት ካብ ነፍስወከፍ ንኣሽቱ ካንቶናት 1 ኣባል ይውከል። ጠቅላላ ብዝሒ ናቶም ድማ 46 እዮም።

ብዕለት 20.10.2019 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ባይቶ ሰልፊ ሓምላይ ኣብ ታሪኽ ዝስነድ ዓወት ጫቢጦም። እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ከምዝሕብሮ መሰረት ጸጋማዊ ክንፊ ሰልፊ ሓምላይ 13% ማለት 26 መንበር ረኺቡ። እዚ ድማ ኣብ 2015 6% ዝነበረ ናብ 13% ምብራኹ ናይ መጀመርታ እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ናይቲ ሰልፊ እዩ።። ሓላፊት ሰልፊ ሓምላይ ረጉላ ርይትዝ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ “ህዝቢ ኣብ ምዕቃብ ኣከባቢ ሓያል ለውጢ ስለዝደሊ ኣብ መንግስቲ ድማ ነዚ ዝትግብሩ ወከልቲ ሰልዘድልይዎ እዩ መርጹና ትብል”። ሓምላይ ገስጋሲ ሰልፊ ምይ ብወገኑ 7.9% ማለት 16 መንበር ረኺቡ። ብእንጻሩ ድማ የማናዊ ክንፊ ህዝባዊ ሰልፊ ስዊዘርላንድን 3.6% ማለት 7 መንበር ክኸስሩ እንከለዉ፣ጸጋማዊ ክንፊ ደሞክራስያዊ ማሕበራዊ ሰልፊ ድማ 2.2% ማለት 4 መንበር ከሲም። እንተኾነ ግን እቶም ዝሓየሉ ፖሎቲካውያን ውድባት ፈደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ እዮም። ቁጽሪ ኣባላት ባይቶ ደቂ ኣንስትዮ ናብ 85 በሪኹ። እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮብ 10% ክብኢሉ።

Related posts

Leave a Comment