ኣገዳሲ ሓበሬታ መንበሪ ፍቃድ”F” ዝሓዙ ወጻእተኛታት ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ

ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ንወጻእተኛታት ነበርቲ ይኹን ዕቁባ ሓተቲ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ናይ መንበሪ ፍቃድ ይውሃብ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ ድማ፣ G, L, B, F, C. ብዛዕባ ዝርዝራቶም ኣብ ቀጻሊ ክነቅርበልኩም ኢና። ንሎሚ ብዛዕባ መንበሪ ፍቃድ “F” ዝምልከት ክንጽሕፍ ኢና ምኽንያቱ ብዛዕብኡ ዝምልከት እዋናዊ ሓበረታ ወጺኡ ዝለዘሎ። እዚ ዓይነት መንበሪ ፍቃድ ግዝያዊ ኮዩ ነቶም ዕቁባ ዝሓቱ ወጻእተኛታት ናይ ዕቅባ ጥርዓኖም ተቀባልነት ዘይረኸቡ ግን ክኣ ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ናይ ጥዕና ወይ ውሕስነት ዘይምርካብ ክምለሱ ዘይክእሉ ዝውሃብ እዩ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ብዛዕባ ወጻእተኛታት ነበርቲ ስዊዘርላንድ “F” መንበሪ ፍቃድ ንዝሓሱ ብዝምልከት ናብ ሃገሮም ንኸይገሹ ዝክልክል እዩ። እንትርፎ ጠቅሊሎም ካብ ስዊዘርላንድ ክኸዱ እንተዘይኮይኖም። ብዘይ ዝኾነ ፍቃድ ሰብ መዚ ምስ ዝገሹ ድማ ክሳብ መንበር ፍቃድ ምምንጣልን መሰል ናይ ምርካብ ዕድል ምንፋግን ሳዕበን ከኸትል ይኽእል። እዚ ሓድሽ ሕጊ እንኮላይ ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ መገሻ ፍቃድ ዝኽልክል እዩ። ብጉዳይ ሞትን ሓዘንን ናይ ስድራቤት፡ ብጉዳይ ትምህርት ከምኡ’ውን ንሞያዊ ልምምድ ዝምልከቱ ጉዳያት ምስ ሰብ መዚ ብምዝርራብ ፍቃድ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ከምዘሎ እቲ ጸብጻባት ይሕብር።

እንተኾነ ግን እቲ ቀሪቡ ዘሎ ፈደራላዊ ሕጊ ወጻእተኛታት ነበርቲ ፈደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ መንበሪ ፍቃድ “F” ዝሓዙ ስድራቤቶም ይኹኑ ንገዛእ ርእሶም ካብ ማሕበራዊ ምጽወታ ዝግበር ሓገዝ ነጻ እንተኾይኖም፡ ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን (ኣውራጃ) ብስራሕ ወይ ትምህርቲ ምኽንያት ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን(ኣውራጃ) ክቅይሩ ኣይክልክልን እዩ ይብል እቲ መግለጺ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ብብርክት ዝበሉ ሰባት ክትዕ ፈጢሩ። ገለ ሰባት ሓድሽ ሕጊ ንደቅሰባት ኣብ ላንጋ-ላንጋ ሂወት ዘንብር እዩ ብምባል ክነቅፉ እንከለዉ፡ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ወጻእተኛታት ቀጥታ ኣብቲ ዝመጹሉ ቦታ ንከይምለሱ ወሕስነት ዝህብ ብምኻኑ ደገፎም ይገልጹ። ፈድራላዊ ባይቶ ሃገረ ስዊዘርላንድ ድማ ቅድሚ ግብራዊ ምኻኑ ከጽድቆ እዩ።

ምንጪ swissinfo.ch

Related posts

3 Thoughts to “ኣገዳሲ ሓበሬታ መንበሪ ፍቃድ”F” ዝሓዙ ወጻእተኛታት ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ”

  1. I was studying some of your posts on this site and I conceive this web site is really instructive! Keep posting . Abbey Davidde Kamin

  2. Wow, this paragraph is fastidious, my sister is analyzing these things, so I am going to convey her. Jannel Kippar Leotie

  3. Scavenger hunt! But not just a list. Clues that have to be figured out to find out what it is you need! Blakeley Mathew Iila

Leave a Comment