ስዊዘርላንድ ንምቁጽጻር ኮሮና-ቫይረስ ሃገራዊ ድሕነት ኣዊጃ

ምሕጻብ ኢድ

ስዊዘርላንድ ምእንቲ ኮሮና-ቫይረስ ንምቁጽጻር ሃገራዊ ድሕነት ኣዊጃ ፈደራላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ሎሚ ሶኑይ 16.03.2020 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝገበሮ ኮንፈረንስ፣ ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ህዝባውያንን ብሕታውያንን ትካላት፡ ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከበሎም ማለት ኣብያተ መግቢ፡ ባራትን ካልኦት ናይ ምዝንጋዕ ማእከላትን ክሳብ ዕለት 19.04.2020 ከምዝዕጸዉ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብያተ ትምህርትን ዩንቨርስትታትን ከምዝትዓጽዋ ዝዝከር እዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ 2200 በዚ ቫይረስ ዝተለኽፎም ከምዘለዉን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዚሒ በዚ ቫይረስ ሄቶም ዝስኣኑ ድማ ናይ 20 ሰባት በሪኹ ይርከብ። ስለዚ ድማ ኣዝዩ ሓያል ስጉምቲ ንክወስዱ ዝተገደዱ። ብዘይካ ኣብያተ ሕብስቲ፡ ፖስት ኦፊስ፡ ባንክ፡ ትካላት ሃለኽትን ፋርስን ኩሉ ካብ ፍርቅለይቲ ዕለት…

Read More