ኮሮና-ቫይረስ ኣብ ኣፍደገ ስዊዘርላንድ ተላቢዑ

ኮሮና-ቫይረስ ኣብ ጥልያን ብምልባዕ ንስዊዛውያን ዓቢ ሻቅሎት ኮይንዎም ኣሎ

ኣብዚ ቅንያት ኣብ መሬት ኣውሮጳ ኣብ ሃገረ ጥልያን ልዕሊ ትጽቢት ኮሮኖ-ቫይረስ ከምዝተላብዐ ምስተፈልጠ፡ ሰበ ስልጣን ሃገረ ስዊርላንድ ኣዚ ሕማም ኣብ ሃገሮም ንከይኣቱ ኣቀዲሞም ዘድሊ ምድላዋት ክገብሩ እኮ እንተጸንሒ፡ ሕጂ ግን ኣዝዩ ኣሻቃሊ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣብ ዶብ ጥልያን ጽኑዕ ምቁጽጻርን ናይ መገሽ መጠንቀቅታን ይህቡ። ከምኡ’ውን ዝኾነ ምልክት ናይ ስዓል ዝመስል ዝራእዮ ናይ ( Covid-19 virus ) መርመራ ይገበረሉ። ብመሰረት መግለጺ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገረ ስዊዘርላንድ ኣብዘን ዝስዕባ ምዓልታት ድማ ናይ ሓበረታ ጎስጋስን ኣብያተ ምኽርታትን ብስፍሕ ዝበለ መልክዕ ክቀርባ እየን ይብል።

ብተወሳኺ ምኒስተር ወሽጣዊ ጓዳይት ኣቶ ኣልያን በርሰት ኣብ ቅድሚ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ምስ ሰብ መዚ ጥዕና ጎረባብቲ ሃገራት ቀጻልን ስሩዕን ርክባት የካይድ ኣሎ ይብል። ኣድላይ ምስ ዝኸውን ድማ ኣገዳሲ ስጉምትታት ንድሕት ህዝብና ክንወስድ ኢና ኢሉ። ቀጺሉ ኣቶ ኣልያን በርሰት ክሳብ ሕጂ ጽቡቅ ምድላዋት ተገሩ ከምዘሎ ብፍላይ ምስ ሰብ መዚ ጥዕና ካንቶናት ውሁድ ምድላዋት ከምኡውን ኣባላት ኣላርም ጥዕና ኤውሮጳን ምኻኖም ኣብሪሁ።

ስዊዘርላንድ ምስ ኣርባዕተ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ትዳወብ እምበር ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ግን ኣይኮነትን።ደቡባዊ ክፋል ተሲኖ ጥቡቅ ንግዳዊ ርክብ ምስ ሃገረ ጥልያን ዘለዎ ክፋል ስዊዘርላንድ እዩ። ኣስታት 68000 ዶብ ሰጊሮም ዝሰርሑ ኢጣልያውይን ድማ ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ ኣስታት 300 ጥርጡራት ኮሮና-ቫይረስ ኣብ ስዊዘርላንድ ከምተመዝገቡ እንተኾነ ግን ዝኾነ ግዳይ ኮሮና-ቫይረስ ከምዘይ ተረኽበ ብዓል መዚ ጥዕና ኣቶ ኣልያን በርሰት ሓቢሩ።

ሓበረታ፡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ተወሰኽቲ ጎስጋሳትን ሓበረታትን ንህዝቢ ምእንቲ ከነቃቅሑ ብሰብ መዚ ሃገረ ስዊዘርንድ ተመዲቡ ኣሎ። እቲ ጎስጋስ ድማ ፖስተራትን መምርሒትን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ፡ መጉዓዝያ ምድሪ ባቡር፡ህዝባውን ውሃብቲ ኣገልግሎትን የጠቃልል። ኣብ ክፍሊ መርመራ ማለት ላባራቶሪ መስኣለጥያታት ክብርኽ ምኻኑ ይሕብሩ ሰብ መዚ ጥዕና ስዊዘርላንድ። እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ተወሲዶም ዘለዉ ስጉምትታት ዝዕግቡ እዮም ይብል። ብተወሳኺ ኣድላይ ኮይኑ ምስዝርከብ ዝኾነ ኢቨንትስ ክስረዙ ከምዝኽእሉ ኣተንቢሆም።

በዚ ሕማም ዝተጠቅዐን ምስኡ ቅርበት ዝገበረን ኣብ ሆስፒታል ክንጸሉን ክሕጸሩ ምኻኖም ኣቶ ዳንአል ኮኽ ክኢላ ተምሓላለፍቲ ሕማማት ካብ ቢሮ ጥዕና ፈደራል ስዊስ ሓቢሩ። ብተወሳኺ እኹላት ሆስፒታላትን ቦታን ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ስዊዛውያን ኣብ ድያስፖራ፡ሃንስ ፐተር ለንዝ ሓላፊ ኣብ ወጽኣኢ ጉያት ጭንፈር ምሕደራ ቅልውላው ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ሓበረታ ብዛዕባ ስዊዛውያን ኣብ ሃገረ ጥልያን ይኹን ዶቡብ ኮርያ ብዚ ሕማም ግዳት ከምዘየሎ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ኣብ ሰመናዊ ኢጣልያ ኣብቲ እዚ ቫይረስ ተላቢዕሉ ዘሎ ከባቢ 33000 ዘጋታት ስዌርላንድ ከምዝነብሩ ሓቢሩ። ንዝኾነ ሓበረን ሓገዝን ድማ ኣብ ኢጣልይ 24 ስዓታት ድልዉን ክፉትን ምኻኑ ሓቢሩ። ብዝያዳ ኣገዳሲ ድማ እቲ ዶብ ተኸፊቱ ከምዘሎ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ግብረ መልሲ ህዝቢ ከመይ ይስል፡ ነበርቲ ስዊዘርላንድ ብወገኖም መሻሪፍ ኣብ ምሽማት ተጸሚዶም ይርከቡ፡ ምኽንያቱ ድማ እዚ ሕማም ምስ ዝላባዕ ሕጽረት ከጋጥም ይኽእል እዩ ብሃልቲ እዮም። መብዛሕትኦም ድማ ከም ሩዝ፡ፓስታ፡ ሕሩጭ፡ ኣሕምልቲን ስጋን ዝኣመሰሉ ብብዝሒ ይሽምቱ። ስለዚ ኤርትራውያን ብወገና ኣብቲ ንነብረሎም ከባቢታት ናይ ጥዕና ትካላት ምውካስ ወይ ድማ ኣብዛ መርበብና ብምክታታል ሓብረታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

Related posts

Leave a Comment