ጥዕና

ምኣዛታት

ጥዕና ኩሉ ኣይኮነትን ብዘይ ጥዕና ግን ኩሉ ኣይከውንን እዩ

ጥዕና ማለት ካብ ሕማም ጥራይ ናጻምኻ ንዘይኮነስ ውሑስ ዝኹነ ኣካኣላዊ፣ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ውሑስ ዝኾነ ብቕዓት ምስትውንን እዩ ይብል መግለጺ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና። ኣብ ናይ ኢንዱስትሪ ሃገራት ደቂሰባት ምስጥዕንኦም ይውለዱ። እቲ ምኽንያት ድማ ኮሎገና ኣብ ከብዲ ኣዲኦም እንከለዉ ክንክንን ምቁጽጻርን ስለዝግበረሎም እዩ። ህወት ብዘይ ጥዕና ዝይሕሰብ እዩ። ስለዚ ድማ ሓደሕብረተስብ ውሑስ ዝኾነ ጥዕና ንክህልዎ ብዝዕባ ጥዕና ኣፍልጥኡ ከበርኽ ይግብኦ።

ገለ ረቃሒታት ንጥዕና ደቂሰባት ዝጸልዉ

1.ኣካላዊ ረቃሒታት:

  • ብዘርኢ ዝምሓላለፉ: እዚ ድማ እቲ እንኮ ምሳና ሒዝናዮ እንውለድ እዩ።
  • ኣመጋግባ: ዝተመጣጠንን ዝተፈላለዩ ምኣዛታትን ምምጋብ
  • ክዳውንት:ናይ ሞዳ ክዳውንቲ ጸበብትን ትሑት ናይ ዛሕሊ  ምክልኻል ዓቅሚ ስለዘለዎም ንሕማም ቃልዕ ይገብሩና።
  • ድቃስን ዕረፍትን: ወላ እኮ ዕረፍትን ድቃስን ኣብነፍስወከፍ ሰብ ዝፈላለ እንተኾነ ንጥዕና ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም።
  • ስፖርትን ምንቅስቃስን: ብዙሕ ምንቃስቃስ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ንጥዕና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
  • ባይህርያዊ ከባቢ: ጽሩይ ኣየርን ማይን።

2. ስነ ኣእምሮኣዊ ረቃሒታት:

  • ስነ ኣእምሮን-ማሕበራውን ረቃሒታት:
  • ፍቅሪ: ኣብመንጎ ስድራቤትካን መጻምድትኻን ፍቁርን ተፈቃርን ምኻን ወጥሪ ብህዳእ ንጥዕና ይሕግዝ።
  • ተፈላጥነት:ውሑስ ዝኾነ ስራሕን ተቀባልነትን ምስዝህልወካ ዝፈጥረልካ ፍስሃ ንጥዕና ሓጋዚ እዩ።

ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸናኺንካ ጥዕና !

ምስላ ቀዳሞት

Related posts

Leave a Comment