ሃጋፍ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከመይ ይመስል?

wordarts

ሃጋፍ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከመይ ይመስል?

ብመሰረት መግለጺ ፖሎቲካዊ ስነፍልጠት ወይ ታሪኽ ፖሎቲካ ሃጋፍ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ማለት ነቲ ዝጎደለ ናይ ስልጣን ቦታ ዝትክኦ ወይ ድማ ዝቆጻጸሮ ክስኣን እንከሎ እዩ። እዚ ኩነታት ድማ ማእከላይ መንግስቲ ወይ ብዓል መዚ ኣብ ዘይብሉ እዋን የጋጥም። ነዚ ሃጋፍ ንምምላእ ድማ ብዝተፈላለዩ ወገናት ወይ ሓይልታት ቅድድም ግካየድ። እዞም ነዚ ናይ ስልጣን ሃጋፍ ክመልኡ ዝቀዳደሙ ድማ ወትሃደራዊ ዕጡቃት ክኾኑ ይኽእሉ።

ጥንቂ ሃጋፍ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ኣብ ትሕቲ ወልቀ መላኺ ትምራሕ ሃገር ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ምስ ንዕዘብ፡ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ቅዋም ዘይብላ። እቲ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ብሞት ካብ ስልጣኑ ምስ ዝእለ ክፍጠር ይክኣል። ብኻልእ መዳይ ድማ ብሰንክ ወግእ ኣድሕድ ወይ ድማ መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ካብ ስልጣን ምስ ዝወርዱ የጋጥም። ከም ኣብነት ድማ ሃገረ ኢራቅ ድሕሪ ውድቀት ወልቀ መላኺ ሰዳም ሑሰን፡ ሶማልያ ድሕሪ ውድቀት ሰይድ ባረ ኣብ ኣዝዩ መንግስቲ ኣልቦ ወዲቃ።

ሳዕበናት ብፖሎቲካዊ ሃጋፍ ዝፍጠሩ፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ናይ ገለ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ውልቀ መለኽቲ ዝነበራ ምስንዕዘብ ድሕሪ ውድቀቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ዥኾኑ ፍጻምየታት ይኽሰቱ። ገለ ንምጥቃስ ድማ፣ ውግእ ሓድሕድ፡ ቁጠባዊ ዕንወት፡ ማሕበራውን ሰብኣወን ምዝባላትን፡ ምቹእ ባይታ ንባዕዳውያን።

ንኣብነት ኪናት ኣድሕድ ኢራቅ፡ ውልቀ መላኺ ሰዳም ሑሴን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣመሪካ ምስ ኣተወ ከምኡ’ውን ፖሎቲካዊ ወድብ ብዓስ ምስ ተበታተነ፡ ዜጋታት ኢራቅ ድሕሪ ናይ ሓጺር እዋን ታሕጋስን ሆይሆይታን ኣብ ነንሕድሕዶም ወቀሳታት ክውርውሩ ጀሚሮም። ሱኒ ንሺዓ ክወቅሱ፡ ሺዓ ድማ ንሱኒ ክቃወሙ ጀሚሮም፡ ኩርዲ ድማ ናይ በይኖም ሃገር ክእውጁ ተራእዮም። ኣብ ግዜ ስርዓት ሰዳም ሑሴን ተጸቂጦም ዝነበሩ ብሄራትን ሃይማኖታትን ክቀላቀሉ ድሕሪ ምጅማሮም ኢራቅ ኣብ ኣዝዩ ጽዑቅ ናይ ጉጁለታት ናዕብን ውግእ ኣድሕድን ተሸመት። ኣብ 2004 ድማ እቲ ኪናት ኣብ ከተማ ብጉሪላ ዝፍለጥ ኣገባብ ብቀቢላ ሱኒ ነቲ ኣብ ግዝየ ሰዳም ሑሴን ዝነበሮም ስልጣን ኣቦትኡ ንምምላስን ንሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ካብ መሬት ኢራቅ ንምውጻእን ዝብል ኣጀንድኦም ንምትግባር ኣስፋሕፍሐ። ቀቢላ ሺዓ’ውን ብወገኖም ብቀቢላ ሱኒ ንከይጸንቱ ነፍሶም ክከላኸሉ ጀመሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሳልሳይ ሓይሊ ካብ ደገ ዝመንጨው ኣስላማውያን ጥርንፋት ጉጁለ ተቀልቀሉ።

ናይ ስልጣን ሃጋፍ ኣብ ኤርትራ ምስዘጋጥም ከመይ ገርና ንዳሎ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ሃገርና ከጋጥም ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ እምባገነን ዝኾነ ስርዓት ትምሓደር ስለዘላ። እቲ ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ናይ ሽፍታ ባህሪ ስለዘለዎ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ኣብ ደገ ንርከብ ድሕሪ ወድቀት ምልኪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ህዝብናን ሃገርናን ንድሕነሉን ነውሕሰሉን መደብ ክነዳሉ ይግብኣና። ወላ’እኮ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ደገ ዘሎ ደምበ ተቃወምቲ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዘኽእሎ ስነምግባርን ሞራልን ኣይሃልወና፡ ህጂ ግን ይጽናሓለይ ዘየብሎ ጉዳይ እዩ። ብወገነይ ካብ ተመክሮይን ትዕዝብተይን ሽግር ደምበ ተቃውሞ ብዙሕ እኮ እንተኾነ። እቲ ቀንዲ ጸገም ግን ዘይምትእምማን እዩ። ፈውሲ ናይ ዘይምትእምማን ኢለ ዝሓስቦ እንተሃልዩ ድማ ፈደራላዊ ምሕደራ ኣብ ጆግራፍያዊ ኣቀማምጣ ዝተመርኮሰ ስርዓት ምህናጽ እዩ። ፈደራላዊ ምሕደራ ንኹሉ ብዙሕነትና ክሓቁፍ ስለዝኽእል እቲ ቀንዲ ኣማራጺ ክከውን ይኽእል እዩ። ኣብ ኤርትራ ትሽዓተ ኣውራጃታት ኣለዋ ንሳተን ድማ ብወረዳታት ዝተነድቃ እየን። ስለዚ ነዘን ኣውራጃታትን ወረዳታትን ዘንጸባርቀን ዝሓቁፍን መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ድያስፖራ ክንቀውም ይግብኣና።እዚ ዓይነት ምሕደራ ንሓድነት ሃገር ዝብትን ኢሎም ዝሓስቡ ዜጋታት ስለዘለዉ፡ ዝያዳ ሃገራዊ ሓድነት ከምዘደልድል በዛ ኣብነት ክገልጻ ክፍትን እየ። ነቲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝወዳደራ ወረዳታት ወይ ኣውራጃታት ዘይኮናስ ፖሎቲካውያን ውድባት እየን። እተን ውድባት ድማ ከክም መንፍዓተን ኣብ ኩለን ኣውራጃታት፡ ካብ ኩለን ብሄራትን ሃይማኖትን ናይ ኣባላት ዝርግሔ ይህልወን። ንኣብነት ኣነ ወዲ ኣውራጃ ሰንሒት ኮይን ምስ ደቂ ካልኦት ኣውራጃታት ብፖሎቲካዊ ስነሓሳብ ይራኸብ። ነታ ፖሎቲካዊ ውድበይ ወኪለ ድማ ካብ ወረዳይ ወይ ኣውራጃይ ንምርጫ ይወዳደር። ስለዚ ኣነ ኣብ ክንዲ ቀቢላ፡ሃይማኖት፡ ዓዲ ዝያዳ ምስ ዜጋታት ብፖሎቲካዊ ስነሓሳብ ይጥመር።

Related posts

5 Thoughts to “ሃጋፍ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከመይ ይመስል?”

  1. Every after in a while we select blogs that we read. Listed below would be the most up-to-date web sites that we decide on. Danny Jacob McCallion

  2. You completed certain nice points there. I did a search on the theme and found a good number of persons will have the same opinion with your blog. Brook Zed Donielle

  3. Loved your article. I will return to see some more. Natividad Herrick Novick

  4. I savour, cause I discovered exactly what I was having a look for. April Guilbert Shae

  5. I quite like reading through a post that can make people think. Also, many thanks for permitting me to comment. Katherine Oliviero Rosecan

Leave a Comment