ክሰርቀኒ ዝረአኽዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ ዝብል ምስላ ቀዳሞት።

ህግደፍ ራህዋ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ይምነ ምባሉስ ሌባ ጻድጽ ክብሃል ኣይግብኦንዶ፣

መጀመርታ ንዝኾነ ፍጡር ኣብዛ ዓለም ዘሎ ኣምላኽ ምሕረቱን ጥዕናን ከውርደሉ ይምነ። ቀጺለ ድማ ነዛ ጽሕፍተይ ካብ ሰይጣናዊ ተግባራት ህደፍ ኣብ ሂወተይ ካብ ዘጋጠሙኒ ዝተመርኮሰ ወስክብለኩም። እዋኑ 2003 ኣቢሉ ይኸውን ኣስታት 52000 ዝኾና ኣባግዕ ናይ ሃገረ ኣውስትራልያ ንመሸጣ ቀሪበን ነበራ። እንተኾነ ግን እተን ኣባግዕ ዝቅበለን ስኢነን ኣብ መርከብ ተወጢሐን ንኣዋርሕ ዝኣክል ከምጽንሓ ዝዝከር እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ብብዙሓት ሃገራት መንጸጊአን ድማ ብቫይረስ ዝተለኽፋ ሕሙማት ምንባረን እዩ። ኩሉን ሃገራት ዓለም ድማ ክሊ ግዝእተን ከይቅልቀላ ነጸግወን። እንተኾነ ግን እቲ ሰይጣናዊ ተልእኽዕ ዘለዎ ውድብ ህግደፍ ነተን ሕሙማት ኣባግዕ ካብ ዝጉሓፋ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣፍራይ ዜጋ ንክብክልን ክሕምምን ክወስደን ወሲኑ። በታ ተሰኪማተን ዝነበረት መርከብ ናይ ሆላንድ ድማ ኣብ ወደብ ኤርትራ ተራጊፈን ኣብ ጋሕተላይ ተኸዘና። ከብዚ ድማ ኣብ ቤት ማሕረድቲ ኣትየን። ነዘን ዝሓመማ ኣባግዕ ብምቅላብ ግዳይ ክኾኑ ዝተፈርዱ ድማ ተመሃሮ ዩንቨርስቲ ኣስመራን ሰራዊትን ነበሩ። እዚ ድማ እቲ ቀንዲ ኣፍራይ ዜጋ ናይታ ሃገር ዕላማ ዝገበረ ሰይጣናዊ ተልእኾ ሽፍታ ህግደፍ ነበረ። ኣብቲ እዋን ይዝከረኒ ተመሃራይ ዩንቨርስቲ ኣስማራ ብምንባረይ ኣደዳ ናይቲ ሕማም ኮይነ። ኣብቲ እዋን ድማ ብዙሓት ዜጋታት ብፍላይ ድማ ተምሃሮ ዩንቨርስትን ወትሃደራትን ሓሚሞም። ስለዚ ህግደፍ ብጊሓቱ ኣንቂዱ ኣብ ሽፍትነት ዝተዋፈረ ግናይ ሕማም እዩ።

ሎሚ ቀነ ድማ ነቲ ዝሓለፈ ግናይ ተግባራቱ ዝረሳዕናዮ መሲልዎ ጻድቅ ከምስል፡ ንምክልኻል ኮሮና-ቫይረስ ዝውዕል ፈወፈያ ግበሩ ምባሉ ምስ እንታይ የቅጽሮ። ሓላይ ህዝቢ ክትመስሉ ምድላይኩም ኣየምሕረልኩምን እዩ። ምኽንያቱ እንካይዶ መድሃኒት ክትቅርቡስ ነቲ መሰረታዊ ቀረብ ከማን ዝሓርምክሞ ይኣኽለኩም። ብተወሳኺ ኣብያተ ክሊኒክ ካቶሊካዊት ማሕበር ዓጺኹም ክትብቅዑስ፡ ብስም ኮሮና-ቫይረስ ጅባኹምን ጁባ ማሕዮታትኩምን ንከተኻዕብቱ ዝኹነ ዕድል ኣይክውሃበኩምን እዩ። ስለዚ ክቡራት ኣምበብቲን ኤርትራውያንን እዚ እከይ ስርዓት ህግደፍ ንሱ ዘይኮነስ ንሕና ተገምጢልና ክንሓቶ ይግብኣና። ህግደፍ መደናገሪ እስከ ገበርሰናይ ክተምስል ምእንቲ ምድንጋር ክጥዕመካ መጀመርታ ነቶም እሱራት ፍታሕ፡ ነተን ኣስታት 20 ዝዓጾኻየን ክሊኒክ ናይ ደናግል ክፈት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 2000 ዓመት ኣትሒዝካ ኣብ መሰረታዊ ቀረብ ዝገበርኩሞ እገዳ ኣልዕልዎ ንብለኩም።

እቲ ዝሓመቀ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ኣታዊታት ዕደና ወርቅን ፖታሽን ሓቂፉስ ተመሊሱ ካብ ህዝቢ ክልምን ዓገብ ኣንታ ሽፍታ ስርዓት ክብሃል ኣለዎ። እዚ ሕማም ክሳብ ሕጂ ዝኾነ መድሃኒት ኣይተረኽቦን ዘሎ። ስለዚ እዚ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምንታይ ምዓላ ከውዕሎ እዩ ነዚ ሓገዝ ዝሓትት ዘሎ። መምርሒታት ክጥቀም ንምሕጸን። ይእዳውኩም ንኣስታት 20 ካልኢት ብማይን ስቡናን ምሕጻብ፡ ከባቢ ገጽኩም ዘይምትንካፍ፡ ካብ ኣድሕድኩም ብውሑድ ናይ 2መትሮ ርሕቀት ምሕላው፡ ኣብ ግምቦ ኢድኩም ሃንጥሾ ምባል። በቲ ሕማም ምስትልከፉ ድማ ንበይንም ምውሻብ።

Related posts

3 Thoughts to “ክሰርቀኒ ዝረአኽዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ ዝብል ምስላ ቀዳሞት።”

  1. Hello. This post was really motivating, particularly because I was browsing for thoughts on this topic last Saturday. Else Kevon Sterne

  2. Hi there Dear, are you in fact visiting this web page daily, if so afrerward you will without doubt take fastidious knowledge. Emmie Luciano Lareena

  3. You need to take part in a contest for one of the finest websites on the internet. I most certainly will highly recommend this site! Ginelle Durand Pownall

Leave a Comment