ድርብ ዕያር ፖሎቲካዊ መንነት ኤርትራውያን

ከም ኩሉ ህዝብታት ዓለም እዚ ሕጂ ኤርትርዊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ህዝቢ ናይ ባዕሉ ኣመጻኣን መስርሕ ፍልቀትን ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ታሪክ ናይዛ ንነብረላ ዓለም ህዝቢታት እናተጓዓዙን እናሳገሙን ኣብ ክነብረሉ ንኽእል ኢና ዝበሉዎ ቦታን ክነብሩን ክዓርፉን ተፈጥራዊ ሕጊ እኳ ክብሃል እንተዘይተኻእለ ዉድዓዊ ክዉንነት ኢዩ። እዚ ክኣ ህዝብታት በብዝመጽሉ ኣብ ሓደ ከባቢ ናይ ምዕራፍ ድሌታት ምስዝነብሮም ክራጸሙን ክጋጨዉን ንቡር ይገብሮ ህዝቢ ኤርትራዉን ነዚ መስርሕ ሓሊፉ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ክዉንነት በጺሑ ኣሎ።ህዝብታት ኣፍሪቃ ቅድሚ መግዛእቲ ምዕራባዉያን ኣብ ልምድን እምነትን መንነትን ዝተሰረተ ጥበብ ኣነባብራ ከምዝነበሮም ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ ተፈጥሮ ዉን ዘገድዶ ኢዩ። እዚ…

Read More