ኢትዮጽያ ባህርያዊ ጸጋታት ክትጥቀመ መሰላ ዘይኮነን፣

ስለምንታይ እያ ግብጺ ህዝባ ምእንቲ ክነብር ብዋጋ ኢትዮጵያውያን ትድልዮ፣ ፈለግ ኒል፡ እቲ ዝነወሐ ሩባ ኣብ ዓለምናን ኣህጉርና ኣፍሪቃን እዩ። ካብ ደቡባዊ ቀናት ምድሪ ነቂሉ ንሰመን ገጹ ብሰመናዊ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኣቢሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይፈስስ። 6650 ኪሎ ሜተር ንወሓትን ኣስታት 3,349,000 ትርብዒት ኪሎ ሜተርን ይሽፍን። ዋሕዚ ማያት ገለግ ኒል ታንዛንያ፡ ብሩንዲ፡ ርዋንዳ፡ ከንያ፡ ኡጋንዳ፡ ሱዳን፡ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ደሞክራቲክ ረፑብሊክ ኮንጎ፡መስኖኣዊ ልምዓት ግብጺን ዘጠቃለለ እዩ። ፈለግ ኒል ቅድሚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምፍሳሱ ካብ ዝምንጭወሎም ቦታት ምርኩስ ብምግባር፡ ክልተ ጨንፈራት ኣለውዎ። ንሳቶም ድማ ጻዕዳ ኒል ካብ ቀላይ ቪክቶርያ ዝምንጩ፡ እቲ ካልእይ ድማ ሰመያዊ…

Read More

ዝምታ ባህርያዊ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍን ኩባንያ ዳናካሊን።

ዕደና ፖታሽ

ቀዳማይ ገጽ ዕደና ፖታሽ ኣብ ኤርትራ ብኩባንያ ዳናካሊ ኣብ መፈጽምትኡ ይርከብ። ኣውስትራልያ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕድና ዳናካሊ ዝተባህለ፡ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ዝሃቦ ፍቃድ መሰረት ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ናይ ፖታሽ ዕደና ከካይድ ምኻኑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ዕደና ዝካየደሉ ቦታ ድማ ኮሉሊ ዝብሃል ቦታ ኣብ ምብራቃዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣውራጃ ደንከል ዝርከብ እዩ። እታ ኣብ ከተማ ፐርዝ ኣውስትራልያ ዝመደበራ ኩባንያ ዕደና ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ መስርሕ ተዛዚሙ ኣብ ካልኣይ ገጽ ከምዝተሰጋገሩ ተብርህ። እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ፕሮጀክት ትሕተ ቅርጺ ምውዳድ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ ኣድለይቲ ናውትን መሳለጥያታትን ዘጠቃለለ…

Read More

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጣሊባንን ተሰማሚዖም

ጎቦታት ቶራቦራ

ሕቡራት ምንግስታት ኣመሪካን ዕጡቃት ተቃወምቲ ኣፍጋኒስታን ጣሊባንን ኩናት ንምዝዛም ተሰማሚዖም። ሰብ መዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተወከልቲ ጣሊባንን ብዕለት 29.02.2020 ኣብ ርእሲ ከተማ ቀጠር ዶሓ ናይ ሰላም ስምምዕ ከቲሞም። ዕላማ ናይዚ ስምምዕ ነቲ ኣመሪካን መሻርኽታን ካብ 2001 ኣትሒዘን ንሓያሎ ዓመታት ከካይድኡ ዝጸንሓ ኩናት ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ዕጡቃት ጠሊባን ንምዝዛም እዩ። እቲ ኣብ ዶሓ ዝተኻየድ መስርሕ ምኽታም ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ካብ ቱርኪ፡ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ታዛኪስታን፡ኢንዶነዥያ፡ ቀጠርን ኡዝበኪስታንን ዝመጹ ተፈጺሙ። እዚ ውዕል ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዘገምታዊ ኣገባብ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታትን ንትውጽእ መንገዲ ዝጸርግ እዩ። ኣስታት 14000 ዝኾኑ ሰራዊት ኣመሪካን 17000 ሰራዊት…

Read More

ክሮና-ቪይረስ ኣብ ስዊርንድ ተቀልቂሉ

ክሮና-ቫይረስ ኣብ ስዊዘርላን ክምርሽ ጀሚሩ ኣብ ስዊዘርላንድ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ክሮናቫይስ ከምዝተመዝገቡ ትሓቢሩ። ክሮና-ቫይረስ ኣብ ብርክት ዝበላ ካንቶናት ከምዝተዘግሔ ይሕበር ኣሎ። ብሰንክዚ ድማ ዓበይቲ መደባት ብፍላይ ናይ ምዝንጋዕን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ይስረዙ ኣለዉ። ሰብ መዚ ስዊዘርላንድ 15 ሰባት በዚ ሓድሽ ሕማም ማለት ክሮና-ቭይረስ ከምዝተለኽፉ ኣረጋጊጾም። እዞም ዝተለኽፉ ሽድሽተ ሰባት ድማ ካብ ዝተፈላለያ ካንቶናት እዮም። ኩሎም በዚ ሕማም ዝተለኽፈ ሰባት ኣብ ሆስፒታት ተነጺሎምን ትሓጺሮምን ክንክን ይግበረሎም ኣሎ። ካብዞም ካብዞም በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ብዘይካ እቲ ሓደ ካልኦት ካብ ሃገረ ኢጣልያ ዝተለከሙ ምኻኖም ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ሓደ ኣብ ካንቶን ቫድ ዝርሕ ግን ኣብ ፍራንስ…

Read More

ኮሮና-ቫይረስ ኣብ ኣፍደገ ስዊዘርላንድ ተላቢዑ

ኮሮና-ቫይረስ ኣብ ጥልያን ብምልባዕ ንስዊዛውያን ዓቢ ሻቅሎት ኮይንዎም ኣሎ ኣብዚ ቅንያት ኣብ መሬት ኣውሮጳ ኣብ ሃገረ ጥልያን ልዕሊ ትጽቢት ኮሮኖ-ቫይረስ ከምዝተላብዐ ምስተፈልጠ፡ ሰበ ስልጣን ሃገረ ስዊርላንድ ኣዚ ሕማም ኣብ ሃገሮም ንከይኣቱ ኣቀዲሞም ዘድሊ ምድላዋት ክገብሩ እኮ እንተጸንሒ፡ ሕጂ ግን ኣዝዩ ኣሻቃሊ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣብ ዶብ ጥልያን ጽኑዕ ምቁጽጻርን ናይ መገሽ መጠንቀቅታን ይህቡ። ከምኡ’ውን ዝኾነ ምልክት ናይ ስዓል ዝመስል ዝራእዮ ናይ ( Covid-19 virus ) መርመራ ይገበረሉ። ብመሰረት መግለጺ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገረ ስዊዘርላንድ ኣብዘን ዝስዕባ ምዓልታት ድማ ናይ ሓበረታ ጎስጋስን ኣብያተ ምኽርታትን ብስፍሕ ዝበለ መልክዕ ክቀርባ እየን ይብል። ብተወሳኺ ምኒስተር ወሽጣዊ…

Read More

ስነፍልጠት ንሂወትና ብኸመይ ይልዎ

ሮበት ናይ ህዋ

ስነ-ፍልጠት እንታይ ማለት እዩ ብመሰረት መዝገበ ቃላት፡ ስነ-ፍልጠት ኣብ ትዕዝብቲ፡ ምኮራን ምልካዕን ተመርኪሱ ብዛዕባ ተፈጥሮን ጠባይን ዩንቨርስ(ብልሙድ ኣዘራርባ ህዋ) ዘጽንዕ ዓውዲ እዩ። ነዚኹሉ ንምግባር ሓያል ጻዕሪ ዝሓትትን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ተስፋ ቅርጽን እዩ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ምርምርን ምልካዕን ንምግባር ሶሙናት ኣዋርሕን ከይተረፈ ዓመታት’ውን ይወስደም እዩ። ስነ-ፍልጠት እንታይ ምኻኑ ንምርዳእ ኣብ ከባቢኻ ቁሊሕ በል። እንታይ ትርኢ ኣሎኻ፣ ኮምተር፡ ነፈርቲ፡ ማሽናት፡ አለትክ ወዘተ ። እዞም ኩሎም ዝጠቀስናዮም እምብእር ወጽኢት ናይ ስነ-ፍልጠት እዮም። እንተኾነ ግን ስነ-ፍልጠት ንክትምሃሮ ካብቶም ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ ፈተና ዝተመርኮሰ ምኻኑ እዩ። ስነፍልጠት ነዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ብቅልል ዝበለ ንምንባራ…

Read More

ሰብ ሓዳር ገንዘብ ከመይ ገሮም የካውኑ?

ስድራቤት፣ ገንዘብ

ሕጉስቲ ስድራቤት ከመይገራ ገንብ ተካውን ኩላትና ንስድራቤትና ዘድልዮም ምእንቲ ክነማልአሎም ገንዘብ የድልየና። ምኽንያቱ ገንዘብ ዕቅባ ይኾነና እዩ። ከም ሰብ ሓዳር መጠን ብዛዕባ ገንዘብ ምዝርራብ ኣጸጋሚ ክኸውን ዝኽእል እካ እንተኾነ፡ ጉዳይ ገንዘብ ኣብ ሓዳርኩም ጸገም ከምጽእ ኣይተፍቅዱሉ። ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ገንዘብ ክውስንኑ እንከለዉ፡ንሓድሕዶም ክትኣማመኑን ሓቢሮም ክዓዩን ኣለዎም። ምኽንያቱ ነቲ ሓደ ዝተኸወሎ ኣርባሒ ዕድላት ነቲ ካልእ ክብርሃሉ ስለዝኽእል ምዝታይ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ስለዚ እስኪ ነዘን ዝስዕባ ኣገባብ ንልከት፡ 1.ተጠንቂቅካ/ኪ መደብ ኣውጽኣሉ/ሉ፡መን ካባኻትኩምከ ገዛ ወይ ዝኾነ ዝምነዮ ክሃንጽ ደልዩ ግን ዝኣክል ዘለዎ፡ ኣቀዲሙ ከፍ ኢሉ ጸብጻብ ዘይካይድ? ንኣጠቃቅማ ገንዘብ ብዝምልከት፡ ምስ መጻምድትኻ ብሓባር…

Read More

ዑመር ኣልበሺር ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ገጹ ይምርሕ

መራሕቲ ሱዳን ንፕረስደንት ነበር ዑመር ኣልበሺር ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበንኛት ከርክብዎ ተሰማሚዖም መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ተቃውምቲ ዳርፎርን ኣብ ጁባ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ንፕረስደንት ነበር ዑመር ኣልበሺር ናብ ዓለምለኻውዊ ቤትፍርዲ ገንአኛታት ከረክብዎ ተሰማሚዖም። ዑመር ኣልበሺር ኣብ 2003 ብሰንኪ ዝልዖ ኪናት ኣብ ልዕሊ ዳርፉር 300,000 ሂወት ብምህላቁ ኣብ ዓለማዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክድለ ጸኒሑ። ስለዚ’ዩ ድማ ናብ ዓለማለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክርክብዎ ዝወሰኑ። ወሃብ ቃል መንግስት ሱዳን ኣቶ ስዒድ ምሓመድ ሓሰን ኣብዝሃቦ መግለጺ” ቋስልኻ ከይሕወኻ ፍትሒ ኣይረጋገጽን እዩ ይብል።” ብተወሳኺ ድማ ዕመር በሺርን ካልኦት ሰለስተን ናብ ዓለምለኻዊ ትፍርድ ገበነኛታት ክርከቡ ምኻኖም ንማዕከናት…

Read More

ጸረ ኣድልዎ ሪፈረንደም ኣብ ስዊዘርላንድ

ባንደራ ስዊስን ዙሪኽን

ጸር ኣድልዎ ሕጊ ንምጽዳቅ ረፈረንደም ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ስዊርላንድ ብዕለት 09.02.2020 ዓብን ኣገዳስን ረፈረንዶም ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ረፈረንደም ሓደ ውድሰብ ብሰንኪ ጾታዊ ኣመላኻኽትኡ ንኸይጋነ ዝልኣኸል ሕጊ ንምጽዳቅ እዩ ነሩ። እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል። 63.1% እዊ ውሕስነት ይሃልዎም፡ 36.9% ኣይፋል ኣድሚጾም። ስለዚ በቲ ዝተረኽበ ውጽኢት መሰረት ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ማለት በቲ ልሙድ ኣጸውዓ ናይ ዓድና(ደቅንስትዮ ነንሕድሕደን ከምእ’ውን ደቂተብዓትዮ ነንሕድሕዶም ዝዋሰቡ) ውሕስነት ዝህቦም ሕጊ ጸዲቁ። እዚ ውጽኢት ድማ ንዓቃባውያን ኣዝዩ ዓቢ ጽፍዒት ኮይንዎም። ነዚ ውሳንየ ዘይደገፉ መብዛሕትኦም ነበርቲ ገጠራት ካብ ማእከላይን ምብራቅን ስዊዘርላንድ ክኾኑ እንከለዉ፡ እዚ ሕጊ ንክጸድቅ…

Read More

ቅልውላው ኣብ ክለብ ባርሰሎና

መዳ ኩዕሶ ባርሰሎና

ናይ ቃላት ቁርቁስ ኣብ መንጎ ሊዮነል መስን አሪክ ኣቢዳልን ክለብ ባርሰሎና ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ነበር አርነስቶ ቫልቨርደ ወላእኮ ናይ ላሊጋ ዓወታት የግዝማ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክብራ ክመልስ ስለዝይክኣለ ካብ ምስልጣን ኩዕሶ እግሪ ክለብ ባርሰሎና ከምዝተባረር ይዝከር። እንተኾነ ግን ዳይረክተር ክለብ ባርሰሎና አሪክ ኣቢዳል ጠንቂ ምስጋግ ናይ አርነስቶ ቫልቨርደ ተጻወቲ ባርሰሎና ብዘርኣይዎ ሸለትነትን ትህኪትን ክብል ወስ ድሕሪ ምባሉ ካብቲ ብሉጽ ተጻዋታይን ሓላቃ ጋንታ ባርሰሎናን ዝኾነ ሊዮነል መሲ ተሪር ነቀፈታ ኣጋጢምዎ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ክለብ ባርሰሎና ዘይምርግጋእ ከይፍጠር ዓቢ ስግኣት ኣሎ። ልዮነል መሲ ወላእኮ ውዕሉ ክሳብ 2021 ይኹን፡ ኣብ ደስ ዝበሎ…

Read More