ምርጫ ባይቶ ስዊዘርላንድ

ቤትጽሕፈት ባይቶ ስዊስ

ምርጫ ባይቶ ስዊዘርንድ 10..21.2019 ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ 20.10.2019 ካብ ነፍስወከፍ ኣውራጃታትን ከተማታትን ፖሎቲካዊ ውድቦም ወኪሎም ኣባል ባይቶ ንምኻን ብዙሓት ሕጹያት ኣብ ውድድር ተጸሚዶም ውዒሎም። ኣብ ፈደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝርከባ ዓበይትን ንኣሽቱን ፖሎክኣውያን ውድባት ነዘን ዝስዕባ ይመስላ፣ ዓቃባዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ (BDP – Conservative Democratic Party); ክርስትያን ማሕበራዊ ሰልፊ ስዊርላንድ (CSP – Christian Social Party of Switzerland); ክርስትያን ደሞክራስያዊ ሰልፊ(CVP – Christian Democratic Party); ወንገላዊ ሰልፊ (EVP – Protestant Party); ኣኽራሪ ገስጋስ ሰልፊ (FDP – Radical Liberal Party);ገስጋሲ ሓምላይ ሰልፊ (GLP – Liberal Green Party); ሓምላይ ሰልፍ (Grüne – Green Party); ማሕበር ተሲኖ (Lega – Lega dei Ticinesi); ምንቅስቃስ ዜጋታት ጀነቫ (MCG – Geneva Citizens‘ Movement); ደሳዊስ…

Read More

መድሕን ጥዕና ኣብ ስዊዘርላንድ

መድሕን ጥዕና ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ኣብ 2020? ጥዕና ንኩሉ ሂወት ዘለዎም ብፍላይ ንወድሰብ ካብቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ጉዳይ እዩ። ኣብ ምዕቡል ክፋል ዓለምና ዝነብር ህዝቢ ንሂወቱ ዝተፈላለዩ ናይ ውሕስነት ኪዳን ማለት ኢንሹራንስ ስምምዕ ብምግባር ከይተሰከፈ ይነብር። ብዙሕ ዓይነት ኢንሹራንስ እኮ እንተሃለዎ ኣብዛ ዓምድ ግን ብዛዕባ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላን ኣብ 2020 ከመይ ከምዝመስል ክንርኢ ኢና። ብመሰረት ምኒስትሪ ጥዕና ኣቶ ኣልያን በርሰት ምስ መራኸቢ ብዙሓን ብዝገበሮ መልክዕ ሓድሽ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ኣብ 2020 ብማእከላይ ገምጋም 0.2% ክብ ክብል ምኻኑ ሓቢሩ። እዚ ድማ ብመንጽር ኣሃዝ ክርአ እንከሎ 315.40 ስዊስ ፍራንክ እዩ። እዚ…

Read More