ዝተኸልከለ ጸረ ባልዕ ኣብ ዝስተ ማይ ተረኺቡ

ትራክቶር

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝስተ ማይ ክልኩል ጸረ ባልዕ ተረኺቡ ስዊዘርላንድ እታ ብጽረታን ማሕበራዊ ምርግጋእን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ዓለምና ሓንቲ እያ። እንኮላይ ሰጋእ ከይበልካ ካብ ቡንባ ማይ ቀዲሕካ ትሰትየላ ሃገር ብምኻና’ውን እቲ ካልእ ብልጫ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ መርበብ ሓበረታ ስዊስ ኢንፎ ተዘርጊሑ ብዘሎ መሰረት፣ ሓረስቶት ስዊዘርላንድ ካብ 1970 ኣትሒዞም ኣሕምልቲ፡ ድንሽ፡ ኣእካል ንምፍራይ ምእንታን ክሕግዞም ጸረ ባልዕን ጻህያይን ይጥቀሙ ነሮም። እንተኾነ ግን እዚ ጸረ ባልዕ ኣብ ትሕቲ ባይታ ዘሪቁ ብምእታው ኣብ ዝስተ ማይ ክጽንበር ብምኽእሉ ሻቅሎት ይፈጥር። ህዝባዊት ራድዮ ስዊዘርላንድ ሮቡዕ ኣብ ዝሃበቶ ፈነወ ኣብ ውሽጢ ካብ ትሕቲ…

Read More